ስነ-ኣእምሮኣዊ ውጥረት (PTSD) ክበሃል ከሎ፡ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ወይ ጭንቀት ኮይኑ ናብ ዘይተደልየ ሃሳዪ ስጉምቲ ከምርሕ ዝኽእል ሓደ ካብ ስነኣምሮኣዊ ጸገማት’ዩ። ስነ ኣእምሮኣዊ ውጥረት ዝተፈላለዩ መበገሲታት ኣለዎም። ሓደ ካብኣቶም ከኣ ድሕረ መጉዳእቲ ወይ ሃስያ ዝስዕብ’ዩ። እዚ ሃስያ ኣካላዊ ሃስያ (ስንክልና) ዘይኮነስ ስነ-ኣእምሮኣዊ በሰላ ክገድፍ ከሎ ማለት’ዩ። እዚ ኣእምሮኣዊ ሃስያ’ዚ ድሕሪ ኣሰንባዲ ፍጻመ ዝስዕብ፡ ግዳይ ኮይኑ ነቲ ፍጻመ ልክዕ ከምዝነበሮ ኣብ ዝዝክረሉ ...

 እቲ ዝበለጸ ዓይነት ዓርኪ ምሳኻ ኮፍ ኢሉ ወላ ሓንቲ ቃል ከይተዛረበ፡ ኣዝዩ ሕጉስ ዝኾነ ዝርርብ ከም ዘካየደ ኣሚኑ ዝኸይድ ሰብ’ዩ።  ዘለናዮ ክሳብ ንስእኖ ኣይንርድኦን ኢና ብተመሳሳሊ ድማ ዝሰኣናዮ ክሳብ ዝመጸና ኣይንፈልጦን ኢና።  ንሓደ ሰብ ክትፈትዎ ሰዓታት፡ ከተፍቅሮ መዓልታት፡ ክትርስዖ ግና ናይ ሂወት ዘመንካ ይሓትት። ክትሓልሞ ትደሊ ሕለም፡ ክተበጽሖ ናብ እትደልዮ ቦታ ብጻሕ፡ ክትኮኖ እትደልዮ ኩን፡ ምኽንያቱ ዘላትካ ሂወት ሓንቲ ስለዝኾነት። ...

ኣብ ሰዓታት ንጉሆ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ’ዩ። ሓደ ምሁር ስነ-ቑጠባ ኣብ’ቲ ገማግም ኣሳፊሑ፣ ነቲ ዝገማጠል ማዕበል ባሕሪ እናተዓዘበን ብድምጹ እናተነቓቕሐን ይዘናጋዕ ነበረ። ብወዝቢ ድማ፣ ነቲ ካብ ዝነበሮ ስፍራ ርሕቕ ኢሉ ዝነበረ ገፋፊ ዓሳ፣ ሓደ ዓቢ ዓሳ ካብ ባሕሪ ስሒቡ ከውጽእ ይርእዮ። ተመሲጡ። ቀሪቡ ከዘራርቦ ስለዝሓሰበ ድማ ይቐርቦ። ሰላምታ ይለዋወጡ፣ የዛርቦ ድማ። ‘ነዚ ዓሳ ገፊፍካ ክተውጽእ ክንደይ ግዜ ተጸቢኻ?’ ሓተቶ። እቲ ምቕሉል ...

ሕልሚ ኣብ ግዜ ድቃስ ዝኽሰት ሓደ ካብ ኣእሞሮኣዊ ንጥፈታት ኢዩ። ሕልሚ ዝኽሰተሉ እዋናት ኣብ ስጡም ናይ ድቃስ እዋን ኮይኑ መብዛሕትኡ ግዜያት ድማ ካብ 5 ክሳብ 20 ደቓይቕ ዝኾነ መጠን ግዜ ይውስድ። ዝበዝሐ እዋናት ሕልሚ ምስ ደቂሰባት ጥራይ እኳ ዝተእሳሰር እንተኾነ ካልኦት እንስሳታት እውን እንስሳታት ልክዕ ከም ደቂ ሰባት እቲ ሕልሚ ዝኽሰተሉ ብ D- sleep ዝፍለጥ ናይ ድቃስ እዋን የስተማቕሩ ብምዃኖም ...

ሓደ ህጻን ምስ ተወልደ ዝተፈላለዩ ምዕባለታት እናርኣየ ይዓቢ። ኣካላዊ፡ ስነኣእምሮኣውን ማሕበራውን ምዕባለ እናተባህለ ከኣ ይከፋፈል። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ወይ ዓመት ከኣ እዞም ምዕባለታት ሓቢሮም ይርኣዩ። በቲ ንቡር ዕብየት ከኣ ኣብ ተመሳሳሊ ክሊ ዕድመ ዘለዉ ህጻናት ተመሳሳሊ ምዕባለ የርእዩ። ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ወይ ሕማማት ሓደ ህጻን ካብቲ ንቡር ምዕባለ ክደናጐ ይኽእል’ዩ። ኣብዚ ጽሑፍ ንቡር ምዕባለታት ህጻን ክሳብ ሽዱሽተ ወርሒ ንመልከት። 1ይ-2ይ ...

