ኮለስትሮል እንታይ ኢዩ?

ኮለስትሮል ስምዓዊ ዘይቲ ሓዘል ንኣካላት ዘድሊ ነገር’ዩ። እዚ ኣብ ኣካላትን ኣብ ዝተፈላለዩ መግብታትን ይርከብ። ኣካላት ከኣ ከከም ኣድላይነቱ ይጥቀመሉ። ልዑል መጠን ምስ ዝኸዉን፡ ኣብ ኣካላት ክእከብን ናብ ዝተፈላለዩ ሕማማት ደምን ስርዓተ ልብን ከኣ ከቃልዕ ይኽእል። ኣብ ኣካላት ክልተ ዓይነት ኮለስትሮል ይርከብ። ጽቡቕን ሕማቕን ከኣ ይበሃል። እቲ ጽቡቕ ዝበሃል ንኣካላት ጠቓሚ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ሕማቕ ከኣ ጎዳኢ’ዩ። ስለዚ መጠን ናይዚ ጎዳኢ ምስ ዝበዝሕ’ዩ ናብ ሕማማት ከቃልዕ ይኽእል። ልዑል መጠን ናይዚ ጎዳኢ ዓይነት ኮለስትሮል ኣብ ደም ምስ ዝህሉ ኣብ ሻምብቆታት ደም ይድራዕ’ሞ፡ ምዕርዳድን ምጽባብን ቀስ ብቐስ ከኣ ምዕባስን ሰራውር ደም ከስዕብ ይኽእል። ስለዝኾነ ከኣ ናብ ሕማማት ስርዓተ ዙረት ደምን ወቕዕን የቃልዕ። ልዑል መጠን ኮለስትሮል ብዝተፈላለዩ ኣቃላዕቲ ነገራት ክኽሰት ይኽእል። እርጋን ሓደ ካብቶም ኣቃላዕቲ ነገራት’ዩ። ምስ ዕቤት ተኽእሎ ምዕርዳድ ሰራውር ደም ከምኡ’ዉን መጠን ኮለስትሮል ክውስኽ ይርአ። ሕማም ሽኮርያ’ውን ሓደ ካብ ንልዑል መጠን ኮለስትሮል ዘቃልዑ’ዩ።
ቅብኢ ዝበዝሖም መግቢ ምምጋብ ንመጠን ኮለስትሮል ኣብ ደም የልዕል። ልዕለ ሚዛን፡ ክስዐ፡ ስፖርት ዘይምዝውታርን’ዉን ንክስተት ልዑል መጠን ኮለስትሮል የቀላጥፉ። ብኣሓፈሻ ልዑል መጠን ኮለስትሮል ደም ጎሊሑ ዝርአ ምልክታት የብሉን። ስለዝኾነ ከኣ እንሓንሳብ ከይተለልየ ኣብ ሳዕቤናት ይበጽሕ። መጠን ኮለስትሮል ብናይ ደም መርመራ ይፍለጥ። ስብሒ ዝበዝሖ መግቢ ብምጉዳል፡ ኣሕምልትን ፍረታትን ብምዝውታር፡ ምቁጽጻር ሚዛን ኣካላት፡ ኣልኮላዊ መስተ ዘይምዝውታር፡ ስሩዕ ምንቅስቓስ ኣካላት ብምግባር፡ ሽጋራ ዘይምትካኽ ጽቡቕ ባህርያት’ዮም። እዚኣቶም ከኣ ንመጠን ኮለስትሮል ጥራይ ዘይኮነ ካብ ዝተፈላለየ ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት ይከላኸሉ። ልዑል መጠን ኮለስትሮ ምስዝህሉ ከኣ ከከም ኣድላይነቱ ብሓኪም ዝወሃብ ንምጉዳሉ ዝሕግዝ መድሃኒት ኣሎ። ምስዞም ዝተዘርዘሩ ጽቡቕ ባህርያት ከኣ ጽቡቕ ውጽኢት ኣለዎ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x