መዳልያ ብኸመይ ተጀሚሩ

ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲ ዝነጥፉ ዕውታት ሰባት ናይ መዳልያ ሽልማት ክሽለሙ ምርኣይ ልሙድ እዩ። እዚ ባህሊ’ዚ ካብ ቀዳሞት ሰባት ዝጀመረ’ዩ። ኣብ 15 ዘመን ከምዝጀመረ ዝንገረሉ ሽልማት መዳልያ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ብዝተሰርሑ መዳልያታት’ዩ ዝፍጸም ዝነበረ። ዓበይቲ ጸፊሕ ትሕዝቶ ዘለዎም ሸሓኒ መሰል ህያባት ብምሽላም ድማ ይፍጸም ነይሩ። ድሒሩ ግን ኣብ ስነ ቅርጺ ልዑል ተውህቦ ዘለዎም ከም ኢጣልያውያን ፒዛነሎን በንቬቶ ቸሊንን፣ ተወላዲ ጀርመን ኣልበርት ዱጆርን ካልኦት ስነ ቅርጻውያንን ብዘፍረይዎ ንእስ ዝበለ ዓቐን ዘለዎ መዳልያታት ብምጥቃም ኣብ ከም ስፖርትን ወተሃደራዊ ውግእን ጸብለልታ ንዘርኣዩ ጀጋኑ ክሽለሙ ጀመሩ። ኣብዚ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ዝፍለጥ ዓይነት መዳልያ ዘዳለዉ ግን ኣሜሪካዊ ክኢላ ስነ ቅርጺን ጸራባይን ፕውል ማንሺፕን ሽወደናዊ ጸራባይ ካርል ማይለስ እዮም።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x