ሓደ እዋን’ዩ። ኣብ ሓደ ዓዲ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ይነብር ነበረ። ብዙሓት ኣጣልን ከብትን ከኣ ነበራኦ። ኣዝዩ ሰፊሕ ሕርሻ’ውን ይውንን። ካብተን እንስሳታት ወይ ድማ ካብቲ ሕርሻኡ ንዝረኸቦ ፍርያት እናሸጠ ብዙሕ ገንዘብ ስለዝረክብ ብገንዘብ ተሸጊሩ ኣይፈልጥን’ዩ። እዚ ሃብታም ሰብኣይ ኩሉ ሃብቱ ጽዒሩ ዝረኸቦ’ዩ። ስለዚ ድማ ኣብቲ ዓዲ ብሃብቲ ጥራይ ዘይኰነ ጻዕራም ብምዃኑ’ውን ዓቢ ዝና ነበሮ። እዚ ብጻዕሩ ዝሃብተመ ሰብኣይ በዓል ሓዳር ኰይኑ ...

ኣቚጽልቲ ናይ ጸሓይ ብርሃን ተጠቒሞም ነታ ተኽሊ ዝኸውን መግቢ የዳልዉ። እዚ መስርሕ ‘ፎቶስንተሲስ’ ይበሃል። ጩራ ጸሓይ ናብ ቆጽሊ ምስ ኣተወ፡ ኣብ ውሽጣ ዝርከብ ‘ክሎሮፕላስት’ ዝብሃል ባእታ፡ ‘ካርቦንዳይኦክሳይድ’(Co2)፡ ማይን ጸሓይ ብርሃንን ብምውህሃድ ኦክስጅንን ግሉኮዝ ዝተባህለ መግብን ይሰርሕ። ኣብዚ መስርሕ ኣብ ውሽጢ ክሎሮፕላስት ዝርከብ ‘ክሎሮፊል’ ዝተባህለ ባእታ ኣገዳሲ ተራ ኣለዎ። እዚ ክሎሮፊል ዝተባህለ ባእታ’ዩ’ምበኣር ኣቚጽልቲ ቀጠልያ ሕብሪ ከምዝህልዎም ዝገብር። ከም ዝፍለጥ ኣብ ...

እዚ ምስላ’ዚ ንዝዀነ ናትካ ዘይኰነ ነገራት ልክዕ ከም ናትካ ርኢኻ ብግቡእ ክትጥቀመሉ ከምዘለካ የዘኻኽረካ። ንኣብነት ብሽክለታ ካብ ሰብ ለሚንካ ክትጥቀመላ ከለኻ፡ እታ ብሽክለታ ናተይ ኣይኰነትን ኢልካ ከይተጠንቀቕካ ብጐዳጉዲ እንተዘዊርካያ እዛ ምስላ ትምሰለልካ ማለት’ዩ። ስንና ከቐንዝወና ወይ ክስበር ስለዘይንደሊ ብስንና ሑጻ ክንቁርጥም ኣይንደልን ኢና። ናይ ካልእ ሰብ ስኒ እንተዝኸውን ግን ሑጻ ምቖርጠምናሉዶ? ብዛዕባ ነብስና ጥራይ ንሓስብ እንተዀይንና ምቖርጠምናሉ። ብዛዕባ ካልኦት ንሓስብ ...

“ስለምንታይ ጸሓይ ብምዕራብ በሪቓ ብምብራቕ ዘይትዓርብ?” ካቢንዳ ነቶም ብመደርኡ ተመሲጦም ዓይኒ ዓይኑ ዝጥምትዎ ዝነበሩ መንእሰያት ሓቲቱ ፍሽኽ በለ። “ኣየ ንስኹም……ሊኩሉ ሽይኢን ሰበብ ይብል ሓደ ዓረብ ይኽእል’የ በሃሊ። ንኹሉ ነገር ምኽንያት ኣለዎ ንምባል’ዩ። ሕራይ እስከ ንምንታይ’ያ ጸሓይ ኣብ ክንዲ ንግሆ ፋዱስ ዘይትበርቕ? ንምንታይ እያኸ ካብ ምድሪ ብ330,330ግዜ ትዓኣቢ እናተባህለ ካብ እስኳዴላ ነጨበረር ደቒቓ ትርኣየና? ንምንታይ’ዩ ምድሪ ከባብ እንተድኣኾይና እቲ ኣብ ባሕርታትን ...

ሓደ እዋን’ዩ፡ ሓንቲ ወኻርያ ዝብላዕ ንምምእራር መግቢ ይርከቦ’ዩ ናብ ዝበለቶ በረኻ ወፈረት። እንተዀነ መግቢ ብቐሊሉ ክትረክብ ኣይከኣለትን። ድሕሪ ብዙሕ ኰለል ግን ኣብ ሓደ ቦታ ዝብላዕ ርኣየት። እቲ ቦታ ብሓጹር ዝተኸበን ንኽትኣትዎ ኣሸጋርን ነበረ። ንሳ ግን ተጣቢባ ኣተወት። ግን ዘይተጸበየቶ ሓደጋ ኣጓነፋ። ብዓይና ዘይርኣየቶ መጻወድያ ብጭራኣ ሓዛ። ንኽትሞሉቕ ብዙሕ ተጋደለት። ኣብ መወዳእታ ድማ ካብቲ መጻወድያ ኣምለጠት። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን ጭራኣ ...