ኣብ 1923 ካብ ዝተረኽቡ ብርክት  ዝበሉ ተወዳደርቲ ቅድድም ኣፍራስ ኣብ ዝተኻየደ ስፖርታዊ ንጥፈታት ዘጋጠመ ፍጻመ እዩ። ሓደ ካብዞም ነቲ ውድድር ተዓዊቱ ስሙን ክለቡን ንምጽዋዕ ዝተበገሰ ተወዳዳሪ ድማ ፍራንክ ሃይስ ነበረ። ንሱ፡ ዋላ እኳ ቅድሚ ናብቲ ውድድር ምእታዉ ትሑት ምልክታት ህርመትልቢ ተሰሚዕዎ እንተነበረ፡ ደሓን ከምዘሎእዩ ንነብሱ ከእምና ፈቲኑ።ኣብ መወዳደሪ መስመር ዝተቐረበፍራንክ፡ ከም ሰቡ ፈረሱ ተወጢሑ እናኣጋለበ እዩ ተበጊሱ። እንተኾነ፡ንሒደት ኪሎ ሜተራት ...

ሰብኣይን ሰበይትን ለይቲ ደቂሶም እንከለዉ፡ ቻርጅ ትገብር ዝነበረት ሞባይል ተሌፎን ናይ በዓልቲ ቤቱ ድምጺ ገበረት’ሞ፡ በዓል ቤታ መልእኽቲ እዩ ተሰዲዱ ኢሉ ስለዝሓሰበ፡ ነጢሩ ካብ ዓራቱ ተሲኡ ኣልዓላ። ነቲ ኣብኡ ተጻሒፉ ዝነበረ ምስ ኣንበበ ብሕርቃን ንበዓልቲ ቤቱ ነቕኒቑ ካብ ድቃሳ ብምትንሳእ፡ “ስምዒ እስከ ንስኺ፡ እንታዋይ’ዩ ለይቲ ምድሪ “ቢቲፉል” (beautiful) ኢሉ መልእኽቲ ዝስደልኪ?” በላ’ሞ፡ ንሳ ድማ ካብቲ ዓራት ብምትንሳእ ምንጥል ኣቢላ ነቲ ...

ሓደ ሰብ ኣብ ምሉእ ዕምሩ ሒቕታ ከይሓዞ ወይ ሒቕ ከይበለ ዝሓልፍ የለን። ሒቕታ ሓንሳብ ወይ ድማ ብድግምጋም መልክዕ የጥቅዕ። ይኹን’ምበር ብርተዐን ፍልልይ ግዜን ተመሳሳሊ እዩ። ብሓፈሻዊ መግለጺ ግን ንሓጺር ግዜ ዝጸንሕ ድግምጋም ሒቕታ ብዘይ ዝዀነ ምትእትታው ባዕሉ’ዩ ዝገድፍ። ግን ሓደ ሰብ ብሕዱር ሒቕታ ይሽገር እንተሎ፡ ግድን ሕክምናዊ ተፍትሽ ስለዘድልዮ ሕብረሰብ ክነቕሓሉ ይግባእ። ጠንቅታት፦ ሒቕታ ሃንደበታዊ ምጭባጥ ጭዋዳ ድያፍራም ኰይኑ፡ ድያፍራም ...

ብቐንዱ ብስለት ውጽኢት ንቕሓትን ሰፊሕ መረዳእታን እዩ። ኣብ ህይወት ዘለካ ኣጠማምታ ኣብ ግብራዊ ተመክሮን ሓቅን ዝተመርኰሰ ምስ ዝኸውን፡ ካብ ዘይርትዓዊ ኣተሓሳስባ፡ እምነት፡ ቅድመ ፍርድን ስምዒትን ሓራ ምስ እትኸውን ብሱል ኣመለኻኽታ ክህልወካ ይኽእል። ብሱል ሰብ ንኽትበሃል ናይ ግድን ዕድመ ዝበላዕካ ክትከውን ኣለካ ማለት ኣይኰነን። ብስለት ናይ ብዙሕ ረቛሒታት ድምር እዩ። ዕድመ፡ ንቕሓት፡ ብልሒ፡ ናይ ምውሳን ዓቕሚ ካልኦት ረቛሒታት ተደሚሮም’ዮም ብሱል ሰብ ...

እዚ ሕቶ’ዚ ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ሰባት ይመላለስ’ዩ። ብፍላይ ተኣፈፍትን ኣገደስትን ስራሕን ቆጸራታትን ክርስዑ ከለው፡ ንምንታይ እየ ወይ ስለምንታይ እየ ዝርስዕ ዘለኹ? ዝብል ሕቶ ክመጽእ ግድን’ዩ። ናይ ኣዚኻ እትቐርቦ ሰብ ስም ክትርስዕ እንከለኻ ብሕፍረት ዘድንን’ዩ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ቺካጎ ዝርከቡ ተመራመርቲ፡ ኣብ ቀትሪ ምስ ብርቱዕን ኣድካምን ስራሕ ዝተረስዐ ነገራት፡ ሓንጐል ለይቲ ልዋም ድቃስ እንተጸጊቡ፡ እቲ ተረሲዑ ዝነበረ በርሃው ኢሉ ከምዝዝከር ኣረጋጊጾም ኣለው። ...

