1.ሽጋራ ንኸቋርጹ ዝደልዩ ይሕግዝ 2.ጸቕጢ ኣእምሮ የጉድል 3.ቃንዛ ወርሓዊ ጽግያት የጉድል 4.ሰሓ የቃልል 5.ካብ ኣነምያ (ዋሕዲ ሄሞግሎቢን ኣብ ደም ይከላኸል) 6.ጥዕና ኣዕጽምቲ ይሕሉ 7.ቅዛነት የጉድል 8.ካብ ሕማማት ልብን ልዑል ጸቕጢ ደምን ናይ ምልካፍ ተኽእሎ የጉድል 9.ስርዓተ ምሕቓቕ መግቢ የቀላጥፍ 10.ሕማም ቁስሊ ከስዐ ይፍውስ ...

ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ቴክሳስ – ኣመሪካ፡ ኣብ ትኪ ናይ ሽጋራ ብዘካየድዎ መጽናዕቲ፡ እቲ ኣብ ትምባኾ ዝርከብ መርዛም ቀመም (ኒኮቲን) ንሕማምምርሳዕ ከምዘጋድድክርድኡ ከምዝኽኣሉ ገሊጾም። እቲ ጠንቂ ብፍላይ ኣብ ዓበይቲ ኣትከኽቲ ሰባት ከምዝገድድ ጠቒሶም፡ ከም ሳዕቤኑ ሕማም ኣልዛይመር ማለት፡ ምጉዳል ብቕዓት ኣእምሮ፡ ናይ ምርሳዕን ምዝራብን ምንቅስቓስን ጸገም ከምዘስዕበሎም ሓቢሮም። ሕማም ኣልዛይመር ዝበዝሕ ግዜ ካብ 70 ክሳብ 90 ዓመት ኣብ ዝዕድመኦም ሰባት’ዩ ዘጋጥም። እዚ ...

ዝኾነ ዘረባ ቃል ቅድሚ ምምላቚካ ብዛዕባ እትዛረቦ ዘለኻ ነገር ሓቅነቱን ጠቓምነቱን ኣስተውዕል። – ቃል ኣብ እትኣትወሉ እዋን ጥንቃቐ ግበር። ንዝኣተኻዮ ቃል ድማ ብእምነት ተግብር። – ብዛዕባ ካልኦት ሰባት ሕማቕ ንምዝራብ ኣይትጓየ። ኣይትሕመ። ኣብ ልዕሊ ሰባት ሕማቕ ኣይትሕሰብ። – ምሕረት ንምግባር ተዳሎ። ሰባት ዝከኣሎም ክገብሩ ከምዝኽእሉ እመን። – ንነዊሕ ጠምት። ንሰባት ብእዋናዊ ተግባሮም ኣይትፍረድ። ዓቕሊ ይሃልኻ። – ብዛዕባ ሰባት ጽቡቕ ንምዝራብን ...

ቅድሚ ዝኣገረ ህዱእ መንፈስን ካብ ጣዕሳን ጭንቀትን ነጻ ዝኾነ ሕልና ክትሃንጽ ዝለዓለ ድሌትን ትምኒትን ሒዝካ ተበገስ። ሃብቲ ብዘይ ቅሳነት ሓቀኛ ሃብቲ’ዩ ክበሃል ስለ ዘይክእል ጐኒ ጐኒ ሃብቲ ቅሳነት ኣገዳሲ ነገር ምዃኑ ናፖልዮን ሂል ኣስሚርሉ ሓሊፉ። ቅሳነት ማለት፥ => ካብ ፍርሕን ነብሰ ምትሓትን ዝነቐለ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ናጻ ምዃን። => ካብ ዝኾነ ዓይነት ኣሉታዊ ስምዒትን ድሌትን ናጻ ምዃን። => ካብ ባዕልኻ ትፈጥሮ ...

ንኣብነት: ሓዘን እቲ ቀዳማይ ትርጒም ናይ’ዚ ቃል፣ ምሕዛን (ናይ ጓሂ ስምዒት ዝፈጥር) ክኸውን እንከሎ እቲ ካልኣይ ትርጒሙ ከኣ ምሓዝ። ንኣብነት “ንኹለን እተን ደርሁ ሓዘን” ናይዞም ዝስዕቡ ቃላት ካልኣይ ትርጉም ርኸበሎም  ምቕራብ ምዝንጋዕ ምግልጋል ምፍናው ሃዲሞም ወጠጦ ሃቦ ቅድሚ ምቕጻልካ ክትምልሰን ፈትን  ...

