ኣብ ባንክ ንዘለኩም ሕሳብ ንጉሆ ንጉሆ 86,400 ናቕፋ እና’ለቅሐ መዓልታዊ ንጥፈታትኩምብዝግባእከተሰላስሉ ዘበገሰኩም ባንክ ከምዘሎ ኣብ ኣእምሮኹም ቅረጹዎ። እንተኾነ ግን እዚ ባንክ ናብ’ታ ትስዕብ ሓዳስ መዓልቲ ዘሰጋግሮ ተረፍ ሕሳብ የለን። ምሸት ምሸት ነቲ ብቐትሪ ክትጥቀሙሉ ዘይከኣልኩም ተርፍ ሕሳብ ብምድምሳስ’ዩ ነታ ሓዳስ ዕለት መበገሲ ዝዀነኩም 86,400 ናቕፋ ንንጒሆኡ ዝህበኩም። ከም’ዚ ዝተጠቕሰ ዓይነት ባንክ እንተዘጋጥመናስ እንታይ ኮን ምገበርና? ብዘይጥርጥር ነቲ ኣብ ባንክ ሕሳብና ...

ደቂ ሰብ መጻኢ መደብና ንምህንዳስ ኣብ ዝተፈላለዩ ነገራት ንምርኮስ ኢና። ኣብ ጉዕዞ ሂወት ብቐዳምነት ዝድለ እንታይ’ዩ? ተውህቦኻ ምልላይዶ ወይስ ድሌትካ ምፍላጥ ዝብል ኣምር ንብዙሓት ዘካትዕ ሕቶ’ዩ። ኣብ ዩኒቨሪሲቲ ካሊፎርንያ ናይ ስነ ልቦና መምህርን ደራሲ ልቦናዊ መጻሕፍትን ፕሮፌሰር ቻርለስ በይ፡ “ደቂ ሰብ መጻኢናን መሰረት ምዕባለናን ንምፍላጥ ብመጀመርያ ተውህቦና ከነለሊ ይግባእ” ክብል ይገልጽ። ፕሮፌሰር ቻርለስ ኣብ መጽናዕቱ ከምዝገለጾ፣ ንኣሽቱ ህጻናት ምስ ዓበዩ ...

ኣርማ “ቀይሕ መስቀል” ዝተመርጸትሉ ቀንዲ ምኽንያት ነታ ዘይሻርነታዊ መትከል ኣብ ምምስራትን ምምዕባልን ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ዓቢ ተራ ከምዝተጻወተት ዝንገረላ ስዊዘርላንድ ክብሪ ንምሃብ ካብ ባንዴራ ስዊዘርላንድ ዝተበገሰ’ዩ። ባንዴራ ስዊዘርላንድ ቀይሕ ዝምድራ ጻዕዳ መስቀል ኣብ ማእከላ ዘስፈረት ኮይና፣ ንቅዲ‘ዛ ባንዴራ ኣብ ግምት ብምእታው ጻዕዳ ዝምድራ ቀይሕ መስቀል ብምሓዝ ንኣርማ መለለዪ ቀይሕ መስቀል ተመሪጻ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ዝኾነ ምስ ሃይማኖት ኮነ ካልእ ...

ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲ ዝነጥፉ ዕውታት ሰባት ናይ መዳልያ ሽልማት ክሽለሙ ምርኣይ ልሙድ እዩ። እዚ ባህሊ’ዚ ካብ ቀዳሞት ሰባት ዝጀመረ’ዩ። ኣብ 15 ዘመን ከምዝጀመረ ዝንገረሉ ሽልማት መዳልያ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ብዝተሰርሑ መዳልያታት’ዩ ዝፍጸም ዝነበረ። ዓበይቲ ጸፊሕ ትሕዝቶ ዘለዎም ሸሓኒ መሰል ህያባት ብምሽላም ድማ ይፍጸም ነይሩ። ድሒሩ ግን ኣብ ስነ ቅርጺ ልዑል ተውህቦ ዘለዎም ከም ኢጣልያውያን ፒዛነሎን በንቬቶ ቸሊንን፣ ተወላዲ ጀርመን ኣልበርት ዱጆርን ...

ወትሩ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ኣብ ንገብሮም ንጥፈታት ክንዛረብ፣ ክንደርፍ፣ ኮነ ዝተፈላለየ ሰባት ክንጽውዕ ኣብ ንፍትነሉ እዋን ድምጺ ነውጽእ ኢና። እዚ ድምጺ‘ዚ ዝፍጠር ብምንብዳባድ እዩ። ኣብ ኣካላትና ኣብ ልዕሊ ጉርጉማ ሳንዱቕ ድምጺ ትርከብ። ኣብ ውሽጣ ኣብ መንጎኦም ከፋት ዘለዎም ክልተ ጸፋሕቲ ዋህዮታት (ቲሹ) ኣለዉ። እዞም ዋህዮታት ድማ ናይ ድምጺ ቲሹታት ይበሃሉ። ናይ ድምጺ ቲሹታት ምስ ንኣሽቱ ጭዋዳታት ናይ ድምጺ ዝተትሓሓዙ እዮም። ...

