ቲቢ፡ ብባክተርያ ዝስዕብ ሕማም እዩ። ባክተርያ፡ ካብ ውሽጢ ኣካላት ሰባት ሓሊፉ ኣብ ኵሉ ቦታ ዝርከቡ ንኣሽቱ ዘይርኣዩ ተሃዋስያን እዮም። መብዛሕቶም ባክተርያ፡ ዘይጓድኡ፡ ጠቐምቲ’ውን እዮም። እቶም ጠቐምቲ ባክተርያ ኣንብሎም ነቲ እንበልዖ መግቢ ኣብ ምሕቓቕ ተራ ዘለዎም ባክተርያ መዓንጣ እዮም። ሓደ ሓደ ባክተርያ ግን ጐዳእቲ እዮም። ነቲ ረኽስታት ኢልና እንጽውዖ ሕማም ከምጽኡ ይኽእሉ። ቲቢ ዘስዕብ ባክተርያ፡ ብዓይነቱ ሓደ ካብዞም ባክተርያ’ዩ። ባክተርያ ኣብ ...

ቅንኢ እንተዘይበዚሑ ኣብ ጉዕዞ መጻምድቲ ብፍላይ ከኣ ኣብ ፍቕሪ ቀመም’ዩ። ነቲ ኣብ መንጎ መጻምድቲ ዘሎ ፍቕሪ ከኣ ከም ዝዓብን እነናሻዕ ከምዝደምቕን ኣብ ምግባር ዕዙዝ ተራ ይጻወት። እንተኾነ ኣብ መንጎ መጻምድቲ ዝህሉ ምቅንናእ ሚዛናውነት ኣብ ዘጥፋኣሉ እዋን ብፍላይ ከኣ ናብ ኣመና ቅንኢ ኣብ ፍቕሪ ነብሰ ምትሓትዶ ወይስ. . . ሓደ መጻምድቲ ጥራይ ኣብ ዝዘዝወሉ እዋን ንዕድመ ፍቕሪ ኣጥፊኡ ናብ ዘይተደልየ ባእስን ...

ምንቁልቋል ብቕዓት ኣእምሮ፡ ንዓበይቲ ሰባት ዝተማልአ ሂወት ንኸየስተማቕሩ ካብ ዝገብሮም ረቛሒታት ሓደ’ዩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ድማ፡ ብዕድመ ንዝደፍኡ ሰባት ዓሰርተ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ታዕሊም ልብወት (ኣእምሮ) ምሃብ ንዓሰርተ ዓመት ዝጸንሕ ዝሓሸ ናይ ምሕሳብን ካልእ ንጥፈታትን ኣእምሮ ክህልዎም ከምዝገብር ሓቢሩ። እቲ መጽናዕቲ፡ ኣብ መንጎ’ቶም ናይ ኣእምሮ ታዕሊም ዝረኸቡን ዘይረኸቡን ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ብምንጽጻር ዝተኻየደ ኰይኑ፡ እቶም ታዕሊም ኣእምሮ ዝረኸቡ ሽማግለታት ...

ፖርቱጋላዊ ሆዜ ሞሪኖ ኣብ ግዜ ጸወታ ብተደጋጋሚ ግዜ ኣብ ኢዱ ኣብ ዝሕዛ ንእሽቶ ጥራዝ (ኖትቡክ) ክጽሕፍ ይረአ’ዩ። እንታይ ከምዝጽሕፍን ንምንታይ ከምዝጥቀመሉን ተሓቲቱ ድማ ከምዚ ክብል መሊሱ: ‘ብዙሕ እዋን ኣብ ግዜ ዕረፍቲ ብዛዕባ ንዛተየሉ ኣጋጣሚታት’የ ዝጽሕፍ፡ ብተወሳኺ ድማ ዝደኸመ መስመርን  ዝሓየለ መስመርን ጋንታይ ንምዝታይ ዝእንፍት ሓሳባት አስፍር። እዚ ድማ መን ከም ዝደኸመን መን ክቕየር ከምዝግብኦን ንምንጻር ይሕግዝ። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ...

ዝኾነ ነገር ልዕሊ ዓቐን እንተኾይኑ ጸገም ከም ዘለዎ ንማንም ስውር ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ’ዩ ኣበዋት መዓር እንተበዚሑ ይመርር’ዩ ዝብሉ። እስከ ልዕሊ ዓቐን ዘስዕባ ጸገማት ንርአ:  ልዕሊ ዓቐን ማይ  ጀኒፈር ሊ ዝተባህለት ሰብ፡ “Hold Your Wee for a Wii.” ኣብ ዝብል ናይ ሬድዮ ውድድር ክትዕወት ብምሕሳብ ልዕሊ ዓቐን ማይ ብምስታያ ሂወታ ስኢና። እዛ ኣደ ክልተ ቈልዑት ሰበይቲ “ሽንቲ ከይሸነ ንነዊሕ ዝጸንሐ ...

ሉል ብኣቸቶ ከምዝመክኽ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ መሐንበሲ ጋብላ ኣብ ሃገረ  በልጂዩም ዝርከብ ኮይኑ፡ 33 ሜትሮ ዕምቆት ይውንን ቋንቋ ሃዋይ ብ12ፊደላት ዝቘመ’ዩ ኣብ 1949 ኣብ ጃፓን ዝተሰርሐት ኤለክትሮኒካዊት ማኪና ሓንሳብ ቻርጅ ምስ መልአት፡ ን200 ኪሎ ሜተር ብዘይ ዝኾነ ጸገም ክትጐዓዝ ትኽእል ምንባራ እቲ ዝነውሐ ናይ ማእሰርቲ ብይን 384,912 ዓመታት ኮይኑ፡ ንወዲ 22 ዓመት መንእሰይ ዝተፈርደ’ዩ እቲ መንእሰይ ነዚ ዝተፈረደሉ ምኽንያት ...

Play Quick Fire Pool Instant Play Quick Fire Pool Instant – More Puzzle games – Terms and Conditions – Privacy Policy ...

  ኣርባዕተ  ኣኣርባዕተ  ኣለዋኹም፤ (4,4,4,4)፣ ነፍሲ-ወከፈን ሓንሳእ ጥራይ ክትጥቀሙለን ትኽእሉ፣ ደስ ዝበለኩም ተግባራት ቍጽሪ ብምጥቃም (+ – x /) ዕስራ (20) ከም ዝመጽእ ግበሩ? 4___4___4___4 = 20 ...

ገዛእ-ርእስኻ ክሳብ ዘይኣመንካ። ዋላ ሓደ ሰብ ኣይክኣምነካን እዩ።     ...

ክኢላታት ስነ-ኣኣምሮ፡ ሓደ ሰብ ንዝስምዖ ደረጃ ሕርቃን ንምዕቃን ፈተነታት ኣካይዶም እዮም። በቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ መሰረት ከኣ፡ ኣብ ሰባት ዘጋጥም ሕርቃን ዝተፈላለየ’ዩ። ገለ ሰባት ቀልጢፎም ክሓርቁን ክቑጡዑን ይኽእሉ። እዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት እቲ ዘሕርቖም ዘሎ ነገር ንኽፈልጡ ስለ ዘይሽገሩ፡ ሕርቃኖም ክፈትሑን ካብ ቁጥዓኦም ክሃድኡን ግዜ ኣይወስደሎምን። ገለ ሰባት’ውን ብባህሪኦም ዝያዳ ኣብ ነገራት ተቖጣዕትን ነደርትን ይኾኑ። ተመራማሪ ስነ-ኣእምሮ ዝኾነ ዶክተር ጀሪ ደፊን ...