ወዲ ሰብ ይነብረሉ ኣብ ዘበለ ክፍሊ ዓለም ኩሉ ኣዕዋፍ ኣለዋ። ኣዕዋፍ ኣዝየን ኣገረምቲ ፍጥረታት ኢየን። በቲ ግሩም ክእለት ኣበራርረአን፡ ብዘለወን መሳጢ ሕብሪ ክንቲት፡ ብጥዑም ድምጸን፡ ብዝህብኦ ጥቕሚ …..ወዘተ ንወዲ ሰብ ኩሉ ሳዕ ምስ መሰጥኦ ኢየን። ኣዕዋፍ ዓንዲ ሕቖ ምስ ዘለዎም እንስሳታት ይምደባ። ከም መጥበውቲ ደመ-ውዑያን እንስሳታት’ውን ኢየን። ይኹን’ምበር፡ ኣዕዋፍ ካልኦት እንሳታት ዘይብሎም ነገር ይውንና ኢየን – ክንቲት። መላእ ኣካላተን ብኽንቲት ...

እዚ ዛንታ ናይ ሓደ ንእሽተይ ማዕበል እዩ፣ እዚ ንእሽተይ ማዕበል ኣብ ልዕሊ ውቅያኖስ ወጺኡ ናብዝን ናብቲን እናበለ። ነቲ ጥዑም ንፋስን ንጹህ ኣየርን የስተማቕር ነበረ፣ ቅድሚኡ ዝነበረ ማዕበል ኣብ ገምገም መሬት ምስ ዝነበረ ከውሒ ክራጸም ምስ ረኣየ። እቲ ፍሱህ ገጹ ተደወነ፣ “ኦ ኣምላኸይ! እንታይ’የ ክኸውን? ኣንታ ትርኢዶ ኣለኻ?” እናበለ ብፍርሒ ተጐብአ፣ ማዕረኡ ሓደ ካልእ ማዕበል መጽአ፣ ነዚ ቀዳማይ ንእሽተይ ማዕበል ገጹ ...

ሕማም ጸቕጢ፡ ንመላእ ኣካላትና፡ ማለት ኩነተ-ኣእምሮና፡ ሓሳባትና፡ ባህርያትናን ደጋዊ ኣካላትናን ዘጥቅዕ ሕማም’ዩ። እዚ ሕማም’ዚ ንኣመጋግባናን ድቃስናን ዝጸሉ፡ ኣብ ነብስናን ነገራትን ዘለና ኣረዳድኣ ዘመዛብል ሕማም’ዩ። ሕማም ጸቕጢ፡ ከም ካልኦት ሕማማት ደረጅኡ ክፈላለ ይኽእል። እቲ ዝኸፍአ ኣብ ስሩዕ ህይወትካ እናኣተወ ዕንቅፋት ክፈጥረልካ ዝኽእል ክኸውን ከሎ፡ እቲ ሓደ ድማ ነዊሕ ግዜ ዝጸንሕ ግን ከኣ ኣሽጋሪ ዝዀነ ሳዕቤን ዘይብሉ ዓይነት ጸቕጢ’ዩ። ጠንቂ ሕማም ጸቕጢ፡ ...

ኣብ ዘዝኣተኹዎ ገዛ ዝተሰቕላ ናይ መንደቕ ሰዓት ኵለን ናብ ሓደ ሸነኽ ክዞራ ምስ ረኣኹወን። “እውይ እዚኣ ከምታ ናትና። ናብዚ ትዘዉር።” እብል ነበርኩ፣ ሓደ ዓይነት ምዃነን እግረም ነይረ፣ ዓብየ ከመዛዝን ምስ ከኣልኩ። ኵልና ንሰማማዓሉ ሓደ ዓይነት ኣቈጻጽራ ክህልወና ስለ ዘለዎ’ዩ ዝኸዉን ዝብል ግምት ነበረኒ፣ ኣብ ኢንተርነት ክፍትሽ ካብ ዝጅምር ግን ብዘይካ’ዚ ካልእ ብዙሕ ሕቶታት ተመሊሱለይ እዩ፣ እዘን ኣብ መንደቕ ወይ ኣብ ...

ንግሆ ብግቡእ ቁርሲ ምብላዕ ንጥዕናና ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። እንተዀነ፡ ካብቶም ኣብ ግዜ ቁርሲ ክብልዑ ምቹኣት ዘይኮኑ መግብታት ካብ ምብላዕ፡ ከይቆረስካ ምውዓል ይምረጽ። ነቶም ኣብ ግዜ ቁርሲ ክንበልዖም ዝግበኣና መግቢ ምምጋብ፡ ሓይሊ ክህበናን ካብ ብሰንኪ ጥምየት ዝመጹ ሕማማትን ኣብቲ ዝተረፈ ግዜ ዓቐን ዘይብሉ ካብ ምብላዕን ይከላኸለልና። እዞም ዝስዕቡ ኣብ ግዜ ቁርሲ ክንምገቦም ዝግበኣና ዝበለጹ መግብታት እዮም። እንቋቚሖ፦ እዚ፡ ሓደ ካብቶም ዝበለጹ ኣብ ...

ዓቐን • 1 ኺሎ ዓሳ • 1 ኺሎ ድንሽ ተቐሪፉ ዝተመትረ • 1 ዓቢ ሽጕርቲ ቀይሕ ብደቂቕ ዝተመትረ • 4 ማንካ ጣውላ ማርገሪን • 1 ማንካ ሻሂ በርበረ ጸሊም • ½ ሊትሮ ጸባ ዝወዓየ • 3 ኩባያ ማይ ውዑይ • 1 ማንካ ጣውላ ዝደኸመ ሽጉርቲ ጻዕዳ • 2 ማንካ ዝደኸመ ፐርሰሜሎ ሰዴኖ • ጨው ከም ኣድላይነቱ – ነቲ ዓሳ ሓጺብና ...

“ዕዉታት ኣየቋርጹን እዮም። እቶም ዘቋርጹ ከኣ ኣይዕወቱን እዮም” እትብል ረዛን ኣበሃህላ ናይ መን ምዃና ኣይዝክራን። እንተዀነ ከምዛ እትስዕብ ዛንታን መሰልታን ክሰምዕን ከንብብን እንከለኹ ወርትግ’ያ እተተሓሳስበኒ። ብዙሓት ካባና ዛንታ ኣብነታውያን ዕዉታት ክሰምዑ ባህ ይብሎም – ሓቆም። ብወገነይ እቲ ዓወት’ውን ሕብሪ ዘለዎ እመስለኒ። እቲ ኣነ ‘ሕብሪ ዘለዎ ዓወት’ ዝብሎ ንጉዕዞ ዓወት ብኽልቲኡ ገጻት፡ ማለት ገጻት ምውዳቕን ምትንሳእን ዘርኢ ምስ ዝኸውን’ዩ። እዛ እትስዕብ ...

ወዲ ሰብ ካብ ካልኦት ፍጡራት ፍልይ ዘብሎ ብልሒ ኣእምሮኡ እዩ። ኩሎም ፍጡራት ከባቢኦም ናብ ጥቕሞም ዘውዕልሉ ሜላ ከም ዘለዎም ዘይዝንጋዕ’ኳ እንተዀነ፡ ናይ ወዲ ሰብ ግን ሓለፋ ኣለዎ። ወትሩ ንባህሪ ኣብ ምንባብን ምጽናዕን’ዩ ዝጽመድ ወዲ ሰብ። እስከ ካብ ንስሪ እንታይ ክንመሃር ንኽእል? ኢልና ንሕሰብ። ምህሮ ቁጽሪ 1 ንስሪ ኩሉ ግዜ ኣብ ኣዝዩ ልዑል ብራኸ ምብራር’ዩ ዝብርሆ። ኣብቲ ንስሪ ዝበጽሖ ብራኸ ዝኾነ ...

ኣትክልቲ ማይን ማዕድናትን ካብ መሬት ብምስሓብ መግቦም ከም ዘዳልዉ ኢና እንፈልጥ። ይኹን እምበር ገለ ኣትክልቲ ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል እንስሳታት ብምብላዕ ይናበሩ። እዞም ስጋ ዝበልዑ ኣትክልቲ ብዓይነት ዝተፈላለዩ ኮይኖም፡ ዝተፈላለየ ጠባያት እውን ኣለዎም። ኣብነት ስጋ ዝበልዑ ኣትክልቲ ትራይፍዮፋይለም ዝበሃሉ ኣትክልቲ ዝኾነ ምንቅስቓስ ኣይገብሩን። ኣብ ልዕሊኦም ንዝዓልብ ሓሰኻ ወይ ለመምታ ግን ይውሕጥዎ። ሳንዲውስ ዝተባህሉ ኣትክልቲ ግን ብጥቕኦም ንዝሓለፈ ግዳይ ኣቑጽልቶም ብምውርዋር ...

ሓደ መዓልቲ ሓደ ናይ ስነ-ልቦና ምሁር ንሓይሊ ኣተሓሳስባን ቃላትን ኣመልኪቱ ኣስተምህሮ እናሃበ እንከሎ፡ ሓደ ወዲ ኢዱ ሓፍ ብምባል፡ “ንዓይ፡ ብቓላት ደጋጊመ ጽቡቕ ዕድል ወይ ሕማቕ ዕድል ብምባል ኣይኮነን ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ዝስማዓኒ። ንዓይ እዚኦም ተራ ቃላት እዮም። ቃላት ዋላ ሓንቲ ሓይሊ የብሎምን” በሎ’ሞ፡ እቲ ምሁር ትቕብል ኣቢሉ፡ “ሱቕ በል ዓሻ፡ ንስኻ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ዋላ ሓንቲ ርድኢት የብልካን” ምስ በሎ፡ እቲ ...