ሓደ መዓልቲ ኣብ ሓደ መዘናግዒ ቦታ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ጎድኒ ሓደ ሰብኣይ ኮፍ ኢላ ነበረት። ናብ ሓደ ቀይሕ ጎልፎ ተኸዲኑ ዘንሻራትት ዝነበረ ንእሽቶ ቈልዓ እናተመልከተት፡ “እቲ ብማዕዶ ትርእዮ ዘሎኻ’ዩ ወደይ” በለቶ ነቲ ሰብኣይ። “ሽኮሪና ቈልዓ’ዩ። ጓለይ ከኣ እታ ጻዕዳ ተኸዲና ብሽክሌታ ትዝውር ዘላ’ያ” ብምባል መለሰላ። ብድሕሪ’ዚ ሰዓቱ ርእዩ ንጓሉ እናተዳህየ፡ “እንተኸድና እንታይ ይመስለኪ?” ክብል ተወከሳ። መሊሳ ግን፡ “10 ደቒቕ ጥራይ ...

ምዉቕ ሓዳር ንኽህሉ ክማላእ ዝግብኦን ነገራት እንታይ’ዮም ዝብል ሕቶ ንብዙሓት ዘገድስን ወሳን’ዩ። ተመራመርቲ ስነ ህይወት ኣብ ዙርያ ሓዳርን መጻምድትን ዝተፈላለዩ መጻናዕትታት ብምክያድ፡ ምዉቕ ሓዳር ንምህላው ክሕግዝ ይኽእል’ዩ ዝበለዎ ምኽርታት ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ብምምላስ ክርከብ ከምዝኽእል ይእምቱ። ካብዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ልዕሊ ሽዱሽተ “እወ” ዝብል መልሲ እንተረኺብካ ምዉቕ ሓዳር ናይ ምህላው ዝለዓለ ተኽእሎ ኣለካ። ንደቂ ተባዕትዮ ዝምልከት ሕቶታት፡ 1. ንምልክት ልቦናዊ ፍቅርኻ፡ ...

ጸጸር ሓሞት ናይ ብዙሓት ጸገም ከይከውን ይኽእል’ዩ። እንተኾነ ግን ጸጸር ሓሞት ናብ ሕማም መንሽሮ ከምርሕ ዝኽእል ሓደገኛ ጥዕናዊ ጸገም’ዩ። ይብዛሕ ይውሓድ፡ ይዕበ ይንኣስ ብዘየገድስ ኩሉ ሰብ ጸጸር ሓሞት ኣለዎ። መንሽሮ ከኣ ርእሱ ዝኸኣለ ሕማም ኣይኮነን። ካልኦት ጥዕናዊ ጸገማት’ዮም ናብ መንሽሮ ዝቕየሩ። ዶክቶር ሊ ዝተባህለ ብዛዕባ መንሽሮ ብዙሕ መጽናዕቲ ዘካየደ ቻይናዊ፡ እቶም ብካንሰር ዝተጠቕዑ ሰባት ኩላቶም ጸጸር ሓሞት ከምዝጸንሖም’ዩ ኣረጋጊጹ። ሓደ ...

መግቢ ብኣፍና ምስ ኮለስና። ብመገዲ ሻሕለለና ኣቢሉ ናብ ከስዐ ይኣቱ፣ ገለ ክፋሉ ኣብ ከስዐ ምስ ሓቐቐ ናብ ቀጢን መዓንጣ ይሓልፍ፣ ከስዐና ነቲ መግቢ እናሓወዋሰት ተዳቕቖ፣ ነዚ ኣብ ከስዐ ዝካየድ ምሕቃቕ መግቢ ዝሕግዝ ሃይድሮ-ክሎሪክ ኣሲድ ዝብሃል ብርቱዕ ኣሲድ ኣሎ፣ ነቲ ዝኣቱ መግቢ ከኣ ኣብ ውሑዳት ሰዓታት ከም ዝሓቅቕ ይገብር፣ ከስዐና ክንዲ ዕድመና ገይራ ክሳብ ሕጂ ኣየሕቀቓን፣ ስለምንታይ? ከስዐ ሂላላዊ ቅርጺ ዘለዋ ...

እዚ ምስላ፡ ብዙሓት ፈላጣት ኣብ ዘይብሉ ዓዲ ወይ ከባቢ እቲ ቅሩብ ፍልጠት ዘለዎ ይመርሕ ንምባል ዝተመሰለ’ዩ። ንኣብነት ኣብ ሓንቲ ሕማቓት ተማሃሮ ጥራይ ዝመልኡዋ ክፍሊ፡ ቁሩብ እንተነፊዕካ ቀዳማይ ክትወጽእ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ሓንቲ ኣዝዮም ንፉዓት ተማሃሮ ዝበዝሑዋ ክፍሊ እንተኣቲኻ ግን ደረጃኻ ንታሕቲ ይወርድ። ኣብታ ቀዳመይቲ ክፍሊ ተማሃሮ ስለዝሓመቑልካ ኢኻ ቀዳማይ ኰይንካ እምበር ንስኻ ስለዝነፋዕካ ኣይኰነን። እቶም ተማሃሮ ክዓውሩ ከለዉ፡ ንስኻ ከኣ ...

