ሕማም ምንፍርፋር ብልምዳዊ ኣጸዋውዓ “ሕማም ባርያ” ሓደ ካብ ሕዱር ሕማማት’ዩ። ሕዱር ሕማም ምንፍርፋር (epilepsy) ካብ ሰብ ናብ ሰብ ኣይመሓላለፍን’ዩ። ቀንዲ መለለዪ ናይዚ ሕማም’ዚ፡ ዘይወለንታዊ ምንቅስቓስ ምሉእ ኣካላት ወይ ዝተወሰነ ክፋል ኣካላት ክኸውን ከሎ፡ ምጥፋእ ውኖ፡ ምልዛይ፡ ረሸሽታ፡ ምፍዛዝ፡ ዘይምቁጽጻር ሽንትን ካልእን ከኣ ስዒቦም ክርኣዩ ካብ ዝ ኽ እ ሉ ምልክታት’ዮም። ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ሓደ ሰብ፡ መቕርብካ ይኹን ጓና ሃንደበት ከንፈርፍር ...

– ቅድምን ልዕልን ኩሉ ግዜ ንነብስኻ ምሰል። ንነብሱ ዘይመስል እቲ ንነብሱ ዘይፈቱዩ’ሞ፣ ባዕልኻ ዘይፈተኻያ ነብስኻ ብካልኦት ክትፍቶ ዕሽነት’ዩ። – ናይ ምብህሃል ክእለትካ ኣማዕብል። ሓሳባትካን ስምዒታትካን ብግቡእ ግለጽ። ካልኦት ከምኡ ንኽገብሩ ድማ ኣተባብዕ። – ዕርክነት ብሓደ ግዜ ጥፍጥፍ ኣቢልካ ዝስራሕ ዘይኮነስ ግዜ፣ ጻዕሪን ኣዕሩኽ ከተጥሪ ትደሊ’ዶ ? ግሉጽነት ዝሓትት ዓይነት ዝምድና’ዩ። ስለዚ ንዝተላለኻዮም ሰባት ክትፈልጦምን ክፈልጡኻን ጻዕርታት ኣካይድ። – ዕርክነት ኣብ ...

ሽልማት ኖበል ዓመታዊ ኣብ ዓውዲ ፊዚክስ፡ ኬሚስትሪ (ስነ ቀመም)። ስነ ሕክምና። ስነ ጽሑፍ። ቁጠባዊ ስነፍልጠት ከምኡ ድማ ኣብ መዳይ ኣህጉራዊ ሰላም ዓቢ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ትካላን ዉልቀሰባትን ዝወሃብ ናይ ገንዘብ ሽልማት ኢዩ። እዚ ብ ሸ ወ ደ ና ዊ መሃዝን ወናኒ ብርክት ዝበላ ኢንዱስትሪታትን ዝነበረ ኣልፍረድ ኖቤል ዝተመስረተ ሽልማት ኣብ 1901 ዝፈለመ ኮይኑ፣ ኣብ ዓለም ካብ ዝወሃቡ ዓለምለኻውያን ሽልማታት እቲ ዝኸበረን ...

ኮለስትሮል ስምዓዊ ዘይቲ ሓዘል ንኣካላት ዘድሊ ነገር’ዩ። እዚ ኣብ ኣካላትን ኣብ ዝተፈላለዩ መግብታትን ይርከብ። ኣካላት ከኣ ከከም ኣድላይነቱ ይጥቀመሉ። ልዑል መጠን ምስ ዝኸዉን፡ ኣብ ኣካላት ክእከብን ናብ ዝተፈላለዩ ሕማማት ደምን ስርዓተ ልብን ከኣ ከቃልዕ ይኽእል። ኣብ ኣካላት ክልተ ዓይነት ኮለስትሮል ይርከብ። ጽቡቕን ሕማቕን ከኣ ይበሃል። እቲ ጽቡቕ ዝበሃል ንኣካላት ጠቓሚ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ሕማቕ ከኣ ጎዳኢ’ዩ። ስለዚ መጠን ናይዚ ጎዳኢ ...

እቶም ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ኮሎጅ ለንደን፡ ካብ 2001 ክሳብ 2008 ኣብ ዝተኣከበ ብዛዕባ ጥዕና ህዝቢ ዝሕብር ዳታ’ዮም ትንተና ኣካዪዶም። እቶም ኣብ ኣመጋግባኦም ብብዝሒ ፍሩታታትን ኣሕምልቲን ዝምገቡ ዝነበሩ ዜጋታት ድማ፡ ዝለዓለ ዕምሪ ዘለዎም ኰይኖም ከምዝረኸብዎም ሓቢሮም። በዚ መሰረት ኣብ ሰሙን፡ ካብ ሓደ ክሳብ ሰለስተ ግዜ ፍሩታታትን ኣሕምልቲ ምምጋብ ንተኽእሎ ሞት ብ14%፣ ኣብ ሰሙን ካብ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ ግዜ ምምጋብ ብ29%፣ ካብ ሓሙሽተ ...

