ታሪኽ “ሽልማት ኖቤል”

ሽልማት ኖበል ዓመታዊ ኣብ ዓውዲ ፊዚክስ፡ ኬሚስትሪ (ስነ ቀመም)። ስነ ሕክምና። ስነ ጽሑፍ። ቁጠባዊ ስነፍልጠት ከምኡ ድማ ኣብ መዳይ ኣህጉራዊ ሰላም ዓቢ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ትካላን ዉልቀሰባትን ዝወሃብ ናይ ገንዘብ ሽልማት ኢዩ። እዚ ብ ሸ ወ ደ ና ዊ መሃዝን ወናኒ ብርክት ዝበላ ኢንዱስትሪታትን ዝነበረ ኣልፍረድ ኖቤል ዝተመስረተ ሽልማት ኣብ 1901 ዝፈለመ ኮይኑ፣ ኣብ ዓለም ካብ ዝወሃቡ ዓለምለኻውያን ሽልማታት እቲ ዝኸበረን ዝበለጸን ከም ዝኾነ ይግለጽ። መሃዚ ነታጒ (dynamite) ዝኾነ ኣልፍረድ ኖቤል እቲ ንሱ ዘቕረቦ ምህዞ ኣብ ክንዲ ንጥቕሚ ደቂሰብ ኣብ ኣሉታዊ መዓላ ኪውዕል ድሕሪ ምዕዛቡ። ኣብ ግዜ ሽልማት ኖቤል ሞቱ ዘለዎ ሃብቲ ብምልኡ ኣብዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ዓውድታት ንምዕባለን እወታዊ ጥቕሚ ደቂሰብ ኣበርክቶ ኣብ ዝገብሩ ትካላትን ዉልቀሰባትን ክውዕል ብዘቕረቦ ለበዋ ኢዩ እዚ ሽልማት ክወሃብ ጀሚሩ።

ከም ጠለቡን ለበዋኡን ድማ ዓመታዊ ካብቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ባንክታት ብፍላይ ድማ ኣብ ማእከላይ ባንክ ሽወደን ዝርከብ ሃብቱ ዝኣትዉ ናይ ወለድን ካልእን ኣታዊታት ብምውሳድ ዓመታዊ ንዝምልከቶም ተዓወትቲ ይወሃብ። ከም መግለጺ ለበዋ ኖቤል እቲ ሽልማት ኣብ 4 ዓውድታት ማለት ፊዚክስ። ስነቀመም። ስነ ሕክምናን ስነጽሑፍን ከምኡ ድማ ኣብ ዓለም ሰላም ንምስፋን ኣበርክቶ ገይሮም ዝበሃሉ ክሽለሙ ከምዝጠለበ ኢዩ። እታ ኣብዚ እዋን እዚ ሻዱሻይቲ ሽልማት ኮይና ዘላ ኣብ 1968 ማእከላይ ባንክ ሽወደን ንመበል 300 ዓመት ምስረታ ናይቲ ባንክ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዓውዲ ቁጠባ ኣስተዋጽኦ ንዝገበረ ክሽልም ብምውሳኑ ዝመጽአትን ድሒራ ናብ ዝርዝር ሽልማት ኖቤል ዝኣተወትን ኢያ። ንፈለማ እዋን ድማ ኣብ 1969 እቲ ሽላማት ተወሂቡ። ንንጥፈታት ናይዚ ሽልማት ዝህብ ኣካል ንምክያድ ሽዱሽተ ዝኣባላታ ቦርድ ክትህሉ እንከላ። ኣብ ነፍሲወከፍ ክልተ ዓመት ድማ ኣባላት ትቐያይር።

ኩሎም እቶም ኣባላታ ድማ ዜጋታት ሽወደን ወይ ኖርወይ ክኾኑ ይጥለብ። ኣባላት እዛ ቦርድ ኣብ ነፍሲወከፍ ዓውዲ ክምረጹ ዝኽእሉ ሕጹያት ምቕራብ እምበር፣ ተዓዋቲ ናይ ምውሳን ስልጣን የብላን። ብመሰረት ናይ ኣልፍሬድ ኖበል ለበዋ፣ ሽልማት ኖቤል ኣብ ዓውድታት ፊዝክስን ስነቐመምን ብሽወደናዊ ኣካዳሚ ናይ ሳይንስ ክወሃብ። ናይ ስነሕክምና ሽልማት ብኢንስቲትዩት ስቶክሆልም ክውሰን። ናይ ስነጽሑፍ ድማ ብሽወደናዊ ኣካዳሚ ናይ ስነጽሑፍ ክሽለም ዝብል ክኸውን እንከሎ። ናይ ሰላም ሽልማት ኖቤል ድማ 5 ብዝኣባላታ ኮሚተ ክውሰንን እቶም ኣባላት ድማ ብፓርላማ ኖርወይ ክምረጹን ዝጠልብ ኢዩ። እቲ ናይ ገንዘብ ሽልማት ተዓወትቲ ካብ ክልተ ወይ ሰለስተ ምስ ዝኾኑ ኣብ መንጎኦም ይምቀል። ሽልማት ኖቤል ኣብ ሓደ ዓውዲ ካብ ሰለስተ ንላዕሊ ዝኾኑ ውልቀሰባት ኣይሽለምን ኢዩ። ሽልማት ኖቤል ዓመታዊ 10 ታሕሳስ ኣብ ስቶክሆልም (ሽወደን)ን ኦስሎ (ኖርወይ) ን ይወሃብ። 10 ታሕሳስ ዝተመርጸትሉ ምኽንያት ድማ ኣልፍሬድ ኖቤል ዝሞተላ ዕለት ብምዃና ኢዩ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x