ሆሳእና- ሕጂ ደሓነ ሓሊማ- መስተውዓሊት ናኦሚ- ደስታ ዓብደላ- ኣገልጋሊ ኣምላኽ ሄለን- ብርሃን ጃዕፈር- ወራሲ ኢሳይያስ- ድሕነት ኣምላኽ ኣማል- ተስፋ ኣልኣሚን- እሙን ኣስቴር- ፍዮሪ ሙና- ትምኒት ሙኽታር- ምሩጽ ...

ዕዉት ንኽትከውን ምሕላም ጥራይ ኣኻሊ ኣይኮነን እንታይ ድኣ ንእትሓልሞ ምትግባር እምበር። – ንሎሚ ብዛዕባ ትማሊ ብምጥዓስ ኣይተባኽን። ንጽባሕ ተሞክሮ ዝኾነካ ዕዮ ዕየ። – ሰባት ንመቕጻዕቲ ፈሪሖም ብሉጻትን ሰብ ዝናን ክኾኑ ምርኣይ እቲ ዝኸፍአ ትርኢት’ዩ። – ፈጠራ ካብ ፍልጠት ይበልጽ። – እቲ እሙን ዓርኪ ዝበሃል ጽቡቕ ጎድንኻ ዝነግር ዘይኮነስ እቲ ኣሉታዊ ሸነኻትካ ብግልጺ ዝሕበር’ዩ። – ተመራማሪ ዓውዲ ፊዚክስ እንተዘይከውን። ሙዚቀኛ ምኾንኩ። ...

ኣብ ቀረባ ግዜ መዓንጣኡ ተኣሲሩ (ተዓጽዩ) ብመጥባሕቲ ዝሓወየ ቤተ ሰብ ኣለኒ። እቲ ጸገም ብምንታይ ይፍጠር? ክንከላኸሎ ንኽእል ዲና ወይስ ካብ ቍጽጽር ሰብ ወጻኢ’ዩ? ራሄል ካብ ጎዳይፍ ዝኸበርኪ ራሄል መዓንጣ ተዓጽዩ ወይ ተኣሲሩ ዝበሃለሉ ጸገም ጥዕና፡ ነቲ ኣብ መዓናጡ ዝርከብ ክለግስ ዝግባእ ትሕዝቶታት ከይወጽእ ዝዓጹ ኣጋጣሚ ምስ ዝፍጠር’ዩ። መዓንጣ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ክዕጾ ወይ ክእሰር ይኽእል፦ • ብባክተርያ ወይ ቫይረስ ዝፍጠር ረኽሲ ...

ሕማም ርእሲ፡ ቃንዛ ናይ ርእሲ፡ ክሳድ ከምኡ’ውን ርእስና ጽቡቕ ምስ ዘይስምዓና ዝህሉ ናይ ሕማም ምልክት ማለት’ዩ። መበገሲ ሕማም ርእሲ ብልክዕ ፍሉጥ’ኳ እንተዘይኮነ መብዛሕትኡ እዋን ሕማም ርእሲ ምስ ናብራ ማሕበራዊ ህይወትናን ምንቕስቓሳትናን ምትእስሳር ከምዘለዎ ክኢላታት ይገልጹ። ከም ሓበሬታ ክኢላታት እዚ ዓውዲ፡ ሕማም ርእሲ ኣብ መንኮብና፡ ኣብ ክሳድናን ኣብ ከባቢ ግንባርናን ዝርከብ ጭዋዳታት ምስ ዝጨባበጥ’ዩ ዝፍጠር። ገለ ካብ ጠንቒ መበገሲ ሕማም ርእሲ ...

– ናይ ሓደ እኹል ሰብ ጸጉሪ ርእሲ ብቑጽሪ ካብ 100,000 ክሳብ 150,000 ኣቢሉ ይበጽሕ። – ብማእከላይ ገምጋም ናይ ሓንቲ ጸጒሪ ርእሲ ዕድመ፡ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሸውዓተ ዓመት ይበጽሕ። – ካብ ሓደ እኹል ሰብ መዓልታዊ ካብ 100-120 ዝበጽሑ ጸጉሪ ይረግፉ። – ሓንቲ ጸጉሪ ርእሲ ክትረግፍ እንከላ ካልእ ኣብ ቦትኣ ትበቁል። እዚ መስርሕ’ዚ ኣብ ህይወትና ልዕሊ 25 ግዜ ይደጋገም። – ፍጡራት ዝውንኑዎ ...

