ኣብ መዓልታዊ መነባብሮኦም ብቐጻሊ ዝሓርቁን ዘንጸርጽሩን ሰባት ንድኻም ልቢ ዝተቓልዑ ምዃኖም ብመጽናዕቲ ተረጋጊጹ። ኣመሪካውያን ተመራመርቲ ብመሰረት ዘካየድዎ መጽናዕቲ፡ ብዝኾነ ጉዳይ ምሒር ዝተቖጠዐ ሰብ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰዓት ምልክታት ድኻም ልቢ ክረኣዮ ይኽእል’ዩ። ሕርቃን ወትሩ ወሰኽ ጸቕጢ ደም ስለዘስዕብ፡ ንልቢ’ውን ከጥቅዓ ልዑል ተኽእሎ ከምዘሎ’ዮም ኣመሪካውያን ተመራመርቲ ዘነጽሩ። ድሕሪ ሕርቃን ኣብ ዘለዋ ክልተ ሰዓታት፡ ሓደ ሰብ ግዳይ ብድኻም ልቢ ክጥቃዕ ዘሎ ተኽእሎ ...

ኣህጉር ኤስያ እታ ብዓይነትን ብዝሕን ዝበለጻ ወደባት እትውንን ክፍለ ዓለም’ያ። ብፍላይ ሃገረ ቻይና ሸውዓተ ካብተን ዝዓበየ ወደባት ዓለም ኣብ ሕቑፎኣ ሒዛ ትርከብ። ዓለማዊ ሳታስቲክስ ወደባት ብዝሃቦ ደረጃ እታ ዝዓበየ ወደብ ዝብል ክብሪ ሒዙ ዝርክብ ወደብ ሻንጋይ’ያ። ወደብ ሻንጋይ ነዚ ክብሪ’ዚ ንምብቓዕ ካብ ዘኽኣሎ ቀንዲ ረቛሒ ሓያለ ናይ ስራሕ ዕድላት ዝፈጥር ትካል ብምዃኑ’ዩ። ወደብ ሻንጋይ ኣብ ቻይና ካብ ዝርከቡ ዝለዓሉ ናይ ...

– እቲ ዝበለጸ ግዚኡ ምሳኻ የሕልፎ። – ሽግርካን ሓጎስካን ብማዕረ ይካፈል። – ንጥቕሚ ክልቲኻ ኣመዛዚኑ ይጉዓዝ። – ወትሩ ጉድለታትካ ክእርም ይጽዕር። – ንምስጢርካ ኣብ ናይ ልቡ ባንክ የቐምጥ። – ንነዊሕ እንዳጠመተ መደባት ብምስራዕ ኣጣምትኡ የስፍሕ። – ምእንቲ ዕርክነት ብዙሕ መስዋእቲ ይኸፍል። – ዕላማኻ ከተተግብር ኣብ ትብገሰሉ እዋን ዝኽእሎዘበል ሓገዝ የበርክት። -ወትሪ ደጋፊ ህይወትካ ይኸውን። ...

ኣብ ግዜ ምሸት ንሰማይ ኣንቃሪርና እንተጠሚትና ክሳብ 2 ሽሕ ዝዀኑ ከዋኽብቲ ብዓይንና ክንርኢ ንኽእል። ኣብ ሰማያት ምድሪ ብዓይኒ ክርኣዩ ዝኽእሉ ካብ 5 ሽሕ ክሳብ 6 ሽሕ ዝብዝሖም ከዋኽብቲ ኣለዉ። ‘ተለስኮፕ’ ዝተባህለ ኣብ ርሑቕ ንዘለዉ ነገራት ኣቕሪቡ ዘርኢ መሳርሒ እንተተጠቒምና ግን ሚልዮናት ከዋኽብቲ ክንርኢ ንኽእል። ኮኾብ ኣዝዩ ገዚፍ ናይ ኩዑሶ ቅርጺ ዘለዎ ኰይኑ፡ ኣብ ህዋ ካብን ናብን ይወናጨፍ። ኩሎም ከዋኽብቲ ብውዑያት ...

