ኣርማ ቀይሕ መስቀል ብኸመይ ተመሪጻ ?

ኣርማ “ቀይሕ መስቀል” ዝተመርጸትሉ ቀንዲ ምኽንያት ነታ ዘይሻርነታዊ መትከል ኣብ ምምስራትን ምምዕባልን ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ዓቢ ተራ ከምዝተጻወተት ዝንገረላ ስዊዘርላንድ ክብሪ ንምሃብ ካብ ባንዴራ ስዊዘርላንድ ዝተበገሰ’ዩ። ባንዴራ ስዊዘርላንድ ቀይሕ ዝምድራ ጻዕዳ መስቀል ኣብ ማእከላ ዘስፈረት ኮይና፣ ንቅዲ‘ዛ ባንዴራ ኣብ ግምት ብምእታው ጻዕዳ ዝምድራ ቀይሕ መስቀል ብምሓዝ ንኣርማ መለለዪ ቀይሕ መስቀል ተመሪጻ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ዝኾነ ምስ ሃይማኖት ኮነ ካልእ ምኽንያት ምትሕሓዝ ከምዘይብሉ ንምርዳእ’ዩ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x