ልቢ ኣብ ንቡር ኩነታት ካብ 60 ክሳብ 100 ግዜ ህርመት ተካይድ። ኣብዚ ናይ ምጭባጥን ምዝርጋሕን ተግባራታ ድማ ሓንሳብ ኣብ እትጭበጠሉ እዋን ኣስታት 70 ሚ.ሜትር ደም ናብ ኣካላትና ከምዝጭንጓዕ ትገብር። ኣብዚ ናይ ምጭባጥን ምዝርጋሕን ተግባር ልቢ ኣብ ውሽጢ ሻምብቆታት ደም ዝፍጠር ጸቕጢ ወይ ድፍኢት ድማ ጸቕጢ ደም ተባሂሉ ይግለጽ። ዓቐን ጸቕጢ ድማ ብዝምድና ክልቲኡ ተግባራት ልቢ ይዕቀን። ጸቕጢ ደም = ዓቐን ...

ሓደ ካብ ነፍሲ ወከፍ ዕስራ ሰባት ተወሳኺ መሰንገለ ኣለዎ። ኔዘርላንድስ እታ ዝበዝሐ ቤተ መዘከር ዘለዋ ሃገር ኮይና ኣብ ከተማ ኣመስተርዳም ጥራይ 42 ዝበጽሓ ቤተ መዘከራት ኣለዋ። ስፕይን ስም ሃገር ኮይኑ፡ ትርጉሙ ሃገር ማናቲለ ማለት እዩ። ኣብ ዓለም ልዕሊ 6800 ቋንቋታት ኣለዉ። እቲ ዝቐልጠፈ ናይ ምድሪ ተመን፡ ብላክ ባንባ ዝብሃል’ዩ። ኣብ ሰዓት ከኣ 11 ኪሎሜተር ይጉዓዝ።   ማንቲለ ዝኾነ ይኹን ሓደጋ ...

እዛ ምስላ፡ ትምህርቲ ኣብ ህይወት ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ’ያ ተዘኻኽረና። መጥሓን ካብ ተሪር እምኒ ዝስራሕ ኰይኑ ኣእካል ወይ ድማ ጥረታት ንምጥሓን እንጥቀመሉ’ዩ። ብግቡእ ከነጥሕነሉ እንተዀይንና ድማ ሓርፋፍ ክኸውን’ዩ ዘለዎ። እንተለሚጹ ግና ሸተት ሸተት ስለ ዝብል ክንጥሕነሉ ኣይንኽእልን። ስለዚ ሓርፋፍ ምእንቲ ክኾነልና ብተሪር እምኒ ወይ ሓጺን ንወቕሮ(ንሃርሞ)። ነታ “ዘይተማህረ ነየድሕን…” እትብል ክፋል ናይዛ ምስላ ምስ እንርኢ ድማ፡ ዝተማህረ ሰብ መድሕን ናይ ...

ምትካኽ ሽጋራ ሓደ ካብቶም ኣሉታዊ ሳዕቤናት ዘለዎም ዝውቱራት ልምድታት ወይ ወልፍታት ኢዩ። ብሰንኪ ምትካእ ሽጋራ ብዝስዕቡ ኣዝዮም ብርክት ዝበሉ ጥዕናዊ ጸገማት ግዳይ ዝኾኑ ሰባት ብቁጽሪ ኣዝዮም ብዙሓት ኢዮም። ምትካኽ ሽጋር ኣዝዩ ሓያል ወልፊ ብምዃኑ ንምግዳፉ ጻዕሪ ዝሓትት ኢዩ፡ ይኹን እምበር ሓደ ሽጋር ዘትክኽ ሰብ ሽጋር ምትካኽ ምስ ዘቆርጽ ኣብ ውሽጢ 20 ደቃይቕ • ጸቕጢ ደም ናብ ንቡር ይምለስ • ዓቀን ...

ፈለማ ባህርያዊ ሕጊ ምዝካር፡ ክትዝክሮ ንእትደሊ ነገር ብሩህ ክሳዕ ዝዀነልካ ኣጸቢቕካ ኣጽንዓዮ። ነዚ ንምግባር ከኣ ነቲ ነገር ጥልቕ ኢልካ ክትዕዘቦ ኣለካ። ንሓደ ነገር ዓመት ምሉእ ላዕሊ ላዕሉ ካብ ምርኣይ ንሓሙሽተ ደቒቕ ብምሉእ ኣቓልቦ ምጽንዑ ዝበለጸ ዉጺኢት ኣለዎ። እቲ ካልኣይ ባህርያዊ ሕጊ ምዝካር’ዩ፡ ነቲ ነገር ደጋጊምካ ምሕሳብ እዩ። ሓደ ነገር ደጋጊምካ ብምባል ወይ ብምሕሳብ ስፍሪ ዘይብሉ ነገር ምዝካር ከም እትኽእል ይገብረካ። ...