ታኮሜተር ብደገ ክትርእዮ እንከለኻ፡ ብስልኪ ዝተጠቕለለ ማግኔት’ዩ ዝመስል። ብቐንዱ ግን፡ ምስ’ቲ ሞቶረ ክትንስእ እንከሎ ዝንቀሳቐስ ሰናን ዕንክሊል ኣካል ሞቶረ ተተሓሒዙ ዝርከብ ናይ ኤለትሪክ ጀነሬይተር’ዩ። እቲ መጋዝ መሰል ስኒ ዘለዎ ዕንክሊል ንባዕሉ ካብ ጽሩይ ሓጺን ዝተሰርሐ ኮይኑ፡ ኣስናኑ ናብ’ቲ ቀዋሚ ማግኔት ጊቦም ክዞሩ እንከለዉ ንግዜኡ ማግኔታዊ ጠባይ ክሕዙ ግድን’ዩ። እዞም ኣስናን እዚኣቶም ካብ’ቲ ቀዋሚ ማግኔት ክርሕቁ እንከለዉ ድማ ሒዞሞ ዝጸንሑ ማግኔታዊ ...