እኹል ድቃስ ዘይምርካብ ጠንቂ ሞት ዋህዮታት ሓንጎል ከምዝኸውን ኣመሪካውያን ተመራመርቲ ገሊጾም። ንሳቶም ከምዝሕብርዎ፡ ንዝተናወሐ እዋን ከይደቀስካ ምጽናሕ፡ ጠንቂ ሞት 25 ሚእታዊት ናይ ዋህዮታት ሓንጎል ክኸውን ይኽእል’ዩ። እቶም ተመራመርቲ ኣብ ኣናጹ ኣብ ዘካየድዎ መጽናዕቲ’ዮም ነዚ ኣረጋጊጾሞ። ኣብቲ መጽናዕቲ ካብ ዝተጠቕሙለን ኣናጹ እተን ምቹእ ባይታ ስኢነን እኹል ድቃስ ክረኽባ ዘይከኣላ ምስተን ካልኦት ብምንጽጻር ዝበዝሐ ሞት ዋህዮታት ሓንጎል ኣጋጢሙወን። ኣብተን ብብዝሒ ዋህዮታት ሓንጎል ...

• ካብ ዓሌት ኣዕዋፍ ዝዓበየት ሰገን ብኣዝዩ ልዑል ፍጥነት ክትጎዪ ትኽእል’ያ። ገዚፍ ነብሲ እትውንን ሰገን ማእከላይ ገምጋም ቅልጣፌኣ ካብ ፈረስ ዝዛየደ’ዩ። ብተወሳኺ ሰገን ካብ ኣንስተይቲ ኣንበሳ – ዋዕሮ ንላዕሊ ክትግዕር ትኽእል። • ካንጋሮ ጭራኣ ከም መሕለውታ ሚዛን ነብሳ’ያ ትጥቀመሉ። ናይዚ ኣብነት ድማ ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ጭራኣ ንላዕሊ እንተድኣ ትኽ ኢሉ ኣእጋራ ብቕልጡፍ ንላዕሊ ሓፍ ብምባል ይነጥር። • ኣናብር ኣብ ቆርበቶም ...

ልዕሊ 18 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኤውሮጳዊት ሃገር ሆላንድ ዝበዝሐ ናይ ብሽክለታ ኣገልግሎት እትህብ ሃገር’ያ። እዛ ብማያዊ ኣካል ዝተኸበት ሃገር ሰለስተ ርብዒ ካብ ህዝባ ብሽክለታ ከምዝጥቀም ይንገር። ኣብቲ ሃገር ዝርከብ መጠን ብሽክለታ ምስ መንጽር ህዝባ ክነጻጸር ከሎ ድማ ናይ ሓደ ሲሶ ሽፋን ይሕዝ። ብብዝሒ ብሽክለታ ኣብ ዓለም ቀዳማይ ስፍራ ዝሓዛ ሃገራት ህንድን ፓኪስታንን’ኳ እንተኾና ብመንጽር ህዝበንን ደረጃ ኣጠቓቕማን ካልእ መጓዓዝያታትን ክነጻጸር ...

እዚ ምስላ ሰብ ክመሃርን ንኽፈልጥ ክጽዕርን ከምዘለዎ’ዩ ዘዘኻኽረና። ትርጉሙ ድማ፡ ሰባት ንዝተወሰነ ግዜ ብዓቕሊ ተማሂሮም ነባሪ ፍልጠት ከይቀስሙ፡ ንምሉእ ዕድሚኦም መሃይም ኰይኖም ይንብሩ ማለት’ዩ። ብኻልእ ወገን ክርአ ከሎ ድማ ኣብ እዋኑ ዘይፈታሕካዮ ሽግር ንመዋእል ከሳቕየካ ይነብር ክትርጎም ይከኣል።   ...

ጸሓይ መስከረም መሬት ክትስዕም ዝደለየት ክትመስል ብርቱዕ ጩራታታ ብዘይ ገደብ ፈነወቶ። እቲ ናብ ከተማ ባጽዕ ክኸይድ ሪጋ ሒዙ ዝሓደረ ተሳፋራይ። ካብ’ታ መራር ጸሓይ ክኽወል ሳንጣታቱ ዘለዎ ሪጋ ገዲፊ ኣብ’ቲ መዐሸጊ ኣውቶቡሳት ከጽልል ተጸግዐ። መራሕቲ ናይ ግሊ ኣውቶቡሳት ነቲ ዝተፈጥረ ዕግርግር ብዝሒ ተሳፋራይ መዝሚዞም። ብሓደ ጸግዒ ኣውቶብሳቶም ብምሕባእ፣ ንባጽዕ ሱሳ ኣብቲኣ ኣላትኩም እናበሉ ሕሹክ ይብልዎም እቶም ፈተሪኖታት። ዝተሃወኹን ነቲ ጋዕ ገልጠም ...