ብሪጣንያዊ ጀሰን ኖክ ብስእነት ድቃስ ካብ ዝሳቐ ሓያሎ መዓልታት ኣቚጺሩ ነበረ። ሕማሙ ንምፍዋስ ግን ኣብ ክንዲ ናብ ሕክምና ናብ ኢንተርነት’ዩ ኣምሪሑ።  መገዲ መርበብ ኢንተርነት ድማ ነቲ “መድሃኒት” ክለኣኸሉ ጠለበ። ፍርያታ ብመገዲ ኢንተርነት ተወዓውዕ ትካል ብወገና ኤች-7921 ዝዓነቱ ኣደንዛዚ ፈውሲ ለኣኸትሉ። ይኹን’ምበር ንሱ ነቲ ብመገዲ ኢንተርነት ዝገዝኦ መድሃኒት ከየረጋገጸ ብልዑል ዓቐን ክወስዶ’ዩ ተራእዩ። እቲ ወዲ 41 ዓመት ሰብኣይ “ከድሕነኒ” ኢሉ ዝሓሰቦ ...

ጸወታ ቢልያርዶ ነዊሕ ታርኽ’ዩ ዘለዎ። ኣብ 1340 ዓመተ ምህረት ይጽወት ከም ዝነበረ ታሪኽ ይነግረና። ቢልያርዶ ክሳብ ናይ ዋንጫ ዉድድር’ዩ ዝካየደሉ። ኣብዚ ዘለናዮ 21 ክፍለ ዘመን፡ ግን ከም ስፖርት ዘይኮነ መልክዑ ቀይሩ ከም መጣልዒ ክጽወት ጀሚሩ ኣሎ። ከምኡ ክኸዉን ዝኸኣለ ከኣ ተጻወቲ ይኹኑ ወነንቲ ትካል ኣብ ዝያዳ ጥቕሚ የዘንብልዎ ብምህላዎም’ዩ። ቢልያርዶ፡ ኣብ ጥንቲ ካብ ገዛ ወጻኢ ዝጽወት ጸወታ’ዩ ነይሩ። ካብ 1591 ...

ፍቱዋት ቆልዑ ንሰማይ ገጽኩም እንተጠመትኩም ሓደ ሓደ ግዜ ደበና ትዕዘቡ ኢኹም። ብፍላይ ብርቱዕ ጸሓይ ኣብ ዝጸንሓሉ ጸሓይ ብደበና ክትሽፈን ከላ ዝሕል ክብለና ከኣ ባህርያዊ’ዩ። ብዛዕባ ደበና ግን እንታይ ትፈልጡ? ደበና ካብ መሬት ዝሃፈፈ ጠሊ ዘለዎ ምዉቕ ኣየር፣ ኣብ ከባቢና ምስ ዝርከብ ዝሑል ኣየር ምስ ተራኸበ ዝፍጠር ክሊማዊ ኩነታት’ዩ። ኣብ ውሽጢ’ቲ ደበና፣ በዚ ዝሑል ኩነታት ኣየር ዝፍጠሩ ነጠብጣባት ማይ ኣለዉ። እዚ ...

ኣዛምዱ 1. ንደርሆ                       A. ቻ! 2. ንድሙ                      B. ዓር! 3. ንኣድጊ                      C. ሳዕ! 4. ንበጊዕ                       D. ዱም! 5. ንጤል    ...

ዓቐን።- – 1/4 ኺሎ ስጋ ከብዲ ናይ ብዕራይ – 2 ማንካ ጣውላ ዝደኸመ ፐርሰሜሎ – ሓደን ፈረቓን ልትሮ መረቕ ደርሆ/ ዳዶ – 1/2 ኩባያ ማርጋሪን – 1/2 ኺሎ ዝደኸመ ጉንዲ ሰዴኖ – 1 ማንካ ሻሂ በርበረ ጸሊም – 1 ማንካ ጣውላ ዝደኸመ ሽጉርቲ ጻዕዳ -1 ማንካ ጣውላ ሓርጭ – ማንካ ሻሂ ጨው – 2 ኩባያ ጸባ ኣገባብ ነቲ ስጋ ከብዲ ...

