ምስ ስድራኻ ወይ መሳርሕትኻ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ምስ ኣዕሩኽትኻ ተሳኒኻ/ ተቓዲኻ ምኻድ ሕጉስን ልኡምን ህይወት ክትመርሕ ከም ዝሕግዘካ ኩልና ንሰማምዓሉ ሓቂ ኢዩ። ስለዚ ምስ ሰባት ተሳኒኻ/ ተቓዲኻ ክትከይድ ዘለካ ክእለት ከመይ ዝበለ ኢዩ ንምግምጋም፡ ነዞም ስዒቦም ተዘርዚሮም ዘለዉ ሕቶታት ብምምላሽ ነብስኻ ፈትሽ፦ ነቶም ሕቶታት “ሓቂ ኣይኮነን” ኢልካ እንተመሊስካ 1 ነጥቢ “ሓደ ሓደ ግዜ ሓቂ ኢዩ” ኢልካ እንተመሊስካ 2 ነጥቢ “ዝበዝሕ ግዝ ...

– የማናይ ኣእዳው እንተዄንካ ብየማናይ ሽነኽ ኣፍካ ኢኻ ትሕይኽ። ጸጋማይ እንተዄንካ ድማ ብጸጋማይ ሸነኽ ኣፍካ። – ካብ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም፡ ኣብ ኣፍ ሰብ ዘሎ ብዝሒ ባክተርያ ይበዝሕ። – ኣብ ገለ ሃገራት ንኽፍልታት ኣካል ብምርኣይ ጥራይ መጻኢ ዕድል ወዲ ሰብ ምትንባይ ከም ዝከኣል ይእመንን ይስረሓሉን። እምበኣር ንኣፍልጦኹም ጉምቦ ኢድካ ናይ ምንባብ ጥበብ “ኪሮማንሲ”፡ እግሪ ናይ ምንባብ ጥበብ “ኦምፋልማንሲ”፡ ከብዲ ናይ ምስማዕ ...

ሓደ እዋን እምብዛ ጨካንን ዓሻን ኣንበሳ ነበረ። ኣብ’ቲ ዝነብረሉ ዝነበረ ጫካ ዘሕምቖ ወይ ብሒም ኢሉ ዝዛረቦ ኣይነበረን። ቁሩብ ጥሜት እንተተሰሚዕዎ ንዝደለዮ እንስሳ ከይዱ ይበልዖ ነይሩ። ብእከይ ተግባራት ኣንበሳ ኩሎም እንስሳታት ብርቱዕ ፍርሂ ተሰምዖም። ስለ’ዚ ድማ በብወገኖም ሓቢሮም ገለ ነገር ክገብሩ ከም ዘለዎም ሓሰቡ። ሓደ መዓልቲ ኣኼባ ክገብሩን ክማኸሩን ከኣ ተቛጸሩ። ኩሎም እንስሳታት ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ዓባይ ገረብ ምሰ ተኣከቡ ንኣያ ...

• ዕንቅርቢት፡ ንሽዱሽተ መዓልታት ትንፋሳ ሓቢኣ ክትነብር ትኽእል። • ከምቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከብ “ቻይና ታውን”፡ ኣብ ቻይና’ውን “ኢንግሊሽ ታውን” ዝበሃል ቦታ ኣሎ። ኣብዚ ቦታ ዝኾነ ሰብ ብቋንቋ ቻይና ክዛረብ ክልኩል እዩ። • ኣብ ግዜ ሽጉርቲ ምምታር ማስቲካ ምሕያኽ ካብ ምንባዕ ይከላኸል። • ኣቡሰላማ ዝዓይነቶም ዓሳ፡ ካብ ባሕሪ ማይ ኣይሰትዩን እዮም። ካብ ባሕሪ ምስ ዝሰትዩ ድማ ናብ ሞት ዘብጽሕ ...

ተመራመርቲ ናብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ከይዶም ድሕሪ ምድህሳስ፡ ኣብ ዓለም ዝተፈጥሩ ነገራት መበገሲኦምን እንታይነቶምን ክፈልጡ ክኢሎም እዮም። ኣብዚ ምድሪ ካብ ዘሎ ነገር ሓሊፎም’ውን ንወርሒ ክበጽሕዋ ክኢሎም እዮም። ብዘይካ’ዚ እውን፡ ዲ.ኤን.ኤ (DNA) ብምጽናዕ ካበይ ከምዝመጻናን መን ምዃናን ክፈልዩናን ክፈልጡናን ክኢሎም እዮም። እዚ ይኹን ደኣ እምበር፡ ተመራመርቲ ገና ክፈልጥዎ ዘይከኣሉ ሓያለ ባህርያት ወዲ-ሰብ ኣለዉ። እዞም ዝስዕቡ ከኣ እቶም ብሳይንስ ክግለጹ ዘይተኻእሉ ባህርያት ...

