ትርጉም ምስላ “ዘይስንኻ ሑጻ ቈርጥመሉ”

እዚ ምስላ’ዚ ንዝዀነ ናትካ ዘይኰነ ነገራት ልክዕ ከም ናትካ ርኢኻ ብግቡእ ክትጥቀመሉ ከምዘለካ የዘኻኽረካ። ንኣብነት ብሽክለታ ካብ ሰብ ለሚንካ ክትጥቀመላ ከለኻ፡ እታ ብሽክለታ ናተይ ኣይኰነትን ኢልካ ከይተጠንቀቕካ ብጐዳጉዲ እንተዘዊርካያ እዛ ምስላ ትምሰለልካ ማለት’ዩ። ስንና ከቐንዝወና ወይ ክስበር ስለዘይንደሊ ብስንና ሑጻ ክንቁርጥም ኣይንደልን ኢና። ናይ ካልእ ሰብ ስኒ እንተዝኸውን ግን ሑጻ ምቖርጠምናሉዶ? ብዛዕባ ነብስና ጥራይ ንሓስብ እንተዀይንና ምቖርጠምናሉ። ብዛዕባ ካልኦት ንሓስብ እነተዀይንና ግን ኣይምቖርጠምናሉን።

ኣብ ሓደ ዓዲ’ዩ። ሓንቲ ሰበይቲ ኣድጋ ስለዝሞተ ኣድጊ ካብ ጐረቤት ለሚና ማይካብ ሩባ ከተምጽእ ከደት። እታ ሰበይቲ ኣድጋ ከይሞተ ከሎ ክልተ ጀሪካን ጥራይ’ያ
ትጽዕኖ ዝነበረት። ነቲ ካብ ጐረቤታ ዝለመነቶ ኣድጊ ግና ኣርባዕተ ጀሪካን ጸዓነቶ። እቲ ኣድጊ ካብ መጠን ንላዕሊ ከቢድዎ ነበረ። እታ ጐረቤታ ነዚ ምስ ርኣየት “ዘይስንኻ ሑጻ ቆርጥመሉ።” በለታ። ኣድግኺ ስለዘይኰነ ኣርባዕተ ጀሪካን ጽዒንክዮ ማለታ’ዩ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x