ምድራዝ እግሪ ከም ፈውሲ ቃንዛ

=> ሓደ ነገር ሃሪሙና ኣብ እንቕንዘወሉ እዋን፡ ናብ’ቲ ተሃስዩ ዘሎ ክፍሊ ኣካላትና ወገን ዝርከብ እግርና ምስ እንደርዞ እቲ ቃንዛ በብቑሩብ ክገድፈና ይኽእል’ዩ። ኣብ ከባቢ’ቲ ተሃስዩ ዘሎ ኣካልና ንዝካየድ ዑደት ደም’ውን ናብ ንቡር ክመልሶ ተኽእሎ ኣለዎ።

=> ቃንዛ ርእስን ሶርኖን ምስ ዘጋጥመና፡ ነጻብዕቲ እግርና ኣትሪርና ብምጥዋቕ (ቃንዛ ክሳብ ዝፈጥር ኣይንጠውቆ) ነቲ ቃንዛ ርእስን ሶርኖን ከነቃልሎ ንኽእል። ኽንጥውቖ እንከሎና በብእዋኑ ንሓያሎ ካልኢታት ምጽናሕ ከድልየና’ዩ።

 

=> ኣብ መንኩብናን ከባቢ ክሳድናን ንዝስማዓና ቃንዛ፡ ልክዕ ኣብ ትሕቲ ንእሽቶ ኣጻብዕቲ እግርና ንዝርከብ ከቢብ ክፋል ከብዲ እግርና ኣትሪርና ብምጥዋቕ ከነህድኦ ንኽእል። ክሳብ 20 ካልኢት ዝኣክል ከይፈኖና ንጠውቆ።

=> ቃንዛ ከስዐ ከጋጥም እንከሎ’ውን ኩርኹሮና ብምድራዝ ነቲ ቃንዛ ብመጠኑ ከንህድኦ ንኽእል። ኣብ’ዚ ክፍሊ ኣካልና ብተደጋጋሚ ንሓያሎ ካልኢታት ኣትሪርና ብምጥዋቕ ንጸገማት ስርዓተ-ምሕቃቕ መግቢ ቁሩብ ከንቃልል ንኽእል። => ቃንዛ ብርኪ ንምህዳእ ከኣ ብተመሳሳሊ ኣብ ትሕቲ ዓንካርዓንካሪትና ዝርከብ ከብዲ እግርና ኣትሪርና ንጠውቆ ወይ’ውን ንድረዞ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x