ዕንበባታት ናይ ገዛእ ርእሶም ቋንቋ ኣለዎም። ነፍሲ-ወከፍ ዕንበባ ብዓይነቶምን ሕብሮምን ነናቶም መግለጺታት ይወሃቦም። ቀይሕ ዕንበባ ቀይሕ ሕብሪ ብመሰረቱ ኣነቓቓሒ፡ ንስምዒታትካ ዝቕስቅስ ሕብሪ እዩ። ቀይሕ ሕብሪ ኣብ ዕንበባ ከም መግለጺ ፍቕሪ እዩ ዝፍለጥ። ቀይሕ ዕንበባ ትብዓት፡ ጅግንነት፡ ኣኽብሮት፡ ጽንዓት፡ ኣድናቖትን ድሌትን ይገልጽ። ሮዛ ዕንበባ ሃሳስ ወይ’ውን ፈኩስ ሮዛ ሕብሪ ናይ ዕንበባ፡ ንሕያውነት፡ ሓጎስን ፍቕርን ይገልጽ። ኣዝዩ ውቁብ ሮዛ ዕንበባ’ውን ከም ተወሳኺ ...

ግዜ ጥንሲ ንሓንቲ ነብሰጾር ካብቲ ንቡር ኣካይዳ ህይወታ ኣውጺኡ ናብ ሓድሽ ዓለም ዘእትዋ ኣጋጣሚ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ብፍላይ ድማ በኳር ምስ እትኸውን። ብሰንኩ ዝመጽእ ዝተፈላለየ ናይ ኣካላዊ፡ ስነ-ኣእምሮኣውን ጥዕናውን ለውጥታት፡ ዝተፈላለዩ ነውጽታት ከኸትለላ ይኽእል እዩ። ምናልባት ካብዚ ብምብጋስ ክኸውን ይኽእል፡ ዝተፈላለዩ ሰብ ሞያ ጥዕናን ኣብ ጥዕና ደቀንስትዮ ዝግደሱን ሰባት፡ ብፍላይ ምስ ነብሰ-ጾር ኣብ እንገብሮም ዕላላት ይኹን ምብህሃላት ጥንቃቐ ከነዘውትር ይምዕዱና። ምኽንያቱ፡ ...

ምንቅጥቃጥ መሬት ክንብል እንከሎና፡ መሬት ብሓደ ዘይረአ ሓይሊ ከንፈጥፍጥ ከሎ ማለትና እዩ። እዚ ከኣ ኣብ ከርሲ መሬት ብዝፍጠር ሓያል ምንቅስቓስ – ማለት (tectonic force) ይኽሰት። ምንቅጥቃጥ መሬት እዚ ሓይሊ’ዚ ከኣ ነቶም ኣኻውሕ ንሓድሕዶም ብምድፍፋእ፡ ሸተት ኢሎም ከምዝመሓላለፉ ይገብር። ኮይኑ ግን ኣብ ከርሲ መሬት ዝፍጸም ስለዝኾነ ብዓይንና ክንርእዮ ኣይንኽእልን ኢና። እዞም ሓይሊ እዚኣቶም ኣዝዮም እንተደ በርቲዖም፡ ክፋላት መሬት ሃንደበት ነንሓድሕዶም ይፈሓፍሑ’ሞ ...

ሬድዮኣክቲቪቲ ብ1895 ብፈረንሳዊ ስነ-ፍልጠተኛ ሄንሪ ባክኲረል እዩ ተረኺቡ፣ ሬድዮኣኪቲቭ ዝበሃሉ ባእታት ሓያል ጨረርታ ዝጸርጉ እዮም፣ ንህይወታwያን ክቐትሉ ይኽእሉ። ግን ከኣ ዓቢ ጥቕሚ ኣለዎም፣ ኣልፋ። ቤታን ጋማን ተባሂሎም ድማ ኣብ ሰለስተ ይኽፈሉ፣ መጀመርታ ምስ ተረኽቡ እንታይ ምኻኖም ዝፈልጥ ኣይነበረን፣ ኣብኡ እንከለው ኣልፋ። ቤታን ጋማን ኢሎም ሰምየሞም፣ እዞም ጨረርታት ካብ ሬድዮኣክቲቭ ጸሪጎም ብሓያል ፍጥነት እዮም ዝጓዓዙ፣ ኣልፋን ቤታን ኤለክትሪካዊ ቻርጅ ዘለዎም እዮም፣ ...

ኵልና ካብ ሓንቲ ነጥቢ እትንእስ ንጽል ዋህዮ ኢና ህይወት ዝጀመርና። እዛ ብማይክሮስኮፕ ጥራይ ክትርአ እትኽእል ዋህዮ፡ ኣዝያ እተሓላለኸት ንእሽቶ ከሚካዊት ቤተ-ምርምር እያ። ብቕልጡፍ ድማ ትዓቢ። ኣብ ማሕጸን ክሳዕ ክልተ ወርሒ ኣብ ዘሎ እዋን፡ እቲ ቐንዲ ኣካላትና ቅርጺ ይሕዝ። ኰላሊትና ገለ ካብቲ ኣካላት እየን። ክንውለድ ከሎና: ኰለሊትና ንደምና ከጻርያ: ማለት ንመርዛም ነገራትን ነቲ ዘየድሊ ማይን ኣወጊደን: ጠቓሚ ንጥረ-ነገራት ኪዕቅባ ድልዋት ይዀና። ...