እታ ጐራሕ ወኻርያ

ሓደ እዋን’ዩ፡ ሓንቲ ወኻርያ ዝብላዕ ንምምእራር መግቢ ይርከቦ’ዩ ናብ ዝበለቶ በረኻ ወፈረት። እንተዀነ መግቢ ብቐሊሉ ክትረክብ ኣይከኣለትን። ድሕሪ ብዙሕ ኰለል ግን ኣብ ሓደ ቦታ ዝብላዕ ርኣየት። እቲ ቦታ ብሓጹር ዝተኸበን ንኽትኣትዎ ኣሸጋርን ነበረ። ንሳ ግን ተጣቢባ ኣተወት። ግን ዘይተጸበየቶ ሓደጋ ኣጓነፋ። ብዓይና ዘይርኣየቶ መጻወድያ ብጭራኣ ሓዛ። ንኽትሞሉቕ ብዙሕ ተጋደለት። ኣብ መወዳእታ ድማ ካብቲ መጻወድያ ኣምለጠት። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን ጭራኣ ተቖሪጻ ኣብ መጻወድያ ተረፈት። ወኻርያ በቲ ዘጋጠማ ሓደጋ ኣዝያ ሓዘነት። ጭራኣ ብምጒዳሉ ንመልክዓ ከይሃስዮ ፈርሐትን ተጨነቐትን። መሓዙታ ከይስሕቃኣን ከይጸርፋኣን ብዙሕ’ውን ተሸቚረረት። ወኻርያ ካብ ጸርፍን ላግጽን መሓዙታ ንምግልጋል ብዙሕ ሓሰበት። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ሓደ መደምደምታ በጽሐት።

1
0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x