ምድረበዳ ክበሃል ከሎ ካብ መጠን ንላዕሊ ሙቐት ዘለዎ፡ ኣግራብ ዘይበቑልዎን እንስሳታት ዘይነብርዎን ኮይኑ ዝስመዓና ብዙሓት ኢና። ምድረበዳ ዝበሃል ግን ብሰንኪ ዋሕዲ ጠሊ ብዘይካ ፍሉያት ፍጥረታት፡ ህይወታውያን ክነብርሉ ዘይምቹእ ኣከባቢ ማለት’ዩ። ምድረበዳ ካብ መጠን ንላዕሊ ሙቐት ዘለዎ ጥራይ ኣይኮነን። ካብ መጠን ንታሕቲ ዛሕሊ ዘለዎን ንህይወታውያን ዘይምቹእን ኣከባቢ’ውን ምድረበዳ’ዩ ዝበሃል። ኣብቲ ዝሑል ዝበሃል ምድረበዳ ኩሉ ወይ ድማ መብዛሕትኡ ጠሊ ናብ በረድ ስለዝቕየር ...

ብሩስ ሊ ኣብ ሂወቱ ምሉእ ሓደ ግዜ ጥራይ’ዩ ኣብ ግጥም ካራተ ተሳዒሩ። ወዲ 13 ዓመት እንከሎ። እዚ ስዕረቱ’ዚ እዩ ድማ ‘ማርሻል ኣርት’ ንኽመሃር ደፋፊኡዎ። ሓደ ዪፕ ማ ን ዝተባህለ ናይ ዊ ንግ ቹ ን መምህር እዩ ምሂርዎ። ካልኦት መማህርቱ ዝ ነበሩ ተማሃሮ፡ ብሩስ ሊ ውጹእ ቻይናዊ ከምዘይኮነ ምስ ፈለጡ ምስኣቶም ክመሃር ኣይፈቐድሉ ን ። ስለ’ዚ ከኣ ዩፕ ማን ብውልቁ ክምህሮ ...

1. ብትሕዝቶ ካልሽዩም፡ ፖታሽየም፡ ብረት፡ ቪታሚን ‘ኤ’ ‘ቢ’ ን ‘ሲ’ን ሃብታም’ዩ። 2. ካብ ሕማማት ካንሰ ር ስርዓተመፍረ ወ ዲ ተባዕታይ (Prostate cancer) ን ልዑል ጸቕጢ ደምን ይከላኸለልና። 3. ንዝተናውሐ ጽግያት፡ ኣዝማ፡ ነድሪ መዓናጡን ስቶማኮን ይፍውስ። 4. ኣንጻር ጉንፋዕን ሰዓልን ይከላኸል፡ ኣብ ናይ ስርዓተ ምስትንፋስ ቱቦ ከምጸረ ረኽሲ ኮይኑ የገልግል። 5. ድርቀት የፋዂስ፡ ስርዓተ ምሕቃቕ መግቢ የደንፍዕ፡ ከምኡ’ውን ክብደት ኣብ ምንካይ ...

“ኣፕሊከሽን”- ደብዳቤ ደላይ ስራሕ እዩ ነይሩ። “ፕሮግራም”- ምርኢት ቴሌቪዥን’ ዩ ነይሩ። “ሜሞሪ” -እናኣረግካ ክትከይድ እንከሎኻ እናጎደለ ዝመጽእ ነገር’ዩ ነይሩ። “ከርሰር” – ጽያፍ’ዩ ነይሩ። “ኪ ቦርድ” – ፒያኖ (መሳርሒ ሙዚቃ) እዩ ነይሩ። “ዌብ”- ዓለባ ሳሬት እዩ ነይሩ። “ቫይረስ” – ጉንፋዕ ወይስ እንፍሉዌንዛ’ዩ ነይሩ። “ማውዝ ፓድ” – ሰፈር ኣንጭዋ’ዩ ነይሩ። ...

ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት’ዩ። ኣብ ሓደ ዓዲ ብዘይካ ሓቂ ሓሶት ተዛሪቡ ዘይፈልጥ ለባም ሰብኣይ ነበረ። ብኸምዚ ድማ ደቂ ዓዲ ጥራይ ዘይኮኑ ኣሽሓት ኪሎሜተራት ርሒቖም ዝነብሩ’ውን ይፈልጥዎ ነበሩ። ሓደ መዓልቲ ወረ ናይዚ ሰብኣይ ናብ ንጉስ ናይቲ ዓዲ በጽሐ። ንጉስ፡ ነዚ ላባምን ዘይሕሱን ሰብኣይ ክረኽቦ ደለየ። ወተሃደራቱ ልኢኹ ድማ ጸውዖ። እቲ ዘይሕሱ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቀረበ። “ፈጺምካ ሓሲኻ ኣይትፈልጥን’ዩ ዝበሃል፡ እዚ ሓቂ ...

