ተመርዖ

“ስለምንታይ ጸሓይ ብምዕራብ በሪቓ ብምብራቕ ዘይትዓርብ?” ካቢንዳ ነቶም ብመደርኡ ተመሲጦም ዓይኒ ዓይኑ ዝጥምትዎ ዝነበሩ መንእሰያት ሓቲቱ ፍሽኽ በለ። “ኣየ ንስኹም……ሊኩሉ ሽይኢን ሰበብ ይብል ሓደ ዓረብ ይኽእል’የ በሃሊ። ንኹሉ ነገር ምኽንያት ኣለዎ ንምባል’ዩ። ሕራይ እስከ ንምንታይ’ያ ጸሓይ ኣብ ክንዲ ንግሆ ፋዱስ ዘይትበርቕ? ንምንታይ እያኸ ካብ ምድሪ ብ330,330ግዜ ትዓኣቢ እናተባህለ ካብ እስኳዴላ ነጨበረር ደቒቓ ትርኣየና? ንምንታይ’ዩ ምድሪ ከባብ እንተድኣኾይና እቲ ኣብ ባሕርታትን ውቅያኖ ሳትን መሊኡ ዘሎ ማይ ናብ ህዋ ዘይፈስስ?……..ነንዝተባህለ ከም ዘለዎ ኣይትሓዘዎ፡ ተዓጻጺፍኩም ትርጉም ኣመጻጽእኡ ወይ ምኽንያቱ ርኸቡ። ከምቲ ሓደ ዝበሎ ግን ኣብ ምትዕጽጻፍ’ውን ምስባር ሰለ ዘሎ ካቢንዳ ሓላፍነት ኣይወስድልኩምን’ዩ። ሓንቲ ናይ ፓፕሊክ ሕክያ ኣላ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ስለምንትይ’ዬም ናብ ዓራት ዝኸዱ?” ካቢንዳ ጐረሮኡ ንምጽራይ እሕሕ ብምባል ርእሱ ኣወዛወዛ። ኣብ ዝተኣከበ ሰብ መደረ ምሃብ ሓደ ካብ’ቲ ዘዕግቦ ነገር’ዪ። ካብ ዩኒቨርስቲ ብሕጊ ክምረቕ ዓመት ምስ ተረፎ’ዩ ብሓደጋ መኪና ርእሱ ተመዛቢሉ። ንኣስታት ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብሆስፒታል ስነ ኣእምሮ ድሕሪ ምሕካሙ ድማ ሒሽዎ ተባሂሉ ወጺኡ። ብርግጽ’ውን ተመሓይሹ’ዩ። ግን ዋኒነይ ንቕድመይ ዝብሎ ሓድሽ ባህሪ ኣምጺኡ። ካብታ ንመሕደሪ ጥራይ ዝጥቀመላ እንዳ ስድሪኡ ኣንጊሁ ይወጽእ። ጸሓይ ንምዕራብ ሶቲኻ ምሉእ ብምሉእ ምስ ጠፍአት ድማ ናብ ቤቱ ይምለስ። ከምቲ ንሱ ዝብሎ፡ ጸሓይ ገዛኡ ኣበይ ምኳኑ ከይትፈልጦ ኣብ እዋን ንግሰነታ ካብ ገዛኡ ርሒቑ’ዩ ዝውዕል። “ሀ………ገሌኹም’ ኳ ድሮ ተሴርኩም ኢኹም። ገሌኹም ከኣ ኣብ ውሽጢ ሓሳብኩም ጠፈእኩም ክሳብ ሕጂ መልሲ ትደልዮ ኣለኹም። ‘ምሰ ዘይፈልጥ

