ኣዕሩኽ ከተጥሪ ትደሊ’ዶ ?

– ቅድምን ልዕልን ኩሉ ግዜ ንነብስኻ ምሰል። ንነብሱ ዘይመስል እቲ ንነብሱ ዘይፈቱዩ’ሞ፣ ባዕልኻ ዘይፈተኻያ ነብስኻ ብካልኦት ክትፍቶ ዕሽነት’ዩ።

– ናይ ምብህሃል ክእለትካ ኣማዕብል። ሓሳባትካን ስምዒታትካን ብግቡእ ግለጽ። ካልኦት ከምኡ ንኽገብሩ ድማ ኣተባብዕ።

– ዕርክነት ብሓደ ግዜ ጥፍጥፍ ኣቢልካ ዝስራሕ ዘይኮነስ ግዜ፣ ጻዕሪን ኣዕሩኽ ከተጥሪ ትደሊ’ዶ ? ግሉጽነት ዝሓትት ዓይነት ዝምድና’ዩ። ስለዚ ንዝተላለኻዮም ሰባት ክትፈልጦምን ክፈልጡኻን ጻዕርታት ኣካይድ።

– ዕርክነት ኣብ ምሃብን ምቕባልን’ዩ ዝምርኮስ፣ ከምቲ ካብ ሰባት ሓልዮትን ርህራሀን እትጽበ ንስኻ’ውን ወትሩ ከምኡ ግበር።

– ንዝተፋለጥካዮም ሰባት ኣብ ዝተፈላለየ ንጥፈታትካ ከምዝሳተፉ ግበር። እዚ ንዝያዳ ምፍላጥን ምትዕርራኽን ክሕግዘካ’ዩ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x