ኣቤልን ቶማስን ኣዕሩኽ’ዮም። ሓደ መዓልቲ ኣብ መገዲ እናኸዱ እንከለዉ፣ ኣቤል ሓንቲ ገመድ ርኣየ’ሞ “እውይ ገመድ” በለ። ቶማስ ከኣ ተቐላጢፉ ቀዲሙዎ ኣልዓላ። ኣቤል “ሃባ’ታ ኣነ እንድየ ግዲ ቅድም ርእየያ!” በሎ፣ ነታ ገመድ ከሕድጎ እናፈተነ። ቶማስ “ኣነ እንድየ’ሞ ኣልዒለያ” በለ ነታ ገመድ ንድሕሪት እናሓብአ። “ሃባ ኣነ ቅድም ስለዝረኣኹዋ ንዓይ’ያ ትግብኣኒ” በሎ ትርር ኢሉ። ...

=> ሓደ ነገር ሃሪሙና ኣብ እንቕንዘወሉ እዋን፡ ናብ’ቲ ተሃስዩ ዘሎ ክፍሊ ኣካላትና ወገን ዝርከብ እግርና ምስ እንደርዞ እቲ ቃንዛ በብቑሩብ ክገድፈና ይኽእል’ዩ። ኣብ ከባቢ’ቲ ተሃስዩ ዘሎ ኣካልና ንዝካየድ ዑደት ደም’ውን ናብ ንቡር ክመልሶ ተኽእሎ ኣለዎ። => ቃንዛ ርእስን ሶርኖን ምስ ዘጋጥመና፡ ነጻብዕቲ እግርና ኣትሪርና ብምጥዋቕ (ቃንዛ ክሳብ ዝፈጥር ኣይንጠውቆ) ነቲ ቃንዛ ርእስን ሶርኖን ከነቃልሎ ንኽእል። ኽንጥውቖ እንከሎና በብእዋኑ ንሓያሎ ካልኢታት ...

ኣብ ዝምድናታት ተመርኹሶም ዝተኻየዱ መጽናዕቲ ከም ዝሕብርዎ፡ ሕድገት ካብ ሕርቃን፡ ቂምን ቅርሕንትን ዝወርድ ስቅያት ፈውሲ’ዩ። እቲ ስቅያት ኣካላዊ ጉድኣት’ዉን የስዕብ። ጸቕጢ ደምን ሆርሞናዊ ምምዝባልን ኣስዒቡ ናይ ልብን መትንታትን ዕማማት ከሰናኽል ይኽእል። ሓዳግ ልቢ ምስ ዝህልወካ ካብ ጠንቅታት’ዚ ሕማም ናይ ምድሓን ዕድል ብሚእቲ ሚእታዊት ይዓቢ። ሕድገት፡ ጾር ይድርቢ -ጾር ናይ ቂመኛታት። ምኒን ዘዘውትር፡ ደድሕሪ ቂም ዝጉዓዝ ሰብ ብማሕበራዊ ተነጽሎ ይሳቐ። ሓዳግ ...

• ህማም- ፍናን፡ ኩርዓት • ለጋዕ- ነፍሰጾር፡ መላእ (ንጥሪት) • መሃመል- መዘናግዒ • መስሐ- ዝጨነወ፡ እተበላሸወ ስጋ • መገጻ- ስፍሪ፡ ሽዱሽተ ገበታ፡ 240 ኪሎ እኽሊ። • ማህሌት- መዝሙር፡ ዜማ • ሪም- ስርዓት፡ ውዕል፡ ንቡር • ርዖ- ዝኣረገ፡ ማእሲ። • ባዕሊ- ወናኒ፡ ዋና ገንዘብ • ቦዱ- ኣብ ጥቕሚ ዘይወዓለ(ዘይተሓርሰ) ስቡሕ መሬት • ግብዝ- ሃካይ፡ ዘይትጉህ • ጻርያ፡ ጽርይቲ/ ጥንሲ ዘይብላ ሰበይቲ ...

ምስጋና ኣማዕብል ንዝግበረልካ ነገራትን ሓለፋታትን ጥራሕ ዘይኮነ ንዘለካ ነገራት ወትሩ ኣመስግን። ብዘለካ እዋናዊ ትሕዝቶ’ውን ተመስገን ብምባል ኣማዕብል። ይቕረ ምባል ኣዘውትር ይቕረ ምባል ናይ ድኽመት ምልክት ዘይኮን፡ ናይ መንገዲ ዓወት እቲ ናይ መጀመርታ ስጉምቲ’ዩ’ሞ ይቕረ ምባልን ይቕሬታ ምቕባልን ኣዘውትር። ኣሉታዊ ኣተሓሳስባን ስምዒትን ኣወግድ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ እቲ ቀዳማይን ቀንዲን ዕንቅፋት ምዕባለ እዩ። ብተመሳሳሊ ስምዒታትካ ወትሩ እወታውን ካብ ኣሉታዊ ወገን ዝወጸን ምስ ዝኸውን ...