ኣብ ዝምድናታት ተመርኹሶም ዝተኻየዱ መጽናዕቲ ከም ዝሕብርዎ፡ ሕድገት ካብ ሕርቃን፡ ቂምን ቅርሕንትን ዝወርድ ስቅያት ፈውሲ’ዩ። እቲ ስቅያት ኣካላዊ ጉድኣት’ዉን የስዕብ። ጸቕጢ ደምን ሆርሞናዊ ምምዝባልን ኣስዒቡ ናይ ልብን መትንታትን ዕማማት ከሰናኽል ይኽእል። ሓዳግ ልቢ ምስ ዝህልወካ ካብ ጠንቅታት’ዚ ሕማም ናይ ምድሓን ዕድል ብሚእቲ ሚእታዊት ይዓቢ። ሕድገት፡ ጾር ይድርቢ -ጾር ናይ ቂመኛታት። ምኒን ዘዘውትር፡ ደድሕሪ ቂም ዝጉዓዝ ሰብ ብማሕበራዊ ተነጽሎ ይሳቐ። ሓዳግ ...

እዚ ምስላ’ዚ ንዝዀነ ናትካ ዘይኰነ ነገራት ልክዕ ከም ናትካ ርኢኻ ብግቡእ ክትጥቀመሉ ከምዘለካ የዘኻኽረካ። ንኣብነት ብሽክለታ ካብ ሰብ ለሚንካ ክትጥቀመላ ከለኻ፡ እታ ብሽክለታ ናተይ ኣይኰነትን ኢልካ ከይተጠንቀቕካ ብጐዳጉዲ እንተዘዊርካያ እዛ ምስላ ትምሰለልካ ማለት’ዩ። ስንና ከቐንዝወና ወይ ክስበር ስለዘይንደሊ ብስንና ሑጻ ክንቁርጥም ኣይንደልን ኢና። ናይ ካልእ ሰብ ስኒ እንተዝኸውን ግን ሑጻ ምቖርጠምናሉዶ? ብዛዕባ ነብስና ጥራይ ንሓስብ እንተዀይንና ምቖርጠምናሉ። ብዛዕባ ካልኦት ንሓስብ ...

እዚ ምስላ ሰብ ክመሃርን ንኽፈልጥ ክጽዕርን ከምዘለዎ’ዩ ዘዘኻኽረና። ትርጉሙ ድማ፡ ሰባት ንዝተወሰነ ግዜ ብዓቕሊ ተማሂሮም ነባሪ ፍልጠት ከይቀስሙ፡ ንምሉእ ዕድሚኦም መሃይም ኰይኖም ይንብሩ ማለት’ዩ። ብኻልእ ወገን ክርአ ከሎ ድማ ኣብ እዋኑ ዘይፈታሕካዮ ሽግር ንመዋእል ከሳቕየካ ይነብር ክትርጎም ይከኣል።   ...