ዓቐን።- – 1 ንእስ ዝበለ ካውሎ ካቡቺ – 1 ኺሎ ቀይሕ ሱር – ክልተን ፈረቓን ሊትሮ መረቕ ደርሆ/ ዳዶ – 1 ዓቢ ሽጉርቲ ቀይሕ ብደቂቕ ዝተመትረ – 1 ማንካ ሻሂ በርበረ ጸሊም – ፍርቂ ኩባያ ፎርማጆ – 8 ባኒ ብኸቢብ ዝተመትረ – 3 ማንካ ሻሂ ማርጋሪን – 3 ማንካ ጣውላ ዝደኸመ ፐርሰሜሎ – 1 ማንካ ጣውላ ዝደኸመ ሽጕርቲ ጻዕዳ – ...

ነቶም እትፈልጥዎ መዘኻኸሪ ነቶም ዘይትፈልጡዎ ከኣ ምእንቲ ክትፈልጡዎ ነዚ ብዛዕባ ፒኮክ ዝድህስስ ጽሑፍ ኣንብቡ። ፒኮክ ካብ’ቶም ገዘፍቲ ዓይነት ኣዕዋፍ’ዮም። ኣንስተይቲ ፒኮክ ክሳብ 86 ሴንቲ ሜተር ቁመትን 3.4 ኪሎ ግራም ክብደትን ክህልዋ ከሎ፣ ተባዕታይ ድማ ልዕሊ ክልተ ሜትሮ ቁመትን ኣስታት ሓሙሽተ ኪሎ ግራም ክብደትን ኣለዎ። ክልቲኦም ጾታ ብልምዲ “ፒኮክ” ተባሂሎም’ዮም ዝስመዩ። ሰለስተ ዓይነት ፒኮክ’ዮም ዘለዉ። እቶም ክልተ ዓይነት ኣብ ኤሽያ ዝርከቡ ...

ታኮሜተር ብደገ ክትርእዮ እንከለኻ፡ ብስልኪ ዝተጠቕለለ ማግኔት’ዩ ዝመስል። ብቐንዱ ግን፡ ምስ’ቲ ሞቶረ ክትንስእ እንከሎ ዝንቀሳቐስ ሰናን ዕንክሊል ኣካል ሞቶረ ተተሓሒዙ ዝርከብ ናይ ኤለትሪክ ጀነሬይተር’ዩ። እቲ መጋዝ መሰል ስኒ ዘለዎ ዕንክሊል ንባዕሉ ካብ ጽሩይ ሓጺን ዝተሰርሐ ኮይኑ፡ ኣስናኑ ናብ’ቲ ቀዋሚ ማግኔት ጊቦም ክዞሩ እንከለዉ ንግዜኡ ማግኔታዊ ጠባይ ክሕዙ ግድን’ዩ። እዞም ኣስናን እዚኣቶም ካብ’ቲ ቀዋሚ ማግኔት ክርሕቁ እንከለዉ ድማ ሒዞሞ ዝጸንሑ ማግኔታዊ ...

* ግመል ክሳብ 30 ጋሎን (113 ሊትሮ) ኣብ ውሽጢ 13 ደቓይቕ ክሰቲ ይኽእል። * ኣብ መወዳእታ 2021 ካብ ዝተረኽበ ጸብጻብ፡ 500 ሚልዮን መልእኽትታት ኣብ ትዊተር መዓልታዊ ይእንገድ ኔሩ። * ፍሬንች ፍራይስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ካብ ድንሽ ዝስራሕ መግቢ፡ መበቆሉ ፈረንሳይ ዘይኮነስ ቤልጅዩም’ዩ። * ኣብ መዓልቲ ኣስታት 7 ሚእታዊ ዝኾኑ ኣሜሪካውያን፡ ማክዶናልድ ይምገቡ። ...

እቲ ፍቕሪ ዘይብሉ ሰብ፡ ፍቕሪ’ውን ንባዕሉ ኣይረኽቦን’ዩ። *** ኣብ ግንባር ብጻይካ ዘሎ ሃመማ ብመንገፊ ኣይተንፍሮ። *** ፍቕሪ ዘለዎ ሂወት ሕጉስ’ዩ፡ ንፍቕሪ ዝነብር ሂወት ግን ዕሽነት’ዩ። *** ፍቕሪ ንሓደ ሰብኣይ ዕውርን ጸማምን’ዩ ዝገብሮ። *** ኩሉ ግዜ ናብ ፍቕሪ ፈለማና ኢና እንምለስ። ...