ሓራምዝ ብተፈጥሮኦም ርህሩሃት’ዮም። መጻምድቶም ዝመትዎም ሓራምዝ ንባዕሎም ብክቱር ጓሂ ከምዝሞቱ’ዩ ዝፍለጥ። ምብላዕ ምስታይ ተሓሲሞም ገጾም ብንብዓት ተሓጺቡ፡ ኣብ መሬት ተስጢሖም ብጥሜት እናተሳሕጉ’ዮም ዝሞቱ። እቲ ዝገርም ኣብ ግዜ ሓዘኖም ዝኾነ ይኹን ካብ ሰብ ዝመጽኦም ሓገዝ ኣይቅበልዎን’ዮም። ...

ብሪጣንያውያን ተመራመርቲ ንዘመናት ሕንቅልሕንቅሊተይ ኰይኑ ዝጸንሐ ሓደ ግድል ከምዝፈትሑ ይገልጹ ኣለዉ። እቲ ግድል፡ “ኣዕዋፍ ስለምንታ’የን ብቕርጺ ቪ (V) ተሰሪዐን ዝበራ” ዝብል ኰይኑ፡ መልሱ ግን ክሳብ ሕጂ ከይተፈትሐ ምጽንሑ’ዩ ዝግለጽ። እቶም ተመራመርቲ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ተጠቒሞም ብዘካየድዎ መጽናዕቲ፡ ኣዕዋፍ ብቕርጺ ቪ ተሰሪዐን ዝጉዓዛሉ ምኽንያት፡ ዝወሓደ ጸዓት ወይ ሓይሊ ንኸህልኻ ዝዓለመ ከምዝዀነ ዝገልጽ ውጽኢት ከምዝረኸቡ ሓቢሮም። ዝበዝሑ መራሕቲ መካይን ደድሕሪ ዓባይ ናይ ጽዕነት ...