ዘይቲ ኣውሊዕ ተኽእሎ መልከፍቲ ሕማም መንሽሮ ጡብ ከምዘጕድል ተመራመርቲ ገሊጾም። ብመሰረት’ቲ ኣብ ስጳኛ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ኣብ ኣመጋግባአን ተወሳኺ ዘይቲ ኣውሊዕ ዘዘውተራ ኣደታት፡ በቲ ሕማም ክጥቅዓ ዘለወን ዕድል ዝወሓደ ኰይነን ከምዝተረኽባ እቶም ተመራመርቲ ኣረዲኦም። እቲ መጽናዕቲ ብገምጋም ካብ 60 ክሳብ 64 ዓመት ኣብ ዝዕድሜአን 282 ዝቚጽረን ክልተ ጕጅለ ደቂኣንስትዮ’ዩ ተኻይዱ። እተን ኣደታት ኣብ ኣመጋግባአን ፍሩታታት፡ ዳዶን ኣሕምልቲን ብብዝሒ፣ ከም ዓሳ፡ ስጋን ...

ክላሲክ መካኒክስ ካብቶም ዓበይቲ ኣዕኑድ ዓውዲ ፊዚክስ “መካኒክስ” እዩ፣ መካኒክስ ንኣምር ምንቅስቓስ ነገራት ይገልጽ፣ እቶም ናይ ክላሲካል መካኒክስ መሰረታውያን ሕጊታት። ሕጊታት ምንቅስቓስ ኒውቶን እዮም፣ ሰለስተ ህቡባት ሕጊታት ኒውቶን። ንጽልዋ ሓደ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ተንቀሳቓሲ ኣካል ይገልጹ፣ ብተወሳኺ ንሚዛን ናይቲ ጽልዋ ምስ ምልውዋጥ ፍጥነት ናይቲ ኣካል የዛምዱ፣ ሰር ኣይዛክ ኒውቶን ነዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ሕጊታት’ዩ ኣቝሙ፥ – ኣብ ዕረፍቲ ዝርከብ ግዛዕ። ኣብ ...

ሓንጐል፡ ኣገዳሲ ኣካል ከም ምዃኑ መጠን ጥዑይን ንጡፍን ክኸውን ኢና ንምነ። ገለ ካብ’ቶም ንሓንጐልና ጎዳእቲ እንብሎም ልምድታት ድማ፦- ቁርሲ ምሕሳም፡- ንግሆ ቁርሲ ዘይተዘውትር እንተዄንካ፡ ሓንጐልካ ብመንገዲ ህዋሳት ደምካ ክረኽቦ ዝኽእል መጠን ሽኮር ይውሕድ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ንጥፈት ሓንጐልካ ይንኪ። እኹል ድቃስ ዘይምርካብ፦  ኣእምሮና ካብ ጭንቀትን ድኻምን ናጻ ክኸውን ዝገብሮ ድቃስ’ዩ። ኣብ መዓልቲ፡ እቲ ከተዕርፈሉ/ ክትድቅሰሉ ዝግበኣካ ግዜ ከይደቀስካ ተሕልፎ እንተዄንካ፡ ...

ቫይታሚን ቢ12 ካብ መግቢ እንረኽቦ ፎሊክ ኣሲድ ናብ ዝደቐቐ ደረጃኡ ኣብ ምቕያር ዝለዓለን ቍልፊ ተራን ዝጻወት ሓደ ካብ ጽማረ ቫይታሚን ቢ እዩ። ብጀካ’ዚ ምስ ካልኦት ቀመማት ብሓባር ስብሕን ኣሚኖ ኣሲድን ናብ ዝደቐቐ ደረጃኦም ክቐየሩን ድልዱል መጠረዚ ጽሕጐ መትንታት ክህሉን ዝለዓለ ጥቕሚ ይህብ። መዓልታዊ ዓቐን፥ ሓደ በጽሒ መዓልታዊ 2.4 ማይክሮግራም ክወስድ ይግባእ። ምንጪ፥ ስጋ፡ እንቋቁሖ፡ ዓሳ፡ ጸባን  ውጺኢት ጸባን፡ ጥረታትን ጕድለት፥ ...

ሓደ ሰብ ብዘይ መግቢ ንሳምንቲ፡ ብዘይ ማይ ግን ምናልባሽ ንገለ መዓልታት ክጸንሕ ይኽእል ይኸውን። ምኽንያቱ ማይ ሂወት’ዩ! ማይ ምንባር ማለት’ዩ! እዛ እንነብረላ ፕላኔት እንተዀነት እውን ዝበዝሐ ክፋል ብማይ ዝቘመት’ያ። ስለዚ፡ ማይ እንተሎ ሂወት ኣሎ፣ ማይ እንተዘየለ ድማ ቀጻልነት ሂወትን ወለዶን የለን ማለት እዩ። ኵሉ ሂወት ዘለዎ ፍጡር ዝበዝሕ ክፋሉ ብማይ ዝቘመ እዩ። ሓፈሻዊ ሚዛን ሰብነት ሓደ ሰብ ክረአ ከሎ፡ ሓደ ...