እዚ ኣብ ትሕቲ ደቡባዊ ሰላማዊ ውቅያኖስ ዝርከብ መዘናግዒ ቦታ’ዚ ብሓፈሻ 86 ኣብ ልዕሊ ማይ ዝተሰርሑ ቪላታት፡ 16 ካብ ባሕሪ ዝተፈልዩ ጨዋም መሐንበሲ ቀላያት፡ 20 ብዕምባባ ዘጌጹ ኣብ ሕቑፊ ጎቦ ዝተሃንጹ ቪላታት፡ 2 ኣብያተ መግብን ዘጠቓለለ ሰፊሕ መዘናግዒ’ዩ። ሂልተን ቦራቦራ ናይ ገዛእ ርእሱ ፍሉይ ኣቀማምጣ’ዩ ዘለዎ። ብድሕሪ’ቲ ሞቱ ቱፑዋ ዝተባህለ እሳተጎመራዊ ጎቦታት ስለዝርከብ እቲ ኣብ ወሰናስኑ ዝርከብ ጻዕዳ ሑጻ ብጸለምቲ ኣእማን ...

ጌቱርን ኣብ ኔዘርላንድ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ’ያ። እዛ ከተማ ጽርግያ ዝበሃል የብላን። ብማይ ዝተኸበበት ስለዝኾነት። ስለ’ዚ ድማ ነበርታ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ (ኣብ ውሽጢ’ታ ዓዲ) ክንቀሳቐሱ ጎደና ዘይብላ ዓዲ እንተኾይኖም ብጃልባ’ዮም ዝጥቀሙ። ነፍሲ-ወከፍ ስድራ ናይ’ታ ዓዲ ኣብ ናይ ውልቃ ደሴት’ያ ትነብር እንተተባህለ’ውን ዝተጋነነ ኣይኮነን። ጽቡቕ ጌርኩም ከተስተማቕርዋ ነዚ ዝስዕብ ቪድዮ ተኸተሉ ! ...

1. እኹል ማይ ንስተ፡- ቅድሚ መግቢ 2 ኩባያ ማይ ምስ እንሰቲ መጠን ናብ ኣካላትና ዝምጸ ካሎሪ ብ15% ብምንካይ ቆርበትና ጥዕናኡ ዝሓለወ ስጡም ይኸውን። 2. ድቃስ ኣይነሕጽር፡- እኹል ድቃስ ምስ እንድቅስ ጽቡቕ ንኽስማዓና ሓጋዚ’ዩ። ምኽንያቱ ንስርዓተ ምክልኻል ሕማማት ዘገድሱ ቀመማት ኣብ እዋን ድቃስ’ዮም ዝነዝዑ። 3. ምንቅስቓስ ነዘውትር፡- ን30 ደቓይቕ ዝኣክል ብእግርና ምስ እንኸይድ ካብ 200- 250 ዝበጽሕ ካሎሪ ከነቃጽል ንኽእል። 4. ...

እቲ ናይ ዘመናት ሊቕ ኣልበርት ኣንስታይን፡ ብዛዕባ’ቲ ዝያዳ ዝና ዝደርዓሉ ክልሰ ሓሳብ ተዛማድነት፡ ፈቐዶ ዩኒቨርሲታት እናኸደ ኣስተምህሮ ኣብ ዝህበሉ ዝነበረ እዋን ዝተፈጸመ ሓደ ዛንታ ኣሎ። ሓደ መዓልቲ ከም ልማዶም ናብ ሓደ ዩኒቨርሲቲ እናተጓዕዙ፡ ኣውቲስታኡ ከምዚ ክብል ሓተቶ፡ “ዶክተር ኣንስታይን፡ ነዚ ሕጂ ከተቕርቦ መዲብካዮ ዘለኻ ኣስተምህሮ ልዕሊ ሰላሳ ግዜ ሰሚዐዮ ኣለኹ። ብምልኡ ድማ ኣብ ልበይ ሒዘዮ ኣለኹ። ስለዚ ንሎሚ ባዕለይ እንተኣቕረብኩዎ ...

1. ንግሆ ተሲእና ፈጣሪ ዝፈትዎን ነብስና ዝዓግበሉን ስራሕ ምስራሕ፡ ምኽንያቱ ትፈትዎ ስራሕ ምስራሕ ዝያዳ ሓይሊ ሂቡ ሕጉስ ይገብረካ፡ 2. ምስ ካልኦት እወታዊ ዝኾነ ስሚዒታት ምልውዋጥ፡ ንኸባቢና ብጽቡቕ እምበር ብኣሉታ ዘይምጥማት፡ ጽቡቕ ክጋጥም እምበር ሕማቕ ከጋጥም እዩ ኢልና ቅድሚ ዝኣገረ ነብስና ዘይምርባሽን ጽቡቕ ናይ ምምናይ መንፈስ ምሕዳርን፡ 3. ኣብ ሂወትና ዕላማ ምህላውን ነዚ ዕላማ ንምብጻሕ ክንሰርሕን እዚ ሓጎስ ክዘርኣልና እዩ፡ ምኽንያቱ ...