ዓቐን።- – 5 እንቋቑሖ ዝበሰለ – 4 ማእከላይ ቀይሕ ሱር – 1 ማንካ ሻሂ ጨው – 2 ማንካ ጣውላ ኣቸቶ ኣገባብ፦ ነቲ ቀይሕ ሱር ሓጺብና ነብስሎ፣ ኣብሲልና ኸኣ ቀሪፍና ኣርቂቕና ብኸቢብ ንመትሮ፣ ጨውን ኣቸቶን ነስኒስና ኸኣ ነቃምሞ፣ ድሕሪ’ዚ ኣብ ብያቲ በብሓደ ንሰርዖ፣ ነቲ እንቋቑሖ ኸኣ ብመቑረጺ እንቋቑሖ ብኸቢብ ቆሪጽና ኣብ ልዕሊ’ቲ ሓሓንቲ ቀይሕ ሱር ኣቐሚጥና ንሰርዖ፣ ኣመልኪዕና ኸኣ ንመግቢ ንቕርቦ፣ ...

ወዲ ሰብ ክበጽሖ ዘይከኣለ፡ ናይ ሓንጎል ስራሕ ብዙሕ ክህሉ ከም ዝኽእል ምጥርጣር ዘየድልዮ ሓቂ’ዩ። መዓልታዊ ብተመራመርቲ ዝኽሰት ዘሎ ሓደስቲ ምህዞታት ድማ ናይዚ ምስክር’ዩ። ወዲ ሰብ ለይቲ ምስ ደቀሰ ሕልሚ ይሓልም’ዩ። ንሕልሚ፡ ቀትሪ እትርእዮ ወይ ኣብ ሕሉፍ ግዜ ዝረኣኻዮ’ዩ ሕልሚ ተመሲሉ ዝመጽኣካ ዝብሉ ብዙሓት እዮም። ተመራመርቲ ናይዚ ዓዉዲኸ? ኣብ ከባቢ 1820 ዝነበረ ፈረንሳዊ ተመራማሪ፡ ሕልሚ ማርኮይስ ዲ ሀርቨይ፡ ኣብ 1653 ወዲ ...

ብደረጃ ዓለም “ዝሃብተሙ ሰባት” ተባሂሎም ኣብ ቅድሚት ዝስርዑ 85 ቢልዮነራት፡ ኣኻዕቢተሞ ዘለዉ ሃብቲ ማዕረ’ቲ ፍርቂ ካብ ህዝቢ ዓለምና (3.5 ቢልዮን ህዝቢ) ዝውንኖ ድምር ሃብቲ ከምዝኾነ ብኦክስፎም ዝተዘርግሐ ኣብ  2014 ዝተኻየደ  መጽናዕታዊ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ምኽፋት ዋዕላ ቁጠባ ዓለም ኣብ ዳቮስ – ስዊዘርላንድ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ከምዘነጽሮ፡ እቶም ናይ ዓለምና ዝሃብተሙ 1% ሰባት ብጠቕላላ ኣስታት 110 ትሪልዮን ዶላር ...

እታ መዓልቲ ንኣቶ ኣንበሳ ቅርስስቲ መዓልቲ ነበረት። ኣንበሳ፡ ማንቲለ ንምሓዝ ይጎዪ ነበረ። ማንቲለ ዘሊላ እሾኽ ናብ ዝበዝሖ ቦታ ኣተወት። ኣንበሳ እግሪ እግራ ብምስዓብ ናብቲ እሾኽ ኣተወ። እንተኾነ ንማንቲለ ክሕዝ ዝሓሰበ ዘይተጸበዮ ሓደጋ ኣጋጠሞ። ኣብ ከብዲ እግሩ በላሕ እሾኽ ኣተወቶ። ብቓንዛ ገዓረ። እናሓንከሰ ድማ ካብቲ እሾኽ ዝበዝሖ ቦታ ወጽአ። ነታ ኣብ እግሩ ዝኣተወት እሾኽ ብኢዱ ከውጽኣ ፈተነ። ከውጽኣ ግን ኣይከኣለን። ብስኑ ...

ሓደ እዋን፡ ገለ ሰባት መኪና ሃሪማትካ ብትሕቲ ጎማ ኣቲኻ ምስ ወጻኻ፡ ‘’ናይ ብሓቂ ዕድለኛ ኢኻ’’ ክብሉኻ እንከለዉ ዘየሕርቕ ኣይኮነን። ብውሽጥኻ ከኣ ‘’ዕድለኛ እንተዝኸውን’ዶ ካብዚ ኩሉ ሰብ መሪጻ ንዓይ ብትሕቲ ጎማኣ ኣእትያተኒ።’’ የብል ይኸውን። እንኾነ ሰባት ከከም ሓሳባቶምን ርድኢቶምን ነቲ ኩነት ክገልጽዎ ይኽእሉ ይኾኑ። ገሊኦም ካብቲ ሓደጋ ብሂወት ብምትራፍካ ጥራይ ከም ዕድለኛ ከገልጹኻ እንከለዉ፡ ገሊኦም በቲ ዘጋጠመካ ሓደጋ ጥራይ ከም ዘይዕድለኛ ...