‘‘ፈጺምካ ኣይትፍራሕ በቲ ቅኑዕ እትብሎ መንገዲ ጥራይ ንበር።’’ ኔል ኤ ማክስዌል ንህይወት ክትነብራ ኢኻ ኣብ ዓለም ሃሊኻ። ስለዚ ክሳብ ዝተፈቕደትልካ እዋን ፈጺምካ ከይፈራሕካ በቲ ቅኑዕ እትብሎ መንገዲ ክትጓዓዝ ፈትን። ልክዕ ከምታ ዝበርገገት ሰሳሕ፡ ኩሉ ነገራት ብስግኣት እትጥምቶ እንተዄንካ ግን ፈጺምካ ንሂወት ከተስተማቕራ ኣይኮንካን። ስለዚ ፍርሒ ኣወጊድካ ካብቲ ተሸጊጥካሉ ዘለኻ ጎጆ ፍርሒ ውጻእ። ንዓለም ከኣ ብዙርያኣ ብዘይስክፍታ ጠምታ።  ...

ወርሒ ሓንሳብ ከባብ ሓንሳብ ፍርቂ ክቢ ሓንሳብ ድማ ኣዝያ ቀጢና ትርኣየና’ያ። ወርሒ ግን ሓደ ውሱን ቅርጺ’ዩ ዘለዋ። ንኩዑሶ ከኣ ትመስል። ዝተፈላለየ ቅርጺ ዘለዋ ኮይና ትርኣየና ብሰንኪ’ቲ ካብ ጸሓይ ትረኽቦ ብርሃን’ዩ። ወርሒ ኣብ ዙርያ ምድሪ’ያ ትዘውር። ምድሪ ድማ ኣብ ዙርያ ጸሓይ ትዘውር። ኣብ ከምዚ ዙረት ድማ ወርሒ ካብ ጸሓይ ትረኽቦ ብርሃን ዝተፈላለየ ይኸውን። ወርሒ እናዞረት፡ እቲ ናብ ጸሓይ ዝጥምት ክፋል ወርሒ ...

ዓቐን – 1 ንእስ ዝበለ ካውሎ ካቡቺ – 3 ኮመደረ ንቑመት ዝተመትረ – 1 ጉዕ በርበረ ንቑመት ዝተመትረ – 1/2 ማንካ ሻሂ ጨው – 1/2 ማንካ ሻሂ በርበረ – ቀመም ሰላጣ ኣገባብ ነቲ ካውሎ ኣድቂቕና ብቑመት መቲርና ሓጺብና ኣብ መዝፈፍ ማይ ጌርና ካብ ማዩ ነጽፍፎ። ቀጺልና ካውሎ ኮመደረ፣ ጉዕ በርበረ፣ ጨው፣ በርበረ ጸሊምን ቀመም ሰላጣን ጌርና ኣወሃሂድና ንመግቢ ንቕርቦ። ...

ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣብ ዝተባህለት ናይ ኣውስትራልያ ዞባ ካብ እትርከብ ከተማ ፎርብስ ዝተበገሰት ንእሽቶ ናይ ሕርሻ ነፋሪት ዝመርሕ ዝነበረ ኣብራሪ ድሕሪ 10 ደቓይቕ ብሰንኪ ሕማም ቀልቡ ብምጥፋኡ፡ ወዲ 19 ዓመት ተሳፋሪ ነቲ መቈጻጸሪ ብምሓዝ ን45 ደቓይቕ ከም ዘብረራ ተፈሊጡ። ሓንሳእ ጥራይ ናይ ምብራር ዕድል ረኺቡ ዝነበረ መንእሰይ ትሮይ ጀንኪንስ ነታ ነፋሪት ከዕልብ ክብል ሓደጋ ከይፈጥር ስለ ዝፈረሐ ኣብ ጥቓ እቲ ...

