ትርጉም ምስላ “ዘይተማህረ ነየድሕን፡ ዘይተወቕረ ነየጥሕን”

እዛ ምስላ፡ ትምህርቲ ኣብ ህይወት ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ’ያ ተዘኻኽረና። መጥሓን ካብ ተሪር እምኒ ዝስራሕ ኰይኑ ኣእካል ወይ ድማ ጥረታት ንምጥሓን እንጥቀመሉ’ዩ። ብግቡእ ከነጥሕነሉ እንተዀይንና ድማ ሓርፋፍ ክኸውን’ዩ ዘለዎ። እንተለሚጹ ግና ሸተት ሸተት ስለ ዝብል ክንጥሕነሉ ኣይንኽእልን። ስለዚ ሓርፋፍ ምእንቲ ክኾነልና ብተሪር እምኒ ወይ ሓጺን ንወቕሮ(ንሃርሞ)። ነታ “ዘይተማህረ ነየድሕን…” እትብል ክፋል ናይዛ ምስላ ምስ እንርኢ ድማ፡ ዝተማህረ ሰብ መድሕን ናይ ነብሱን ህዝቡን ምዃኑ’ያ ትነግረና። ንኣብነት ኣፋውስ ናይዚ ኣብ ዓለም ምሉእ ዘሎ ሕማማት እቶም ምሁራት’ዮም ዝሰርሑዎ። እዞም ምሁራት ዝሰርሑዎ መድሃኒት እንተዘይህሉ ክንደይ ሰብ ብሰንኪ ስእነት ፈውሲ ብሕማም ምሞተ ኢልና’ሞ ንሕሰብ። ካልእ ኣብነት እንተወሲድና ድማ መካይን፡ ነፈርቲ፡ ባቡራትን መራኽብን ብምስራሕ ካብ ዳኻም ዘድሕኑና ዘለዉ ምሁራት’ዮም። ክዳውንቲ፡ ገዛውቲ…ወዘተ ዝሰርሑልና ምሁራት’ዮም። ስለዚ እዛ ምስላ፡ ከምቲ ዘይተወቕረ መጥሓን ከነጥሕነሉ ዘይንኽእል ዘይተማህረ ሰብ’ውን ከድሕን ኣይክእልን’ዩ ንምባል ዝተመሰለት ምስላ’ያ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x