ኣብ መኪና ወይ ኣብ ኣውቶቡስ ኴንና ንወርሒ እንተጠሚትናያ ከተርክበና ትጐዪ ዘላ’ያ ትመስል። እንተቐልጢፍና ትቕልጥፍ ቀስ እንተኢልና ድማ ቀስ ትብል። እዚ ግን ወርሒ ናይ ብሓቂ ከምኡ ትገብር ኣላ ማለት ኣይኰነን። ንዓና ደኣ’ዩ ከምኡ ዝመስለና’ምበር ወርሒ ደድሕሬና ኣይተርክበናን’ያ። ንኹሉ ዝንቀሳቐስ ደድሕሪኡ ክትከይድ ከኣ ኣይትኽእልን’ያ። ሓደ ካብቲ ምኽንያታት እዚ ዝስዕብ’ዩ። ወርሒ ዋላ’ኳ ካብ መሬት ኣዝያ ትንእስ እንተዀነት ኣዝያ ዓባይ እያ። ስለ ዝዀነ ዋላ’ኳ ...

ሓደ እዋን 4 መሓዙት እንቁርዖብ እናዕለላ ብሓደ ይኸዳ ነበራ። እቲ ዝኸዳሉ ዝነበራ መንገዲ ብዙሕ ኣግራብን ዕንጨይትን ዝዓብለሎ ዘይጥጡሕ ነበረ። ሃንደበት ክልተ ካብኣተን ኣብ ሓደ ዓሚቚ ጉድጓድ ኣተዋ። እተን ዝተረፋ መሓዙት እንቁርዖብ ሰንበዳ። ኣብቲ ደንደስ ናይቲ ጉድጓድ ኰይነን ንታሕቲ ናብቲ ጉድጓድ ጠመታ። ኣዝዩ ዓሚቕ ጉድጓድ ከኣ ነበረ። ክሕግዛአን እኳ እንተደለያ ዓቕሚ ኣይረኸባን። ነተን ኣብቲ ጉድጓድ ብምእታወን ዓቕለን ኣጽቢበን ዝነበራ መሓዙተን ድማ ...

ጻጸ ብጻዕሩ ዝተፈልጠ ዓሌት ሓሳኹ’ዩ። ካብ ገዛእ ኣካላቱ ዝገዝፍ መግቢ ዝተፈላለዩ ሜላታት ተጠቒሙ ናብ መንበሪኡ ክኽዝን ይኽእል። ዝብላዕ ክሰኣን ከሎ ምእንቲ ከይጠሚ ኣብ ግዜ ቀውዒ(እኽሊ ዝርከበሉ) ንሓጋይ ዝዀኖ መግቢ ብብዝሒ ይእክብ። ፍቱዋት ቈልዑ እዞም ዝስዕቡ ገለ ሓቅታት ብዛዕባ ጻጸ’ዮም። ሓደ ጭፍራ ጻጸ ክሳዕ 5 ሚልዮን ዝበጽሕ ብዝሒ ጻጸ ክጥርንፍ ይኽእል። ንግስቲ፡ ወተሃደራትን ሰራሕተኛታትን ተባሂሎም ሰስራሖም ይማቐሉ። እታ ንግስቲ ዋላ’ኳ ንግስቲ ...

1. ኣባ ጃዊ ሰለፉ ሃሪሙ ዘእዊ ?                          A. ስም 2. ኣብ ውሽጢ በዓቲ ለይለይ እትብል ?               B .ኣርሓ ደርሆ 3. ጸሊም ጎበዝ ገጽ ንጉስ ዘይሓፍር ?                   C .እዝኒ 4. ንሳ ጸላም ደቃ ጸዓዱ ?  ...

ፍቱዋት ቆልዑ ከመይ ቀኒኹም? እምበኣርከስ ሎሚ ናይ ያፌት ጊጋ ነንብባ እሞ ካብኣ ንመሃር ! ኣቦ ያፌት ኣቶ ዮሴፍ ነታ ካብ ጠቕሚ ወጻኢ ከም ዝኾነት ዝተነግረቶ ረሲቨር ንወዱ ንመጻወቲ ክኾኖ ኢሉ ሂቡዎ። ያፌት ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ኮይኑ ቀዳማይ ክፍሊ’ዩ ዝመሃር። ዝኾነ ነገር ምምርማርን ምፍታሽን ዝፈቱ ያፌት ሎሚ ቅነ ንስክላ እዩ ድሒኑ። ያፌት ነታ ኣቦኡ ክጻወተላ ኢሉ ዝሃቦ ረሲቨር ውሽጣን ውሻጠኣን ክርኢን ...