1. ካብ ጉይይ ምውዓል…            A. ጸላእቲ የባርሩ 2. በትሪ ሓቅስ…                      B. ለባም ዘይነቕሎ 3. ሃበኒ…                               C. ንጓዕማማት 4. ካብ ሳዕ በሎ….                    D. ...

ዝበዝሓ ዘመናውያን ሞባይላት ብምኽንያት ፈነወ ሓበሬታ ኣስታት 900 ሜጋ ሀርዝ ዝበጽሕ ተጓዳኢ ጸርጊ ስለ ዝፍንዋ ኣብ ትርኣስና ምቕማጥ ነወግድ። እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ዓቐን ጸርጊ ንሓንጎልና ከዕንዎ ይኽእል’ዩ። እንተዘይኮይኑ ድማ ብርቱዕ ሕማም ርእስን ቃንዛ ጭዋዳታትን ከስዕበልና ይኽእል’ዩ። ድሓር ካብ ምጥዓስ ኣቐዲምክ ምጥንቃቕ ዝመስልዎ ነገር የለን። ...

ሓደ ቻይናዊ፡ ሓንቲ ናይ ቀዳማይ ደርቢ (first class) ናይ ጉዕዞ ትኬት ብምግዛእ፡ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ኣብ ቤት መግቢ ናይ መዓርፎ ነፈርቲ ኣታሊሉ ድሕሪ ምምጋቡ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ከምእተታሕዘ፡ ፎክስኒውስ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። እቲ ዛንታ ከምዚ እዩ። ወዮ ቻይናዊ ካብ መንገዲ ኣየር ምብራቓዊ ቻይና ናይ ቀዳማይ ደርቢ ናይ ጉዕዙ ትኬት ይገዝእ። ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ትኬቱ ንስታፍ ላውንጅ ብምርኣይ ከም ዝኾነ ካልእ ...

ከይትመወት ዘይኮነንካስ ምንባር ዘይጀመርካ ከይትኸውን’ዩ ዝያዳ ከሻቕለካ ዝግባእ። – ዓለም ክቕይር ዝኽእል ዝዓበየ መሳርሒ ትምህርቲ’ዩ። – ብዘይብልካ ነገር ምጭናቕ ንዘለካ ምጥፋእ’ዩ። – እቲ ዝሓየለ ሰብ እቲ ንበይኑ ደው ክብል ዝኽእል’ዩ።   ...

– ናብ ምድሪ ናብ ዝቐረበት ኮኾብ ንምብጻሕ (ብዘመናዊ መሳርሒ ተሓጊዝካ) ልዕሊ 70,000 ዓመታት የድሊ። – ናይ ዓለምና ዝበለጸ ፈላስፋ ምዃኑ ዝንገረሉ ኣልበርት ኣንስታይን ምሉእ ሂወቱ ካልሲ ወድዩ ኣይፈልጥን። – ስገን ክብደት ናይ ኣዒንታ ካብ ክብደት ናይ ኣእምሮኣ ይበልጽ። – ሓደ ሰብ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ምሉእ ሂወቱ 1,460 ግዜ ይሓልም። – ኣብ ሃገረ ካናዳ ኣብ መላእ ሰሙን እታ ዝበለጸት ናይ ስራሕ ...

ልዕሊ 50 ዓመት ንዝረገጹ ሰባት ናይ ሽምግልና ድኻም እናኸበደ ከይመጸ ብኣጋ ፈኲስ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምክያድ ንጥዕና ኣዝዩ ክጠቅም ከምዝኽእል ሓደስቲ መጽናዕትታት ከም ኣረዲኦም። ዕድመ እናወሰኸ ክኸይድ እንከሎ ዝረአ ምምንማን ቀይሕ ጭዋዳ፡ ቃንዛ መገጣጠሚ ኣዕጽምትን ካብ ሕማም ቀልጢፍካ ዘይምሕዋይን ብቐሊል ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክዕገት ከም ዝከኣል ጸብጻባት ይሕብሩ። ብመሰረት ዝርከቡ ዘለዉ ናይ መጽናዕቲ ውጽኢታት ወዲ 90 ዓመት’ውን ስፖርት ብምክያድ ጭዋዳ ክውስኽን ቅርጺ ...