ነጐዳ ኩሉ ግዜ ንበርቂ ተኸቲሉ’ዩ ዝስዕብ። እዚ ድማ ብርሃን ካብ ድምጺ ስለዝቕልጥፍ’ዩ። መጀመርታ በርቂ ንርኢ ጽኒሕና ከኣ ድምጺ ነጐዳ ንሰምዕ ማለት’ዩ። ነጐዳ ብሰንኪ ምብታን(ፋሕ ምባል) ናይቲ ኣብ ከባቢ በርቂ ዝርከብ ኣየር’ዩ ዘጋጥም። በርቂ ኣብ ደመና ደኣ ይፈጠር’ምበር ናብ መሬት’ዩ ዝወቅዕ። ካብ መሬት ድማ በታ ቀዳመይቲ መንገዲ ናብ ደመና ይምለስ። ካብ በርቂ ዝፍጠር ዋዒ ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዝጸንሖ ኣየር የውዕዮ። ክሳብ ...

 እዚ ምስላ፡ ሰብ ዝገበሮ ተሓቢኡ ከምዘይሕባእ’ዩ ዝነግረና። ዋላ’ቲ ምስጢር ዝበሃል’ውን እንተዀነ ግዜኡ ሓልዩ ምቅላዑ ከምዘይተርፎ ከኣ ይሕብረና። ኣስተውዒልናሉ እንተዀይንና መብዛሕትኡ ግዜ ሰብ ኣይርኣየናን ኢሎም ገበናት ስርቂ፡ ቅትለት … ዝፍጽሙ ገበነኛታት፡ ይንዋሕ ይሕጸር ክርከቡ ኢና ንርኢ። ...

 ትርጉም ናይዚ ምስላ ብቐጻሊ ተጸባይን ጽግዕተኛን ኰይኑ ክነብር ዝመርጽ ሰብ ኣብ መወዳእታ ገለ ነገር ከየፍረየ ከም ሳእኒ ከም ዝድርበ’ዩ ዘረድኣና። ካብ ሰብ ሓገዝ ክትሓትት ግቡእ’ኳ እንተዀነ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ሰብ ተጸጊዕካ ነብስኻ ከይከኣልካ ክትነብር ግን ጽቡቕ ኣይኰነን። ኣብ ቤት ትምህርቲ ንኣብነት ኣብ መማህርትኻ ተጸጊዕካ ወይ ኩሉ ግዜ እናተሓገዝካ ክትሓልፍ ክትሓስብ የብልካን። ሰብ መንገዲ ጥራይ እዩ ከርእየካ ዝኽእል’ምበር ክመርሓካ ኣይነብርን’ዩ። ስለዚ ...

• ሽሕ ቃላት ካብ ምንባብ ሓንቲ ቃል ኣንቢብካ ምትግባር ይበልጽ። • ፍቕሪ ከም ሞት ሓያል’ያ፡ ቅንኢ ከኣ ከም መቓብር ግናይ’ያ። • ዓይንኻ እንተዘይርኢኻሉ ግንባርካ’ዩ። • እታ ሕማቕ መዓልቲ፡ እታ ሕማቕ ዝሓሰብካላ ዕለት’ያ። • ሕማቕ ዓያያይ ወትሩ ንመሳርሒ ኣቕሑ ይኸስስ። • ቅኑዕ ተግባር ባዕሉ ይዛረብ። • ለባም ሰብ ካብ ዝረኽቦም ዕድላት ዝፈጥሮም ዕድላት ይበዝሕ። ...

1. ንህልው ናብራኻ መታን ከይዘርገልካ፡ ምስ ሕሉፍ ሂወትካ ዕርቂ ግበር። 2. ካልኦት ሰባት ብዛዕባኻ ዝሓስቡዎ ንዓኻ ኣይንታይካን’ዩ። 3. ግዜ ዳርጋ ንኹሉ ነገር’ዩ ዝፍውስ፡ ስለዚ ንግዜ ቁሩብ ግዜ ሃቦ። 4. ናይ ሓጎስካ ምንጪ ባዕልኻ እንተዘይኴንካ ማንም ሰብ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። 5. ንሂወትካ ምስ ካልኦት ኣይተነጻጽሮ፡ ናታቶም ጉዕዞ ሂወት እንታይ ከምዝመስል ክትፈልጦ ስለ ዘይትኽእል። 6. ምሒር ምሕሳብ ኣቋርጽ፡ ናይ ኩሉ መልሲ ክትፈልጥ ግድነት ...

