ጸቕጢ ደም እንታይ ኢዩ?

ልቢ ኣብ ንቡር ኩነታት ካብ 60 ክሳብ 100 ግዜ ህርመት ተካይድ። ኣብዚ ናይ ምጭባጥን ምዝርጋሕን ተግባራታ ድማ ሓንሳብ ኣብ እትጭበጠሉ እዋን ኣስታት 70 ሚ.ሜትር ደም ናብ ኣካላትና ከምዝጭንጓዕ ትገብር። ኣብዚ ናይ ምጭባጥን ምዝርጋሕን ተግባር ልቢ ኣብ ውሽጢ ሻምብቆታት ደም ዝፍጠር ጸቕጢ ወይ ድፍኢት ድማ ጸቕጢ ደም ተባሂሉ ይግለጽ። ዓቐን ጸቕጢ ድማ ብዝምድና ክልቲኡ ተግባራት ልቢ ይዕቀን።

ጸቕጢ ደም = ዓቐን ሲስቶሊክ/ ዓቐን ዲያስቶሊክ

ዓቐን ሲስቶሊክ ልቢ ክትጭበጥ እንከላ ንዝፈጠር ጸቕጢ ክዕቅን ከሎ፡ ዓቐን ዲያስቶሊክ ድማ ልቢ ኣብ እትዝርግሓሉ እዋን ንዝፍጠር ጸቕጢ ዝዕቅን ኢዩ። ደረጃታት ጸቕጢ ደም ዓቐን ናይቲ ዝፍጠር ጸቕጢ ምርኩስ ብምግባር ይፈላለ ኢዩ። ንቡር ጸቕጢ ደም፡ ቅድመ ልዑል ጸቕጢ ደም ከምኡ ድማ ልዑል ጸቕጢ ደም ተባሂሎም ድማ ይግለጹ። ዝተፈላለዩ ሰባት ዝተፈላለየ ዓቐን ጸቕጢ ደም ኣለዎም። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ንዝተፈላለዩ ናይ ዕረፍትን ሃልክን ግዝያት ብምግንዛብ እውን ዓቐን ጸቕጢ ደም ናይ ሓደ ሰብ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ክፈላለ ይኽእል ኢዩ። ንቡር ጸቕጢ ደም ዝበሃል ላዕለዋይ ዓቐን 120 ሚሜ ሜርኩሪ ታሕተዋይ ድማ ትሕቲ 80 ሚሜ ሜርኩሪ ምስ ዝኸውን ኢዩ። ቅድመ ልዑል ጸቕጢ ደም ዝበሃል ከኣ ላዕለዋይ ዓቐን ካብ 120-139 ሚሜ ሜርኩሪ ወይ ድማ ታሕተዋይ ካብ 80 -89 ሚሜ ሜርኩሪ ምስ ዝኸውን ኢዩ። ላዕለዋይ ዓቐን ካብ 140 ንላዕሊ፡ እቲ ታሕተዋይ ድማ 90ን ልዕሊኡን ምስ ዝኸውን ጸቕጢ ደም ተባሂሉ ይግለጽ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x