ድምጺ ብኸመይ ይፍጠር?

ወትሩ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ኣብ ንገብሮም ንጥፈታት ክንዛረብ፣ ክንደርፍ፣ ኮነ ዝተፈላለየ ሰባት ክንጽውዕ ኣብ ንፍትነሉ እዋን ድምጺ ነውጽእ ኢና። እዚ ድምጺ‘ዚ ዝፍጠር ብምንብዳባድ እዩ። ኣብ ኣካላትና ኣብ ልዕሊ ጉርጉማ ሳንዱቕ ድምጺ ትርከብ። ኣብ ውሽጣ ኣብ መንጎኦም ከፋት ዘለዎም ክልተ ጸፋሕቲ ዋህዮታት (ቲሹ) ኣለዉ። እዞም ዋህዮታት ድማ ናይ ድምጺ ቲሹታት ይበሃሉ። ናይ ድምጺ ቲሹታት ምስ ንኣሽቱ ጭዋዳታት ናይ ድምጺ ዝተትሓሓዙ እዮም። እዞም ጭዋዳታት ንድምጺ ቲሹታት ንምጭባጥን ንምዝርጋሕን ድማ ይሕግዙ። ዝኾነ ድምጺ ክትገብር እንከለኻ ኣየር ካብ ሳንቡእ ናብ ግዳም’ዩ ዝወጽእ። እዚ ንግዳም ዝወጽእ ኣየር ብድምጺ ሳንዱቕ ክወጽእ እንከሎ ድማ ነቶም ክልተ ናይ ድምጺ ቲሹታት የንበድብዶም’ሞ ድምጺ ይፍጠር። ብተወሳኺ ኣስናን፣ መልሓስ፣ ከንፈርን ሰርኖን ነቲ ናይ ድምጺ ቲሹታት ዝምስርትዎ ድምጺ ናብ ፊደላት ንምትርጓም ይሕግዙ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x