ዝተዛረብካዬ፡ ኣብ ልዕሊ ቀላይ ዝጸሓፍ ካዬ፡ እቲ ኣይእከብ እቲ ኣይንበብ ከም ዘይዓየኻዬ ድዩ ተባሂሉ? ኣስፊሕካ ምሕሳብ ዘይጽላእ’ኳ እንተኾነ ፡ስፍሓት ሓሳብኩም እምብዛ እንተገፈሑ ግን ኣብ ውሽጢ ክትወጽእ እንተበለት’ውን መእተዊኣ ይጠፍኣ’ሞ ብኡ ኣቢላ ናብ ሓሽውየን ሕልማዊት ዓለምን ትርዕም። በቃ ኮሊልካ ኮሊልካ ናብኣ ኮሊልካ ኮሊልካ ናብ’ታ መበገሲትካ። ድሕሪ ግዜ ከኣ’ሞ ኣገዳስነትካ ከም ኣብ ጸባ ዝመልኣ ባስካ ዝተኻዕወት ፍንጃል ማይ ይኸውን። በቃ ብኡ ጌርካ መኣዝንካ ተጥፍእ።” ካቢንዳ ሽጋራ ኣወጺኡ ኣብ ኣፉ ብምቕርቃር ክርቢት እንተረኸበ ኣብ ጁባኡ ሃሰሰ በለ። “ሓዝ ካቢንዳ” ካብ መደረ ዝከታተሉ ዝነበሩ ሰባት ክርቢት ተሰንደወሉ። “ጽቡቕ ተግባር ንገባሪኡ የዕግብ ንተቐባሊኡ የሐጉስ የቐንየለይ ዝሓወይ’’ ካቢንዳ ኣብ ኣፉ ተቐርቂራ ዝነበረት ሽጋራኡ ወሊዑ ክልተ ሰለሰተ ግዜ ብምስሓብ መደርኡ ቀጸለ። “ግን ዕድመ ንተኽሎታት። ከምቲ ኣብ ስነ ቀመም ንሱፐር ሳቹረይትድ ሶሉሽን ዝሓዘት ብኬሪ እንተነቕኒቕካያ ገለ ክፋል እቲ ዝሓቐቐ ኣካል ናብቲ ዝነበሮ ዝምለስ፡ እቶም ካብ ሓሽውየ ሕልማዊት ዓለም ናብ ክውንነታዊት ዓለም ናይ ምምላስ ዕድል ዝረኸቡ ሰባት፡ ንነብሶም ኣብ ደረጃ መሳልል ናይ ድኻታት ይረኽብዋ – ናይ ሓንጐልን ናይ ተግባርን ድኽነት። ሽዕ ድማ ካብ ድኽነት ሓድሽ ጉዕዞ ንናጽነት ይጅምሩ። ጸደፍደፍ ዕድመኻ ለኪሙ ንዝኸደ ግዜ ንምርካብ። ገለ ካብ ምድራዊት ዓለም ኣብ ምስንባቱ ይሓልፈሉ ገለ ኣብ ሓርኮትኮት እንከሎ ኣብ መሬት ንምንባር ዝተዋህቦ ናይ ግዜ ገደብ ተጸንቂቁ ይውዳእ፣ ገለ ድማ ንሕልፈት ከም ማና ካብ ሰማይ ክጽበ ዕድመኡ ይብላዕ ።’’ ዘረባኡ ብምቁራጽ ነታ ንፋስ ክሻመዋ ዝጀመረ ሽጋራኡ ኣከታቲሉ ኣርባዕተ ግዜ ሰሓባ። ብኣፍንጫኡን ኣፉን ዝወጸ ትኪ ከባቢኡ ብምዕቡላኽ ትረስን ዘለ ናይ ናፍታ መኪና

ኣምሰሎ። ዓይኑ ኣጨምጪሙ ነታ ኣብ ጸጋማይ ኢዱ ዝተኣስረት ሰዓት ተመልከታ። ሰዓት 9፡07 ነታ ኣገልግሎታ ንኽትውድእ ፍርዲ እትጽበ ዝነበረት ሽጋራኡ ሓንሳብ ስሒቡ ናብ መሬት ብምድርባይ ረጊጽዋ ጉዕዞኡ ጀመረ። ናብ ገዛኡ፡ ገዛ ስድራኡን ገዛውቱን ዝሓድር እንተኾይኑ ናይ ግድን ቅደሚ ሰዓት 9፡30 ክርከብ ክኽእል ኣለዎ። እንተዘይኮይኑ እቲ ናይ ግዜ ገደብ ምዕጸውን ምኽፍትን ካንሽሎ ክሳብ ሰዓት 9.30’ዩ። ካብኡ ንንዬ ዝኾነ ተኻራየይ ካንሸሎ ክኸፍትን ክዓጹን ኣይፍቀደሉን’’ ዝብል ሕጊ ዋና ገዛኦም ከረኻኽበሉ’ዩ። ብሰሪ እዛ ሕጊ እዚኣ 5 ግዜ ካብ ገዝኡ ወጻኡ ሓዲሩ’ሎ – ኣብ ጽርግያ ዘይኮነ ግን ኣብ ገዛ ፈተውቱ። “ካቢንዳ ….ካቢንዳ’’ እታ መቦቆላ ዘይፈልጣ ግን ሕልፊ ስሙ ዝደመቐት ሳጓኡ ብዝሰምዐ ንድሕሪት ገጹ ቁሊሕ በለ። “እ….ንታይ ድኣ ክርቢትና ሒዝካ ትኸይድ ኣለኻ?’’ ካቢንዳ ፍሽኽታ ናይቲ ቀይሕ ጉልቡት መንእስይ ኣይሓደሶን ። “ኦ……ገባሪ ሰናይ ዲኻ?’’ ሓደ ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ኣብ ገዝኦም ኣሕዲሮምዎ ዝፈልጡ ‘ገበርቲ ሰናይ’ ኢሉ ዝጽውዖም መንእስያት ምዃኑ ኣለለዮ። ‘’ኦ…… ኣይትሓዘለይ፡ ግን እንተዘይተጋግየ ‘ሃበኒ ንዝበለካ ሃብ፡ ንዝሃብካዬ ድማ ክመልሰልካ ኣይትጸበዮ’ ዝብል ቅዱስ ጥቕሲ ኣሎ መስለኒ … ‘’ ካቢንዳ ነታ ኣብ ኢዱ ከም ዝጸንሐት ዘየስተውዓለላ ክርቢት ናብ ዋንኣ ንምምላስ ኢዱ ሰደደ ። “ኖኖ . . . ክጻወተካ ኢለ’የ ካቢንዳ ዓርከይ። ንሳ ናይ ሎሚ ምሸት ናተይ ህያብ’ያ” ሰናይ ሓጺር ፍሽኽታ ድሕሪ ምልጋሱ ንመኻፍቲ ኣፉ ናብ ንቡር ቦታአን መለሰን። “ህያብ ! ዓይነቱን ዓቐኑን ብዘየገድስ ህያብ ተባሂሉ ንዝመጸካ ብጽቡቕ ዓይኒ ክትጥምቶ ኣለካ። ንደረጃታት ተቐባልነት ዝምልከት ግን ክትጥቀመላ እትግበኣካ ሓንቲ ሕጊ ኣላ፡ የቐንየለይ !” ካቢንዳ ነታ ዝተወሃበቶ ክርቢት ኣተኩሩ ድሕሪ ምጥማት ስዒሙ ኣብ

ጅባኡ ኣቐመጣ። “እሞ እዛ ናተይ ህያብ በታ ሕጊ ኣበየናይ ደረጃ’ያ ትርከብ?” ሰናይ እታ ከም ዋዛ ኢሉ ዘምሎቓ ዘረባ ብናይ ካቢንዳ መለክዒ ኣበየናይ ደረጃ ከም እትቕመጥ ክፈልጥ ደለየ። “ሓንቲ ኣብነት ክህበካ እየ ደሪቨሽን ናይቲ ፎርሙላ ግን. . . . ናባኻ’ያ። ሓንቲ ድኻ ሰበይቲ ዝነበርኣ ቁርብ ቁራቦ ገንዘብ ሞባእ ኣዉዲቓተን፡ ካልኦት ምድራዊያን ሃብታማት ብዝሕ ዝበለ ሞባእ ኣዉደቑ። ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ ግን ሞባእ ናይታ ሰበይቲ ‘ዮም ሂቦም። ሞባእ ብህያብ ተኪእካ ፎርሙላ ንደፍ። ካልእ ከኣ ብዛዕባ ህያባት ኣቤልን ቃኤልን ምተዛረብኩ ግን ኮፕሪፈኮ……” ካቢንዳ ተበገሰ። “ኣታ ካቢንዳ 9፡15 ኮይኑ ስለ ዘሎ ምሳይ ኢኻ ትሓድር’’ ሰናይ ብኢዱ ሓዞ። ‘’ተሕድረኒ ።’’ ካቢንዳ ፍሽኽ በለ። ንገዛኡ ከይዱ ኣይከይዱ ንዕኡ ኣይንታይኡን’ዩ። ኣደኡን ክልተ ኣሓቱን‘ውን ድሕን 9፡30 ከም ዘይጽበየኦ ይፈልጥ’ዩ። ‘’ብዓጀባ’ምበር እንድያሞ’ሞ መጀመርታ ንደረር ሽዑ’’ “ኖእ ‘’ ካቢንዳ ኮለፎ ። ‘’ንስኻ ተደሪርካ ምጻእ ኣነ ግን ኣብዚኣ ደው ኢለ ክጸንሓካ’የ’’ ካቢንዳ ናብ መንደቕ ተጸግዐ። “ኣታ ካቢንዳ እንታይ ኢኻ ሸውሃትና ትዓጽወና፡ ሱቕ ኢልካ’ንዶ ንዓናይ …..’’ ሰናይ ከም ሕርቅ ኢሉ ከእምኖ ፈተነ። ንካቢንዳ ሓልዩሉ’ምበር ንሱ ተደሪሩ ‘ዩ ። “ኣላ……ገባሪ ሰናይ’ ’ካቢንዳ ፍሽኽ በለ። “…….ሰብ ብመግቢ ጥራይ ኣይኮነን ዝነብር ድዮ ዝተባህለ ……ሰብ ኮይኑ ወናኒ ተሪር መርገጺ ክኸውን ኣለዎ። ምስ ዝነፈሰ ንፋስ ኣንፈቱ ዝቐያየር ሰብ፡ ሰብ ዘይኮነ ሰብ ንኽትብሎ’ውን ኣይትደፍርን ። ስለዚ ትበልዕ እንተድኣኴንካ ኪድ ንነብሲ ይግበረልካ ……’’ ካቢንዳ ዓው ኢሉ ሰሓቐ። “እዋእ እንታይኴንካ ድኣ ስሒቕካ?’’ ሰናይ ሰሓቅ ካቢንዳ ጸልይዎ ተፈሸኸ። “ኣነ ዝስሕቕ ክበኪ ስለ ዘይግብኣኒ’ዩ ድዮ ዝበለ፡ ገሪሙኒ ……ከይበላዕካ ክትድቅስ ዘይትኽእል ምዃንካ ገሪሙኒ። ካብዞም

ንኽበልዑ ዝነበሩ ኢኻ መስለኒ …….ሃ…….ሃ……ሃ። ሓደ ሓደ እዋ ን’ውን ንሸውሃትካ ኣዚዝካ ምሕዳር ኣድላይ’ዩ። በስምኣብን ተመስገንን ዝገላበጣሉ ግዜ እንተድአመጸኡ በዓልንስኻ ካብቶም ቀዳሞት ዝጸንቱ ትኾኑ። ፐርከ ጭራ-ቁረጽ ሳርቫይቫል ኦፍ ዘ ቲተስት ክትከውን” ካቢንዳ

ምራቑ ሰርኒቕዎ ዘረባ ኣቋረጸ። “ሓያል ኢኻ ግን ።” ሰናይ ንካቢንዳ ቀዲምዎ ተበገሰ። “ሓያል ዲኻ ኢልካኒ፡ ኣይኮንኩን፡ ተጋጊኻ! ኣድራጋ ቃላት ዝውርውር ሓያል ዝበሃል እንተድኣ ኮይኑ’ሞ ፍርቂ ካብ ህዝቢ ዓለም ሓያል ‘ዩ። ብኣይ ወገን ሓያል ዝበሃል ኣብ ጸሓይ እግሩ ዘንብር’ዩ …….’’ ‘’ዋእ ክሓርር’’ ሰናይ ዝተገረመ መሰለ። “እ…..ወ እንታይ ድኣ ቅልጽመ ዘሕበጠ ሓያል ክበሃል፡ ናይ ብዙሕ ዓመታት ቀለም ቀመስ ሰብ ሓያል ክበሃል።ንዓንዶ ገባሪ ሰናይ ክሓተካ ፡ኣብ ማትሪክ ፎር ዘምጽእ ሰብ ሓያል ድዩ?” ካቢንዳ መልሲ ተጸበየ። “በርቂ’ምበር” መን ሽምካ ከም ዝተባህለ ሰናይ ተቀላጢፉ መለሰ። “በርቂ ይኾስትርካ ….ንሓደ ዝተጻሕፈ ኣንቢቡ ምሉእ ዘምጽእ ሰብ በርቂ እንተኢልካዮ ነቲ ዝጸሓፈኸ ነጐዳ ዋላስ ቀስተ ደበና ኢኻ ክትብሎ? ንኣቶም ዘቑሙ መሰረታውያን ኣካላት ዘርዝር ንዝበልካዬ ኤለክትሮን ፕሮቶን ኒውትሮን ኢሉ እንተመሊሱልካስ በርቂ፡ ነቲ ንዕኦም ዝዳህሰስኸ? ይወኣዮም በዓል ቶምሶን፡ጎልድስቲን፡ ጫድዊክ ኣይስምዑ።” ካቤንዳ ሃንደበት ደው በለ። “ኣበይ ድዩ ገባሪ ሰናይ’ቲ ገዛ?” “ኢሂ ነዊሑ… ኣብዚ” ሰናይ ካብ ጅባኡ መፍትሕ ኣውጽአ። “እንድዒ ብዘይ ዕላማ ኮለል ከተብለና ከይትሓድር…” “ኣጆኺ ካቢንዳ ዓርከይ …” ክልቲኦም ናብታ ተዓጽያ ዝወዓለት ቤት ኣተዉ። ሰናይ እታ ትሽዓተ ትርብዒት ሜትሮ እትግመት ገዛኡ ንበይኑ’ዩ ተኻርዩዋ። ክልተ ዓራት፡ ኣብ ንቡር ኣገልግሎት ዘይወዓለ ድስቲ-ኩስኩስቲን ፔርሙስን እንተዘይኮይኑ ካልእ ዝርአ ንብረት

የብሉን። ኣብ ቦሎፎን ዘይብሉ ገዛ እሞ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ነዃላት ዝበዝሖ ዚንጎ ዝጥረ ንብረት ክሳራ ኮይኑ’ዩ ዝስምዖ። ክረምቲ መጸ ንብረቱ ንምዕቃብ ዘካይዶ ቃልሲ ናይ ነገር ጥዕና ኣይመስልን። ማይ ኣብ ዝነጠበት ቦታ ብኬሪ የቐምጥ። እተን ዝርካቡ ሽዱሽተ ብኬሪ ኣብ ንጡፍ ስራሕ ይሽመማ። በቲ ገፊሕ ነዃልዝሓልፍ ማይ ድማ በተን ካብ ዝገዝአን ሓዊ ጥዒመን ዘይፈልጣ ክልተ ድስቲ ጥብ ዝበለት ማይ ንምኽልኻል ይነጥፍ። “ካብንዳ ኣብዚኣ ትሓድር ኮይስ’ዶ፡. . . ኣ. . . ነ ኽኣ ኣብዚኣ” ሰናይ ኣብ ዓራቱ ኮፍ በለ። “ኮፍ በል’ባ ከቢንዳ ከም ዓራትን ሳሎንን እየ’ኮ ዝጥቀመሉ ….” “ኣ…እወ ፈሊጠ ኣለኹ። ከመይ ኢሉ ተነጺፉ ከምዘሎ ዝርእዮ ዘለኹ መታን ንጉሆ ከምኣ ጌረ ከንጽፋ ኢለ’የ።” ከቢንዳ ትዕዝብቱ ቀጸለ። ሰናይ ፍሽክ በለ። “ደሓን ኮፍ በል ባዕለይ ከንጽፎ’የ ካቢንዳ ዓርከይ።’’ ካቢንዳ፡ ርእሱ ናብ ዙርያ እቲ ገዛ እናንቀሳቐሰ ትዕዝብቱ ቀጸለ። ኣብ ልዕሊ ዓራት ተሰቒላ ዝነበረት ስእሊ ቅዱስ ሚካኤል ርእዩ ፍሽክ በለ። “ባእ . . . ኣታ ገባሪ ሰናይ እንታይ ድኣ እዚ ዚንጎ ዓቢ ነፋይት ማሽን መሲሉ” ካቢላ ንብዝሕ’ቲ ኖኻላት ተዓዚቡ ርእሱ ነቓነቐ። “ . . . ድኽነት!” “ እስኳብሊ እንድየ” ሰናይ እናሰሓቐ መለሰ። “ሃብታም ብዘይድኻ ኣይኮርዕን ድኻ ብዘይ ሃብታም ኣይበልዕን እኳ ዝተባህለ . . . . ኩላህና ሃብታማት እንተኽፕይና ደኣ መን ኣብ ትሕቲ መን ክሰርሕ? ዛትስ ዋይ እኮ’ ዮም ቫራይቲ ኢዝ ስፓይስ ዝበሉ። ደሓር ከኣ ጽሩይ ሃብቲ ናይ ዘልኣለም ርስቲ ጽሩይ ድኽነት ዳርጋ ናጽነት ተባሂሉ’ዩ። . . . . ብናጽነትካ ክትኮርዕ ፈትን!” ካቢንዳ ትዕዝብቱ ዛዚሙ ናብ ሰናይ ኣተኰረ። “ገባር ሰናይ እንታይ ኴንካ ዘይትምርዖ?’’ ሰናይ እቲ ካብ ብዙሓት ፈተዉቱ ትመጾ ሕቶ ካብ ኣፍ ካቢንዳ ክትወጽእ ሰሚዑ ፍሽኽ በለ። “ኣታ ካቢንዳ ተመሪዕና ናብዚ ዓባይ ነፋይት ማሽን

ዝበልካዮ ገዛ ከነእትዋ። ካልእስ ይትረፍ ንመርዓ ዝከዉን ገንዘብ’ከ ካበይ ከምጽእ? እዛ ድስቲ ክሸጣ . . . . . “ ሰሓቐ። “ብማይ ተመሪዕኻ ብስዋ ተመሪዒኻ ሰበይቲ . . . . እ . . . ፍቓድ ድዩ ክንድቅስ ገባር ሰናይ?’’ ካቢንዳ ፍቓድ ሓተተ። “ኣላ ኬፍካ ካቢንዳ ዓርከይ!” “ከቢድ ሽግር ንክትብድህ ደኣ’ምበር ቀሊል ሂወት ከተሕልፍ ኣይትጸሊ’ ድዩ ዝበለ ብሩስሊ። ክንጽሊ’ሞ ክንድቅስ. . . . እ. . . እ. . . . ረሲዐዮ’ባ ቅድም ሽጋራ ክስሕብ’ሞ …..” ካቢንዳ ሽጋራ ዘኪሩ ፍሽኽ በለ። “ኮይስ! ቀልጥፍ’ሞ ሰሓብ ክንድቅስ።” ሰናይ ሳእኑ ክፈትሕ ጀመረ። ***ካቢንዳ ጩራታት ጸሓይ ብነዃላት ናይቲ ዚንጎ ሓሊፉ ኣብቲ ደቂስሉ ዝነበረ ዓራት ክዓልብ ምስ ጀመረ ካብ ድቃሱ ተበራበረ። ከይትኽደን ብላዕሊ ስለ ዝሓደረ ናይ ዓራት ምንጻፍ ስራሓ ተቓሊሉ ነበረ። ካብ ዓራት ወሪዱ ኮፕሪሌቶ ስሕብ ኣቢሉ ብምዕራይ ኣብ ጫፍ ዓራት ኮፍ በለ። ኣብ ገዛኡ ብዘይምንባሩ ብጩራ ጸሓይ ባህሪሩ ካብ ዘሓደሮ ዝነፍጸሉ ምኽንያት የብሉን። ሰናይ ብሰሓቕ ናይ ካቢንዳ ሰንቢዱ ተስአ። ክሳብ ዝረፍድ ዘይድቅስ’ኳ እንተኾነ ወትሩ ሰንበት ግን ካብ ስራሕ ነጻ ስለ ዝኾነ ኣብ ዓራቱ ተገምሲሱ ዚንጎ ክጥምት’ዩ ዘርፍድ። “ዋእ ኢሂ ‘ታ ካቢንዳ?’’ “ተሰስደሚመ …..ብብዙሑነት ባህሪ ሰብ ተገሪመ። ገሊኣ ደርሆ ድያ እንቋቁሖ ቀዲማ ትፍጠር’ኢላ ክትካታዕ ክትመራመር ድቃስ ዘይብላ ትሓድር፡ ገሊኣ ከኣ ምድሪ ምእንቲ ርእሳ ኢላ’ያ ትወግሕ ኢላ ቀሲና ትድቅስ። ዝገርም’ዩ ቶማስ ኤዲሶን ብሰንኪ ፍርሑ ኣምፑል ምሂዙ ንኹላ ጠቒምዋ። ግን ኣምፑል ክትዉልዕ እንከለኻ ዘኪርካዮዶ ትፈልጥ? ‘ጋሕጋሕ ተሲኦም ሰብ ከሎ ብድቁሱ ዝዘርእዎ ዓጺዶም ብክብሪ ክጥቀሱ ……. ድያ ዝበለት ደራፊት። ከምዚ ናትካ በጥ ኢሎም ኣይኮኑን …..” “ኦ. . . ኦ . . . ኦ. . . ከመይ ሓዲርካ ሚስተር ካቢንዳ” ሰናይ፡ ናይ ለይቲ

ክዳኑ እናቐየረ ኣርእስቲ ክፈጥር ፈተነ። “መጀመርታ ብጸጋማይ ጐነይ፡ ደሓር ጥንቅሊዒት ብድሕሪኡ ብፍልበይ . . . .” “ ኣታ ካቢንዳ ሱቕ ኢልካ ዲኻ ትላገጽ? ትማሊ እኮ ረቢሽካና ኢኻ . . . .እንድያሞ ሕጂ ንቑረስ።” በለ ከምዝሓለፈት ምሸት ከይኣብዮ እናሰግአ። ካቢንዳ ካብ ኮፍ ዝበሎ ብድድ በለ። ከይጠመየ ኣይበልዕን’ዩ ጠሚዩ ከሎ ቃልዓለም ግን ኣይባህሪኡን’ዩ። “ሽዑ’ኸ?’’ ካቢንዳ ሓተተ። “ሽዑ ደኣ ዘውዓለና ንዉዕል።” ሰናይ ገጹ እናተሓጽበ መለሰ። “ዘዉዓለና ንዉዕል ዲኻ ዝበልካ ካቢንዳ?’’ ዝተገረመ መሰለ። “እንካ እስከ ገጽካ ተሓጸብ>’’ ታኒካ ማይ ኣረከቦ። ካቢንዳ ገጹ ድሒሪ ምሕጻቡ ታኒካ ኣብ መስኮት ኣቐሚጡ ንመጀመርያ ግዜ ዝዕዘቦ ክመስል ንሰማይ ኣንቃዕሪሩ ጠመቶ። “ንዓናይ’ባ እንታይ ድኣ ንሰማይ ተድንቕ ዘለኻ ትመስል?” ሰናይ ማዕጾ ገዛኡ ድሕሪ ምዕጻዉ ናብ’ታ ድሕሪ ገዛኡ እትርከብ ቤት ቁርሲ እናተበገሰ ሓተተ። “ንዝተፈጥረ ዘይኮነስ ንዝፈጠረ’የ ዘድንቕ።’’ ካቢንዳ ሓጺር መልሲ ድሕሪ ምሃብ ናይ ድሕሪ ቁርሲ መደቡ እናኣሰላሰለ ብስቕታ እግሩ እግሩ ሰዓበ። “እንታይ ደኣ ሱቕ ኢልካ ሕጅስ? ትማሊ ቀልጢፉ ድቃስ ወሲዱካ።’’ ስቅታ ካቢንዳ ዘይተዋሕጠሉ ሰናይ ኣብ ቤት ቁርሲ እናኣተው ከዛርቦ ፈተነ። “እ . . . ወ ብጀካ ልበይን ሕልናይን ካልእ ኣካላተይ ደቂሱ ሓዲሩ።’’ መለሰ ካቢንዳ መቀመጢኡ ድሕሪ ምሓዙ። “ክልተ ሸሓኒ ፉል ብጠስሚ ክልተ ጸባ።’’ ሰናይ ብንጥፈት’ታ ዝመጽኣቶም ኣሳሳይት እናተገረመ ኣዘዘ። “ብሩስሊ እንታይ ኢሉ ኢልካዮ?’’ ካቢንዳ ፍሽኽታ ለጊሱ ዉራይ መግቡ ገበረ። ካብ ካብ እዋን ንእስነቱ ዘዕበዮ ናይ ገዛኡ ሕጊ ኣለዎ። ኣብ ምምጋብ ምዝራብ ከምዘይፍቀድ! ነዚ ሕጊ ኣብ ዘሎ ይሃሉ ድማ ከኽብሮ ብሕልንኡ ይግደድ’ዩ። ካቢንዳ ነቲ ሸሓኒ ፉል ብሽዱሽተ ኩላሶ ኣጽረዮ። ንዝተቐረበ

መግቢ ብዉሕዳት ኩላሶታት ምቅባጽ ካብ ዝለምዶ ነዊሕ ዝገበረ ባህርያቱ’ዩ። ኩባያ ጸባ ኣልዒሉ ከየስተንፈሰ ብምጭላጥ “እ. . . ህ. . . እ” በለ። ካብ ዝተቐረበሉ መግቢ ዘትረፋ ሓንቲ ባኒ ኣብ ጁባኡ ኣእተዋ። ካብ እንዳ ስድራኡ ገዛ ብንግሆኡ ክወጽእ እንከሎ ባኒ ኣብ ጅባኡ ምቕማጥ ኣይርስዕን’ዩ። ጥሜት ከይተሰመዖ እንከሎ ዝረኽቦ ገንዘብ ኣብ ቤተልርስትያን’ዩ ሞባእ ዘውድቖ። “በዚኣ’ባ ሓንቲ ሎቶሪ ሃበኒ” ኢዱ ሓፍ ኣቢሉ ገንዘብ ኣራኣየ። ማንካ ናይ ሽኮር ብምልዓል ንዝገዝኣ ሎቶሪ ክሓክኽ ጀመረ። ካቢንዳ ነታ ዝሓኸኻ ሎቶሪ ዓይኑ ብምጭምጫም ኣቕሪቡ ተዓዘባ። “ገባሪ ሰናይ” “ሃ . . . ካቢ ሕጂ ምዝራብ ጀሚርኪ!” “ስምዓኒ እንዶ! ገባሪ ሰናይ ሕጂ ናበይ ኢኻ?” “ናብታ ዓባይ ነፋይት ማሽን !” ሰናይ እናሰሓቐ መለሰ። “ሕራይ . . . . ኣ. . . . ወዲ ድሙ ናብራ ቀደሙ ድዮም ዝበሉ። ኣነ ኸኣ ንፋስ ክዉቃዕ ናብ መዉዓልየይ’የ። ጽቡቕ ዝገበረልካ ወይ ግበረሉ ወይ ድማ ንገረሉ እንድዩ ክብገስ” ካቢንዳ ንዝገዝኣ ሎቶሪ ንሰናይ ኣረኪቡ ተበገሰ። ሰናይ ነታ ዝተቐበላ ሎቶሪ ዓይኑ እናሓሰየ ደጋጊሙ ጠመታ። 500.000 ናቅፋ ዝሓዘት ዕጫ ነበረት። “ካቢን . . . ዳ” ሰናይ ብዓዉታ ጸውዖ። “ተሞርዖ!” ካቢንዳ መለሲሉ ንቕድሚኡ ገስገሰ።

ተፈጸመ

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x