ወረቐት ካብ ኣግራብ’ዩ ዝስራሕ። ነዚ ኣብ ዓለም ምሉእ ዘሎ ወረቐት ደኣ ክንደይ ዝኸውን ኣግራብ ይቑረጽ ማለት’ዩ ዶ ትብሉ ኣለኹም። ኣይተጋገኹምን፡ መብዛሕትአን ወረቐት ዘፍርያ ፋብሪካታት ኣብተን ብኣግራብ ዝዓመረ ጫካታት ዘለወን ሃገራት’የን ዝርከባ። ካናዳ፡ ስዊድንን ፊንላንድን ድማ ከም ኣብነት ክንጠቕሰን ንኽእል። ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ከም በዓል ሳቫና ዝኣመሰሉ ጫካታት’ውን ምንጪ ዓበይቲ ፋብሪካታት ወረቐት’የን። ኣግራብ ወረቐት ንምስራሕ ጥራይ ከምዘይቊረጹ መቸም ፈሊጥኩም ኣለኹም። ንሕጂ ...

ኩላትና ከም ንፈልጦ ክልተ ዓይነት ቅንኢ ኣሎ:: እቲ ሓደ  ቅዱስ ቅንኢ ክኸውን ከሎ አቲ ሓደ ግን ሓደገኛ ዝኾነ ካብ “ሕስድና” ዝተበገሰ ርኹስ ቅንኢ ኢዩ:: “ዘይቀንእ ኣይወለድ” ዝብል ምስላ ኣቦታት ዘዘኻር ዓይነት ቅንኢ ቅዱስ ቅንኢ ይበሃል። እዚ ዓይነት ቅንኢ ንዝተመሃረ፡ ንዝነፍዐ፡ ንተባዕ፡ ንመስተወዓልን ገባሪ ሰናይን ሰብ ብምርኣይ ንዕኡ ንምምሳል ወይ ከምኡ ንምዃን ምምናይ ዘስዕቦ ቅንኢ ይውክል። እዚ ዓይነት ቅንኢ ንምፍዋሱ ድማ ...

ንጽባቐ ጓል ንምድናቕ ‘ሞናሊዛ’ ክበሃል ንሰምዕ ኢና። ሞናሊዛ ግን ጽብቕቲ ጓል ዘይኮነትስ ብዓይኒ ሃየስትን ኣፍቀርትን ቅብኣ ‘ብልጽቲ ቅብኣ’ ዝተሰመየት እያ። እዛ ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ቤተ መዘክር እትርከብ ቅብኣ ሞናሊዛ ብኢጣልያዊ ውሩይ ቀብኣይ ሊዮናርዶ ዳቪንቺ ዝተሰኣለት’ያ። ብመንግስቲ ፈረንሳ እትውንን ቅብኣ ሞናሊዛ ንኹሉ ተዓዛቢኣ ዘደንቕ እታ ‘ሚስጥራዊ ፍሽኽታ’ ዝመለለዪኣ ሰበይቲ’ያ። ሊዮናርዶ ዳቪንቺ ነዛ ስእሊ ክስእላ እንከሎ ብዙሕ ተገዳስነት ከምዘይገበረላን ብዙሕ ...

ሓራምዝ ብተፈጥሮኦም ርህሩሃት’ዮም። መጻምድቶም ዝመትዎም ሓራምዝ ንባዕሎም ብክቱር ጓሂ ከምዝሞቱ’ዩ ዝፍለጥ። ምብላዕ ምስታይ ተሓሲሞም ገጾም ብንብዓት ተሓጺቡ፡ ኣብ መሬት ተስጢሖም ብጥሜት እናተሳሕጉ’ዮም ዝሞቱ። እቲ ዝገርም ኣብ ግዜ ሓዘኖም ዝኾነ ይኹን ካብ ሰብ ዝመጽኦም ሓገዝ ኣይቅበልዎን’ዮም። ...

* ረቡዕ፡ ዓርብን ሰንበትንከይጠቐስኩም ሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ክትጽውዑ ምኽኣልኩም ዶ? * ብዙሕ ከይተመራመርኩም፡ ስለምንታይ እዮም ገያሾ ናብ ኣውቶቡስ ከይዶም ዝስቀሉ? … መልሲ ኣብ ዝቅጽል ገጽ ...