– ንሓደስቲ ሓሳባትን ትዕዝብትንኣእምሮኡ ዝኸፍት – ኣእምርኡ ወትሩ ነጻን ዘመዛዝንንይኸውን – ንእትደልዮ ነገር መዓስን ኣበይንሓበሬታ ከምዝርከብ ኣቐዲምካ ምፍላጥ – ሕቶታት ካብ ምሕታት ዘይቁጠብ – ንውሳኔታት ብጭብጢ ተሰኒዩ ዝፈርድ – ኣብ መንጎ ነገራት ዘሎ ርክብ ብምስትውዓል ዝከታተል – ኣብ ሞንጎ ሓቂ ክኸውን ዝኽእል ነገርን ሓቐኛ ዝኾነ ነገርን ንዘሎ ፍልልይ ብግቡእ ዝፈልጥ – ንክውንነት ካብ ሓሳባትን ርእይቶታትን ፈልዩ ዘለሊ – ንጌጋታቱ ብምኽንያት ...

ሄሮግሎፊክስ ጥንታውያን ተቐማጦ ግብጺ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ኣገባብ ጽሕፈት’ዩ። ካብ ግሪኻዊ ቋንቋ ዝተወስደን ‘ንሃይማኖት ዝውክል ቅርጻዊ ስርሓት’ ዝብል ትርጉም ዘለዎን ሄሮግሎፊክስ፡ ካብ ዕንጨይቲ ብዝተቐርጹ ዝተፈላለዩ ምስልታትን ቅርጽታት ዝተዋደደ’ዩ። ጥንታዊ ኣገባብ ጽሕፈት ሄሮግሎፊክስ እቲ ዝገደመ ናይ መጀመርያ ኣገባብ ጽሕፈት ከምዝኾነ ታሪኽ ይሕብር። ኣብ 3320 ቅ.ል.ክ ዝተኣታተወ ሄሮግሎፊክስ ንልዕሊ 3,500 ዓመታት ኣብ ኣገልግሎት ከም ዝወዓለ ይንገር። ንዝተፈላለዩ ነገራትን ሓሳባትን ንምግላጽ ብዘኽእሉ ምስልታት ዝውከል ...

ሕማም ሉከየሚያ ሓደ ካብ ዓይነታት ሕማም መንሽሮ’ዩ። እዚ ዓይነት ሕማም መንሽሮ ንዋህዮታት ደም ብሓፈሻ ነቶም ተሰከምቲ ኦክስጅን ዝኾኑ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ድማ ብፍላይ ዘጥቅዕ ሕማም’ዩ። ብተወሳኺ እውን ንጸዓዱ ዋህዮታት ደምን ደም ኣብ ምርጋእ ዝጠቕሙና ፕላተሌታት ዘጥቅዕ ብምዃኑ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ቀታሊ ሕማም’ዩ። ብመሰረት መጽናዕቲ ማሕበር ሕሙማን ካንሰር ኣሜሪካ ሕማም ሉኪየሚያ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ እቲ ሻድሻይ ጠንቂ ሞት ክኸውን ከሎ ብመንጽር ...

ብራዚል- ልዕሊ 500,000 ሄክታር ካብ ጠቕላላ ስፍሓት እታ ሃገር ብጫካታት ዝተሓዝአ’ዩ። ካናዳ- 320,000 ሄክታር ኣሜሪካ- 300,000 ሄክታር ቻይና- 200,000 ሄክታር ኣውስትራልያ- 185,000ሄክታር ዲ.ሪ.ኮንጎ- 135,000 ሄክታር ኢንዶኔዥያ- 90,000 ሄክታር ፔሩ- 70,000 ሄክታር ህንዲ- 68,000 ሄክታር ሱዳን- 65,000 ሄክታር ...

ሓደ ካብቶም ናይዛ እንነብረላ ዓለም ዓበይቲ ተኣምረ-ሚስጢራት ኮይኖም ዝግለጹ ነገራት እቲ ኣብ ሰሜን ሳልስበሪ (ደቡባዊ ምዕራብ እንግሊዝ) ዝርከብ ብዓበይቲ ኣእማን ዝተነድቀ ቅርሲ ኢዩ። እዞም ብልዑል ብልሓትን ረቂቕ ጥበብን ዝተነድቁ ኣእማን ነቲ “ስቶንሄጅ” ብዝብል ስያመ ዝጽዋዕ ሓደ ካብ ጥንታውያን ቅርስታት ዓለምና ኣቚሞም ይርከቡ። ስቶንሄጅ ማለት ዝተንጠልጠሉ ወይ ዝተሓናገሩ ኣእዋም ማለት ኢዩ። ነዚ ጥንታዊ ቅርሲ ንምዕዛብ ዓመታዊ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ በጻሕቲ ናብቲ ቦታ ...