ዕድሜና ብዘየገድስ፡ ዝተማልአ ጥዕና ምእንቲ ኺህልወና፡ ምውስዋስ ኣካላት ከነዘውትር ኣሎና። ብዙሓት ሰባት፡ እኹል ምውስዋስ ኣካላት ኣይገብሩን እዮም። ምውስዋስ ኣካላት ምግባር፡ ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት ኪሕግዝና ይኽእል እዩ፦ ጽቡቕ ንድቅስ። ሰብነትና ቕልጡፍ ይኸውን። ድልዱል ኣዕጽምትን ጭዋዳታትን ይህልወና። ንቡር ክብደት ሰብነት ይህልወና። ካብ ጭንቀት ይሰትረና። ነዊሕ ዕድመ ይህልወና። ምውስዋስ ኣካላት ዘይነዘውትር እንተ ዄንና፡ እዚ ዚስዕብ ሓደጋታት ኬጋጥመና ይኽእል፦ ሕማም ልቢ። ካልኣይ ደረጃ ሽኮርያ። ...

ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ተምሪ ምስ ተረኽበ፡ ወዲ ሰብ ከም ፈውሲ ኢዩ ዝግልገለሉ ነይሩ። መጽናዕትታት ታሪኽ ከም ዝሕብርዎ፡ ገረብ ተምሪ ንፈለማ እዋን ኣብ ዒራቕ’ኳ እንተተረኽበ፡ ጥንታውያን ግብጻውያን ግና ነቲ ፍረ ኣቐዲሞም ከም መስርሒ ነቢት ይጥቀምሉ ነይሮም። ብንግዲ ድማ፡ ተምሪ ናብ ደቡባዊ ምዕራብ ኤስያ፡ ስጳኛ፡ ሰሜን ኣመሪካ፡ ከምኡ’ውን ድሒሩ ናብ ሜክሲኮን ካሊፎርኒያን ኣስፋሕፊሑ። ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገራት ዓረብን ማእከላይ ምብራቕን ...

“ቅንኢ ምስ ፍቕሪ ሓቢሮም ይነብሩ፡፡ ሓቢሮም ግን ኣይሞቱን።” ኤልዛበል ስቶዳርድ “ክሳብ’ታ ሰዓት ናይ ምፍልላይ እትመጽእ፡ ፍቕሪ ዕምቈቱ ኣይፍለጥን’ዩ።” ከሊል ጂብራን “ናይ ጽባሕ መጀመርታ ሎሚ’ምበር፡ ጽባሕ ኣይኰነትን።” ጅን ፓወል ...

 ...

Cats from r/AnimalsBeingDerps   Hide and seek. He’s not very good at the game. pic.twitter.com/eWiDryccb0 — Colin Cowherd (@ColinCowherd) April 3, 2020   ...

ሓዳር ክመውቕ ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ፍቕሪ ክህሉ ዘይስሓት’ኳ እንተኾነ፡ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ተራ ግን ጎሲኻ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ንበዓል ቤታ ብጥበብ ሒዛ፡ ሓዳር እተሙውቕ፡ ኣብ ገዛ ሰላም፡ ቅሳነትን ሓጎስን ክትፈጥር እትኽእል ንሳ ጓል ኣንስተይቲ’ያ። ሰብኣይ ብደገ ሰሪሑ ንገዝኡ ክኣቱ ከሎ፡ ሰበይቲ ከኣ ኣብ ገዛ እቲ ንሰብኣያን ንደቃን ዘድሊ ክትቀራርብ ዝጸንሐን ዘሎን’ዩ። • ጓለንስተይቲ፡ ኣብ ገዛ ንሰብኣያ ጽፍፍትን ጽርይትን ኮይና ክትጸንሖ ...

ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ፡ ጫማ ኪኖ በጃ እግሪ ምዃን፡ ኣበይን መኣስን ክትክደኖ ከም ዘለካ፡ ምስ ከመይ ክዳን፡ ኣብ ዓይነት፡ ኣገልግሎት፡ እዋናውነት (ፋሽን) ተፈላልዩ ይርከብ ኣሎ። ጫማ ብዓይነቱን ዋግኡን ክፈላለ፡ ንሓደ ሰብ ብዝለብሶ ጫማ፡ ጓል ድዩ ወዲ? ሰበይቲ ድያ ሰብኣይ? ከምኡ’ውን ንዕድመ እቲ ሰብ ከይተረፈ ክትፈልጥ የኽእለካ። ካበየናይ ሕብረተሰብ ምዃንካ ክእምት፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ሃብታምን ድኻን ቀጸላታት ሕብረተሰብ ከም ምልክት ፍልልይ ክኸውን ጀሚሩ ...

መርዘን ተመላላሲ ባህሪ ዘለዎ ቃንዛ ርእሲ’ዩ፡ መብዛሕትኡ እዋን መርዘን ብሓደ ሸነኽ ናይ ሽክና ኣጸጋሚ ቃንዛ የምጽእ፡ ተምላስን ዕግርግር ምባልን ከኣ ሓቢሮም ካብ ዝርኣዩ ምልክታት መርዘን’ዮም፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝተፈላለዩ ናይ መርዘን መድሃኒት እዞም ዝስዕቡ ንምልክታት መርዘን ኣብ ምጕዳል ይሕግዙ፡ ወጥሪ፡መስተ፡ናይመግቢግዜምሕላፍ፡ ሽኮራዊ መግቢ፡ ጥምየት፡ ምቅይያር ሆርሞናት ኣብወርሓዊ ጽግያት፡ መጠኑ ዝሓለፈ ኣካላዊ ምንቅስቓስ፡ ምቅይያር ኩነታት ኣየር፡ ምቁርራጽ ድቃስ ወይ ብዝሒ ድቃስ ገለ ካብቶም ...

ንህይወት ክትነብራ ኢኻ ኣብ ዓለም ሃሊኻ። ስለዚ ክሳብ ዝተፈቕደትልካ እዋን ፈጺምካ ከይፈራሕካ በቲ ቅኑዕ እትብሎ መንገዲ ክትጓዓዝ ፈትን። ልክዕ ከምታ ዝበርገገት ሰሳሕ፡ ኩሉ ነገራት ብስግኣት እትጥምቶ እንተዄንካ ግን ፈጺምካ ንሂወት ከተስተማቕራ ኣይኮንካን። ስለዚ ፍርሒ ኣወጊድካ ካብቲ ተሸጊጥካሉ ዘለኻ ጎጆ ፍርሒ ውጻእ። ንዓለም ከኣ ብዙርያኣ ብዘይስክፍታ ጠምታ። ብዙሕ ፍጡር ብዘይስክፍታ ክሕጎስ  ክትርኢ ኢኻ። ንስኻ’ውን ማዕረ እቶም ዝሕጎሱ፡ዓለም ትብጽሓካ  ምዃና ፈሊጥካ ማዕሪኦም ...

ሓደ እዋን ኣብ ሓደ ጫፍ በሪኽ እምባ ዝነብር ጥበበኛ ሰብ ነበረ። ኣብ ትሕቲ እቲ እምባ ኣብ ዘለዋ ዓድታት ዝነብሩ ሰባት፡ ሽግር ኣብ ዘጋጥሞም እዋን ምኽሪ ንምሕታት ናብቲ ጥበበኛ ሰብኣይ ብምምራሕ ምኽሪ ይሓቱ ነበሩ። ሓደ ዕለት ሓደ መንእሰይ፡ ናብ ጫፍ’ቲ ጎቦ ምብምሕኳር ነቲ ኣረጊት ሰብኣይ ከምዚ ብምባል ሓተቶ። ‘’ከመይ ትኸውን ኣንታ ጥበበኛ ሰብኣይ፡ ኩሉ ሻዕ እተሸግረኒ ሕቶ ስለ ዘላ’የ ናባኻ መጺአ። ...