ኣብ ግዜ ምሸት ወይ ጸልማት፣ ናብ ሰማይ ኣብ እንጥምተሉ ግዜ ብቑጽሪ ብርክት ዝበሉ ከዋኽብቲ ንዕዘብ ኢና። ገለ ኣዝዮም ደመቕቲ ክኾኑ ከለዉ ገለ ድማ ህሳሳት ኮይኖም ይረኣዩና። ኣብ ዙርያ ጸሓይንን ፕላኔታት ጠፈርን ካብ ዝርከቡ ከዋኽብቲ ብድምቀት ዝለዓለ ብርሃን ዝውንን ኮኾብ ሲሩስ እዩ። እዚ ብስነ ፍልጠታዊ ኣጸዋውዓ ‘ኣልፋ ካኒስ ማጆሪስ’ ዝብል ስያመ ዝወሃቦ ኮኾብ ኣብ ዙርያ ምድሪ ካብ ዝርኣዩ እቲ ዝደመቐ ኮኾብ’ዩ። ...

– ወዲ ሰብ ኣብ ናይ ካልኦት ጌጋታት በሊሕ፣ ኣብ ናቱ ግን ጎዲምን ድኹምን’ዩ እሞ ኣብ ናትካ በሊሕ ኩን። – ንስኻ ንገዛእ ርእስኻ ድምር ናይ ኩሎም ምርጫታትካ ኢኻ፣ ክትዕወት ቅኑዕ ምርጫ ምረጽ። – ንዘፍቀሮ ወይ ዝፈተዎ ዓርኪ ዘይኣምን፣ ነብሱ ከተፍቅር ከምእትኽእል ዘይኣምን’ዩ። – ብናቱ ሓሳብ ተመሪሑ ዘይከይድ ብሓላፍነት ከሕትት ዘኽእል ስራሕ ክሽከም ኣይክእልን’ዩ። – ለውጢ ከተምጽኣሉ ንዘይትኽእል ነገር ምድካሙ ንግዜኻ ምብኻንን ...

ኮካ ኣብ ኣህጉር ደቡብ ኣመሪካ ብብዝሒ ንዝርከቡ ዓይነት ቈጥቋጥ ዝተዋህበ ስም ኢዩ። ተቐማጦ እዚ ኣህጉር ብሓፈሻ፣ ተቐማጦ ሃገራት ፔሩን ቦሊቪያን ድማ ብፍላይ ኣቑጽልቶም ከም መነቓቕሒ ክጥቀሙሉ ምርኣይ ልሙድ ኢዩ። እዞም ተቐማጦ ነዚ ናይ ኮኬይንን ካልኦት ኣነቓቓሕቲ ባእታታትን ዝርከቦ ኣቚጽልቲ ኮካ ኣንቂጾም ምስ ካልእ ነገራት ከም ጥሑን ዕንጨይትን ካልእን ሓዊሶም ብምሕያኽ ኣእምሮኦም የነቓቕሑ’ዮም። ገረብ ኮካ ካብ 1 ክሳብ 2 ሜትሮ ዝበጽሕ ...

1. “ከም ኩስቶ ፍጹም ዕዉት ክትከውን ኣይትኽእልን ኢኻ” ምባል ንበዓል ቤትኪ ምስ ካልእ ሰብ ዘይምንጽጻር። ደቂ ተባዕትዮ ክነጻጸሩ ኣይደልዩን’ዮም። 2 . “ካባይ ንላዕሊ እተፍቅራ ኣላትካ” ምባል ዋላ ንስለ ዋዛ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዘይምባል፣ እንተኽኢልኪ ማዕረ ክንደይ ከምእተፍቅርዮ ሓብርዮ። ዘረጋገጽክዮ ዘይብልኪ ምስ ካልእ ይዘውር ኣሎ ዝዓይነቱ ናይ ምጥርጣርን ልብኺ ናይ ምሕባእን ባህሪ ኣይተንጸባርቒ። እንተታት ብዘየገድስ ንጉስ ፍቕሪኺ ምዃኑ፡ ንግስቲ ፍቕሩ ...

ብሪጣንያውያን ተመራመርቲ ንዘመናት ሕንቅልሕንቅሊተይ ኰይኑ ዝጸንሐ ሓደ ግድል ከምዝፈትሑ ይገልጹ ኣለዉ። እቲ ግድል፡ “ኣዕዋፍ ስለምንታ’የን ብቕርጺ ቪ (V) ተሰሪዐን ዝበራ” ዝብል ኰይኑ፡ መልሱ ግን ክሳብ ሕጂ ከይተፈትሐ ምጽንሑ’ዩ ዝግለጽ። እቶም ተመራመርቲ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ተጠቒሞም ብዘካየድዎ መጽናዕቲ፡ ኣዕዋፍ ብቕርጺ ቪ ተሰሪዐን ዝጉዓዛሉ ምኽንያት፡ ዝወሓደ ጸዓት ወይ ሓይሊ ንኸህልኻ ዝዓለመ ከምዝዀነ ዝገልጽ ውጽኢት ከምዝረኸቡ ሓቢሮም። ዝበዝሑ መራሕቲ መካይን ደድሕሪ ዓባይ ናይ ጽዕነት ...