ዓቐን – 1 ደርሆ ከምቲ ግቡእ ዝተቘራረጸ – 1/2 ኺሎ ሰላጣ – 5 ዝበሰለ እንቋቚሖ – 1/2 ኺሎ ድንሽ ዝበሰለ – 2 ካሮት ተቐሪፉ ዝበሰለ – ማይኖዝ ከም ኣድላይነቱ ኣገባብ ነቲ ደርሆ ኣጸቢቕና ሓጺብና ኣብ ጨውን ማይን ኣእቲና ኣጸቢቕና ነብስሎ፣ ምስ በሰለ። ነቲ ስጋ ካብ ኣዕጽምቱ ፈሊና ኣድቂቕና ንመትሮ፣ ነቲ ድንሽ ከኣ ቀሪፍና ንቑመት ማእከላይ ጌርና ንመትሮ፣ ነቲ ካሮቲ ኣቕጢንና ...

ውድብ ጥዕና ዓለም ሰባት ኣብ መዓልታዊ ኣመጋግባኦም ዝወስድዎ መጠን ሽኮር ብፍርቂ ክጎድል ጸዊዑ። እቲ ውድብ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ ሰባት መዓልታዊ ካብ ዘድልዮም ካሎሪ ካብ ሽኮር 10 ሚእታዊት ጥራይ ክኸውን ከምዝግባእ’ዩ ዝገልጽ። ኣብ ኣመጋግባኦም ብብዝሒ ሽኮር ዘህልኹ ሰባት ንሓያሎ ሕማማት ይቃልዑ ብምህላዎም፡ ክንክይሉ እንተኽኢሎም፡ ዝያዳ ጥዕናዊ ረብሓ ከምዝህልዎም እቲ ውድብ ይመክር። እንተኾነ ክንክይዎ ዝግባእ ሽኮር ጥራይ ዘይኮነ ካብ መዓርን ዝተፈላለዩ ፍረታትን ...

– ነገር ንመሃዚኡ፣ ተመን ንተሓዚኡ፣ እሾኽ ድማ ንዘራኢኡ። – ሓቕን ወጋሕታን እንጸንሐ ይገሃድ። – ትክን ጸልእን ንኹሉ ይልክም። – ስሱዕ ብሕልሚ ክበልዕ እንተሓዲሩ፣ ብቐትሪ የንባሁቕ። – ኣህባይ እንተትኣከቡ፣ ጥቃ ነብሪ ነይቀርቡ። – ፈኸራ ሸሮስ፣ ጣይታ ካብ መጎጎ ክሳብ ዝወጽእ። – ሞታ ዝቐረበ ኣንጭዋ ኣፍንጫ ድሙ ትልሕስ። – ዘእተወስ ይፈትሓኪ ወይለኡ ድኣ ዝወለደኪ። – ካብ ጽባሕ ደርሆ ናይ ሎሚ እንቋቕሖ ምዃን ...

• ህጻናት ደቂ ኣንስትዮ ካብ ህጻናይ ደቂተባዕትዮ ዝያዳ ይስሕቓ። • 40 ዲግሪ ሰንቲግረይድ ምስ 40 ዲግሪ ፈረነሀይት ማዕረ’ዩ። • ማእከላይ ክብደት ሓንጎል ደቂ ተባዕትዮ 3.2 ኪሎ ይምዘን። ናይ ደቂ ኣንስትዮ ከኣ 2.1 ኪሎ ይበጽሕ። • ሓደ ሊትሮ ማይን ሓደ ኪሎ ማይን ሚዛኖም ማዕረ’ዩ። • ምስ ምሉእ ክፍሊ ኣካሉ ብምውድዳር ዝገዘፈ ርእሲ ዘለዎ እንስሳ ጻጸ’ዩ። • ካት ፊሽ ዝተባህለ ዓይነት ዓሳ፣ ...

ኣመሪካውያን ተመራመርቲ ኣብ ሰባት መርመራ ደም ብምግባር ጥራይ ሕማም ረሲዕ ከለልይዎ ከምዝኸኣሉ ቢቢሲ ንመጽሄት ኔቸር መዲስን ብምጥቃስ ሓቢሩ። ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ እቶም ተመራመርቲ ኣብ ደም ዝርከቡ 10 ስብሓዊ ንጥረ ነገር ብምምርማር፡ ሓደ ሰብ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ብሕማም ረሲዕ ክጥቃዕ ዝኽእልን ዘይክእልን ምዃኑ ክፈልጥዎ ይኽእሉ። ውጽኢት ናይቲ ሓድሽ ኣገባብ መርመራ 90 ሚእታዊት ቅኑዕ ምዃኑ’ውን ተገሊጹ’ሎ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም ብሕማም ረሲዕ ...