እንስሳታት ይሓልሙ ዶ?

ሕልሚ ኣብ ግዜ ድቃስ ዝኽሰት ሓደ ካብ ኣእሞሮኣዊ ንጥፈታት ኢዩ። ሕልሚ ዝኽሰተሉ እዋናት ኣብ ስጡም ናይ ድቃስ እዋን ኮይኑ መብዛሕትኡ ግዜያት ድማ ካብ 5 ክሳብ 20 ደቓይቕ ዝኾነ መጠን ግዜ ይውስድ። ዝበዝሐ እዋናት ሕልሚ ምስ ደቂሰባት ጥራይ እኳ ዝተእሳሰር እንተኾነ ካልኦት እንስሳታት እውን እንስሳታት ልክዕ ከም ደቂ ሰባት እቲ ሕልሚ ዝኽሰተሉ ብ D- sleep ዝፍለጥ ናይ ድቃስ እዋን የስተማቕሩ ብምዃኖም ሕልሚ ናይ ምሕላም ዕድል እውን ከምዘለዎም ይሕበር። ብፍላይ ኣህባይ ናብ ደቂ ሰብ ዝቐረበ ስርዓተ ኣእምሮ ዝውንኑ ብምዃኖም ካብ ሰባት ቀጺሎም ክሓልሙ ዝኽእሉ እንሳታት ከምዝኾኑ ይግመት።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x