ኣየናይ ይቐድም – ተውህቦኻ ምልላይዶ ወይስ ድሌትካ ምፍላጥ?

ደቂ ሰብ መጻኢ መደብና ንምህንዳስ ኣብ ዝተፈላለዩ ነገራት ንምርኮስ ኢና። ኣብ ጉዕዞ ሂወት ብቐዳምነት ዝድለ እንታይ’ዩ? ተውህቦኻ ምልላይዶ ወይስ ድሌትካ ምፍላጥ ዝብል ኣምር ንብዙሓት ዘካትዕ ሕቶ’ዩ። ኣብ ዩኒቨሪሲቲ ካሊፎርንያ ናይ ስነ ልቦና መምህርን ደራሲ ልቦናዊ መጻሕፍትን ፕሮፌሰር ቻርለስ በይ፡ “ደቂ ሰብ መጻኢናን መሰረት ምዕባለናን ንምፍላጥ ብመጀመርያ ተውህቦና ከነለሊ ይግባእ” ክብል ይገልጽ። ፕሮፌሰር ቻርለስ ኣብ መጽናዕቱ ከምዝገለጾ፣ ንኣሽቱ ህጻናት ምስ ዓበዩ እንታይ ክኾኑ ከምዝደልዩ ምሕታት ቅኑዕ’ኳ እንተኾነ፣ እዚ ግን ቀዳምነት ተዋሂብዎ ከም ምርጫ ክውሰድ ከምዘይግባእ’ዩ ዘረድእ።

‘ ተውህቦ ሰባት እቲ ቀንዲ መሰረት’ዩ፣ ሽሕ ግዜ ድሌት ናይ ዝኾነ ሞያ ይሃልዎ፣ ተውህቦ ኣዝዩ ወሳኒ ነገር’ዩ’ ብምባል መርገጺኡ የነጽር ጸሓፊን መምህርን ቻርለስ። ብተወሳኺ ፕሮፌሰር ቻርለስ ድሌት ወዲ ሰብ ብኣካባብያዊ ጽልዋ ዝመጽኡ ብምዃኖም መበቆላውነቱ ኣጠራጣሪ ምዃኑ የረድእ። እዚ ሓሳብ ንብዙሓት ዘማጎተ ኮይኑ ብዙሓት መማህራን ስነ ልቦና ኣብ ኣንጻር ርእይቶ ዝረዓሙ ኮይኖም፣ ሰባት ዝያዳ ተውህቦና፣ ኣብ ድሌትና ከምእንምርኮስ’ዮም ዝምድሩ። “ ዝኾነ ሰብ ኣብ ግዜ ንእስነቱ ብዝሓድሮ ድሌትን ተመስጦን’ዩ እንታይነቱ ዘግህድ’” ብምባል ሓሳቦም ዘቕረቡ እቶም ድሌትካ ምፍላጥ ወሳኒ ምዃኑ ዝገልጹ ሰብ ሞያ ልቦና እዮም።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x