– ዝኾነ ዘረባ ቃል ቅድሚ ምምላቚካ ብዛዕባ እትዛረቦ ዘለኻ ነገር ሓቅነቱን ጠቓምነቱን ኣስተውዕል። – ቃል ኣብ እትኣትወሉ እዋን ጥንቃቐ ግበር። ንዝኣተኻዮ ቃል ድማ ብእምነት ተግብር። – ብዛዕባ ካልኦት ሰባት ሕማቕ ንምዝራብ ኣይትጓየ። ኣይትሕመ። ኣብ ልዕሊ ሰባት ሕማቕ ኣይትሕሰብ። – ምሕረት ንምግባር ተዳሎ። ሰባት ዝከኣሎም ክገብሩ ከምዝኽእሉ እመን። – ንነዊሕ ጠምት። ንሰባት ብእዋናዊ ተግባሮም ኣይትፍረድ። ዓቕሊ ይሃልኻ። – ብዛዕባ ሰባት ጽቡቕ ...

– ብመሰረት ዝተገብረ መጽናዕቲ። 83.5 ሚእታዊት ካብ ኣወዳት ሞያ እትውንን ወይ’ውን ኣብ ንጡፍ ስራሕ እትርከብ መጻምድቲ ይመርጹ። – ዕለታዊ ዜና እትከታተልን እዋናዊ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር ሓበሬታ እትህብን ጓል ኣንስተይቲ’ውን ይብህጉ። – 80% ካብ ጠቕላላ ደቂ ተባዕትዮ። ክቱር ፍቕሪ ተለቭዥንን ፊልምን ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ኣዝየን ከምዘጽልእኦም ይንገር። በዚ ድማ ኣብ ምክትታል ተለቪዥንን ፊልምን ብዙሕ ተገዳስነት ዘይብላ ጓል ዝለዓለ ጠለብ ኣለዋ። – ...

ፍርቂ መዓልቲ ኣቢሉ ኮይኑ’ዩ። ጸሓይ ካብ ምምራራ ዝተላዕለ ነታ ትፍልም ዝነበረት ወርሒ ጥሪ፣ ትርጉማ ካብ ምድማቕ ከሊኣታ ነበረት። ብርቱዕ ድምጺ ሰሚዓ ካንቸሎ ዝኸፈተት ኣደ፣ ዳኒኤል ወዳ ሰላምታ ከየቕረበላ ንውሽጢ ምስ ኣተወ ተሰጉዲማ ጠመተቶ። እታ ኣደ ናይ ወዳ ምቕያር ጠባይ ኣይተጋየሻን። ዳኒኤል ምስ ስድራኡ ምዕላል ካብ ዝገድፎን ንኽርድእዎ ዘጸገሞም ባህሪ ከም ዘማዕበለን ኣቐዲማ’ያ ፈሊጣ። ስለዚ፣ ርእሳ የማን ጸጋም እናነዛነዘት ብምግራም ስዒባቶ ...

ሓደ እዋን መዋእሉ ከየዕረፈ ዝሰርሐ ሰብኣይ ነበረ። ነቲ ሰሪሑ ዝረኸቦ ገንዘብ ከኣ ንዕለታዊ ኣስቤዛ ዝኸውን ሒደት ገንዘብ ጥራይ እናህለኸ ብምልኡ የዋህልሎ ነበረ። ብገንዘብ ዝመጽኦ ሰብ ኣይፈቱን’ዩ ዝነበረ። ብሓጺሩ ኣዝዩ ነፋግ’ዩ ነይሩ። ክነብር ክነብር ሓደ መዓልቲ ኣብ ኣጋ ሞቱ ንሰበይቱ ጸዊዑ፡ “ኣብ ግዜ ሞተይ ንኹሉ ገንዘበይ ኣኪብኪ ኣብ’ቲ ሳንዱቕ ሬሳይ ምሳይ ከምዝዕጾ ግበሪ ሓደራኺ” ብምባል ለበዉኡ ከይትጠልም ቃል ኣእተዋ። ብድሕሪ’ዚ ነዊሕ ...

1. ሽኮር ንነኪ 2. ጥዕና ዘለዎ ቅብኢ ንመገብ 3. ካርቦን ዘለዎም ጸዓዱ ነገራት ነወግድ 4. ካብ 2 ክሳብ 3 ሊትሮ ማይ ንመዓልቲ ንስተ 5. ጭንቀትና ንቆጻጸር 6. ኣሕምልቲ ነዘውትር 7. ትሑት ትሕዝቶ ፕሮቲን ንመገብ 8. ኣካላዊ ምቅስቓስ ነዘውትር 9. ሓድሽ ለሚን ኣብ ልብጥ ዝበለ ማይ ጸሚቚና ንስተ 10. ነቲ ከተምጽኦ ደሊኻ ዘሎኻ ቅርጺ ኣካላት እናሰራሕካ፡ ንህልዉ ቅርጺ ኣካላትካ ፍተዎ’ምበር ኣይትጽልኣዮ። ...