ሓዳግ ልቢ ጾር ይድርቢ

ኣብ ዝምድናታት ተመርኹሶም ዝተኻየዱ መጽናዕቲ ከም ዝሕብርዎ፡ ሕድገት ካብ ሕርቃን፡ ቂምን ቅርሕንትን ዝወርድ ስቅያት ፈውሲ’ዩ። እቲ ስቅያት ኣካላዊ ጉድኣት’ዉን የስዕብ። ጸቕጢ ደምን ሆርሞናዊ ምምዝባልን ኣስዒቡ ናይ ልብን መትንታትን ዕማማት ከሰናኽል ይኽእል። ሓዳግ ልቢ ምስ ዝህልወካ ካብ ጠንቅታት’ዚ ሕማም ናይ ምድሓን ዕድል ብሚእቲ ሚእታዊት ይዓቢ። ሕድገት፡ ጾር ይድርቢ -ጾር ናይ ቂመኛታት። ምኒን ዘዘውትር፡ ደድሕሪ ቂም ዝጉዓዝ ሰብ ብማሕበራዊ ተነጽሎ ይሳቐ። ሓዳግ ልቢ ዘላቶ ሰብ ግን ብዙሓት ፈተውቲ፡ መናብርትን ቤተ ሰብን የጥሪ። ምሕረት ዘዘውትር ሰብ ኣብ ዉሱን ኣጋጣሚታት ዝፍጽሞ ዘይኾነ ሰብኣዊ ባህርያትን ልምድታትን ጌሩ ይወስዶ። ሕርቃን ኣካል ባህርያት ወዲ ሰብ’ዩ። ሓሪቕካ ምንባር ግን ጎዳኢ እዩ። ምሕረት ምግባር ክብሃል ከሎ፡ ንበደለኛ ጽቡቕ ገይርካ ምባል ወይ ድማ ምስ በደሉ ምትዕራቕ ማለት ኣይኮነን። የግዳስ ነቲ ሕርቃንን ቂምን ካብ ነብስኻ ኣውጺእካ ምርሳዑ እዩ። ሕኒን እናበልካ፡ ብእህህታን ፈኸራን፡ ወገናዊ ሕነ ምፍዳይን እናሓለንካ ካብ ምንባር ሓራ ናይ ምዃን ዘይበርስ ልምዲ ምጥራይ ማለት እዩ። ጥንታዊ ሃይማኖታዊ መራሒ ቻይና(ኮንፈዮሽስ) “ መዋእሉ ሕነ ኣብ ምፍዳይ ዝዕጠቕ፡ ክልተ ጉድጓድ (መቓብር) ክፍሕር ኣለዎ።” ኢሉ ይብሃል። ካብ ቅርሕንቲ እትእለየሉ ምኽንያት፡ ካብ ፍርሒ ዝነቐለ ክኸውን ዘይግባእ’ኳ እንተኾነ፡ ለኻኺምካ ናይ ምጥፋእ ሕልና’ወን ዝጠቕም ኣይኮነን። መበገሲኻ፡ ሃይማኖት፡ ልቢ ምዕባይ ወይ ድማ ንቕሓት ክኸውን ይኽእል። ሓዳግ ልቢ ድማ ጾርይ ይድርቢ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x