ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት’ዩ። ኣብ ሓደ ዓዲ ብዘይካ ሓቂ ሓሶት ተዛሪቡ ዘይፈልጥ ለባም ሰብኣይ ነበረ። ብኸምዚ ድማ ደቂ ዓዲ ጥራይ ዘይኮኑ ኣሽሓት ኪሎሜተራት ርሒቖም ዝነብሩ’ውን ይፈልጥዎ ነበሩ። ሓደ መዓልቲ ወረ ናይዚ ሰብኣይ ናብ ንጉስ ናይቲ ዓዲ በጽሐ። ንጉስ፡ ነዚ ላባምን ዘይሕሱን ሰብኣይ ክረኽቦ ደለየ። ወተሃደራቱ ልኢኹ ድማ ጸውዖ። እቲ ዘይሕሱ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቀረበ። “ፈጺምካ ሓሲኻ ኣይትፈልጥን’ዩ ዝበሃል፡ እዚ ሓቂ ...

ፍቱዋት ቆልዑ ንሰማይ ገጽኩም እንተጠመትኩም ሓደ ሓደ ግዜ ደበና ትዕዘቡ ኢኹም። ብፍላይ ብርቱዕ ጸሓይ ኣብ ዝጸንሓሉ ጸሓይ ብደበና ክትሽፈን ከላ ዝሕል ክብለና ከኣ ባህርያዊ’ዩ። ብዛዕባ ደበና ግን እንታይ ትፈልጡ? ደበና ካብ መሬት ዝሃፈፈ ጠሊ ዘለዎ ምዉቕ ኣየር፣ ኣብ ከባቢና ምስ ዝርከብ ዝሑል ኣየር ምስ ተራኸበ ዝፍጠር ክሊማዊ ኩነታት’ዩ። ኣብ ውሽጢ’ቲ ደበና፣ በዚ ዝሑል ኩነታት ኣየር ዝፍጠሩ ነጠብጣባት ማይ ኣለዉ። እዚ ...