ልዑል ግዝፊ ዝውንኑ ጸዓዱ ሻርክ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ክንገረሎም ዝጸንሐ ንላዕሊ ናይ ምንባር ዕድመ ከምዘለዎም ተመራመርቲ ገሊጾም። እቶም ተመራመርቲ  ጽናዕቶም ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ዘካየድዎ ኰይኖም፡ ዕምሪ ናይ ሻርክ ንምርግጋጽ ዕድመ ዘፍልጥ ራድዮ ካርቦን ደይቲንግ ዝተባህለ ቴክኒክ’ዮም ተጠቒሞም። በዚ ከኣ፡ ጸዓዱ ሻርክ ዘይከምቲ ክንገረሎም ዝጸንሐ ካብ ሰብዓ ዓመት ዕድመ ንላዕሊ ክነብሩ ከምዝኽእሉ ውጽኢት ናይቲ መጽናዕቲ ኣነጺሩ። ብሰመረት እዚ ሓድሽ ...

ጸባ ጡብ ኣደ እኹልን ብቐሊሉ ዝሓቅቕ መኣዛታት መግቢ ዘለዎ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ሕማማት ዝከላኸልን፡ ኣብ መንጎ ኣደን ህጻንን ፍቕሪ ዘደልድል ንህጻን ዝተዳለወ ህያብ ኢዩ። ህጻን ምስ ተወልደ ድማ ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ሰዓት ክጠቡ ኣለዎ። ንመቕመሲ ተባሂሉ ዝወሃብ ዝኾነ ነገር ነቲ ህጻን ዝኾነ ረብሓ ስለዘይብሉ ፍጹም ክወሃብ የብሉን። ኣብ ፈለማ ን3 መዓልታት ዝፈስስ ሓፊስ ጸባ ጡብ ኣደ ልግዐ ኮይኑ ነቲ ህጻን ሓይልን ...

– ጸረ-ረኽስን ነድርን የገልግል – ትሕዝቶኡ፡ ላክቲክ ኣሲድ (lactic acid) ስለዘለዎ፡ ንዳንዱር (ታሕተዋይ ኣካል ናይ ረጒድ መዓንጣ) – ቃንዛ ርእሲ የህድእ! – ካብ መጥቃዕቲ ናይ ካንሰር ይከላኸልን ንካልኦት ናይ ቈርበት ሕማማት ይፍውስን! – ጒንዲ ናይ ሓምሊ ካውሎ ጸሚቚካ ምስታይ ዝበለጸ ፈውሲ ነድሪ ከስዐ’ዩ! – ብጋስትራይት ትሽገር እንተደኣ ኴንካ፡ ሓድሽ (fresh) ጽሟቕ ካውሎ ስተ! – መዓልታዊ ካብ 25 ክሳብ 50 ሚሊ ...

ዓቐን።- – 2 ኩባያ ጥሑን ኮመደረ – 2 ማንካ ጣውላ ሓርጭ – 2 ማንካ ጣውላ ማርገሪን – 3 ኩባያ ጸባ – 1 ማንካ ሻሂ በርበረ ጸሊም – 1 ዳዶ – ጨው ከም ኣድላይነቱ ኣገባብ ኣብ ድስቲ ማርገሪን ኣምኪኽና፣ ሓርጭ ኣእቲና ኣጸቢቕና ነሕብሮ። ጸባ እናኣእተና ድማ ክሳዕ ዝሓፍስ ነዅሶ ነቲ ጥሑን ኮመደረ ኸኣ ንበይኑ ንፍርቂ ሰዓት ዝኸውን ኣብሲልና ጸኒሕና ኣብኡ ኣእቲና ...

እንቋቝሖ ውልድ ምስ በለ እዩ ክበላሾ ዝጅምር። ብፍላይ ኣብ ውዑይ ኵነታት ኣየር፣ ብቕዓት እንቋቝሖ ቀልጢፉ የንቈልቁል። ስለዚ፣ ንእንቋቝሖታት ኣብ ቀጥታዊ ብርሃን ጸሓይ ዘይምግዳፎም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ኣዝዩ ተመራጺ መኽዘናዊ ሙቐት፣ ካብ 4 ክሳዕ 13 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ  እዩ። ብፍላይ ኣብ ሙቐት ዘሎዎ ከባቢታት ዝፈሪ እንቋቝሖታት፣ ዋላ’ውን ንውሑድ ደቓይቕ ይኹን ኣብ ቀጥታዊ ብርሃን ጸሓይ ዘይምግዳፍ። ሓረስቶት ወይ ኣፍረይቲ ድማ ብውሑዱ ...