“ድቃስ ምስኣን፡ ንዋህዮታት ሓንጎል ይቐትል” ተመራመርቲ

እኹል ድቃስ ዘይምርካብ ጠንቂ ሞት ዋህዮታት ሓንጎል ከምዝኸውን ኣመሪካውያን ተመራመርቲ ገሊጾም። ንሳቶም ከምዝሕብርዎ፡ ንዝተናወሐ እዋን ከይደቀስካ ምጽናሕ፡ ጠንቂ ሞት 25 ሚእታዊት ናይ ዋህዮታት ሓንጎል ክኸውን ይኽእል’ዩ። እቶም ተመራመርቲ ኣብ ኣናጹ ኣብ ዘካየድዎ መጽናዕቲ’ዮም ነዚ ኣረጋጊጾሞ። ኣብቲ መጽናዕቲ ካብ ዝተጠቕሙለን ኣናጹ እተን ምቹእ ባይታ ስኢነን እኹል ድቃስ ክረኽባ ዘይከኣላ ምስተን ካልኦት ብምንጽጻር ዝበዝሐ ሞት ዋህዮታት ሓንጎል ኣጋጢሙወን።
ኣብተን ብብዝሒ ዋህዮታት ሓንጎል ዘጋጠመን ኣናጹ ተወሳኺ ናይ ኣእምሮ ጸገማት’ውን ከምዘጋጠመን እቶም ተመራመርቲ ገሊጾም። እቲ ኣብ መጽሄት ኒሮሳይንስ ዝሰፈረ መጽናዕቲ፡ ኣብ ሰባት’ውን ተመሳሳሊ ውጽኢት ክህሉ ከምዝኽእል ይእምት። እኹል ድቃስ ዘይምርካብ ጠንቂ ሞት ዋህዮታት ሓንጎል ክኸውን ከምዝኽእል ዝገልጽ መጽናዕቲ እዚ ናይ ፈለማ ኮይኑ፡ መደምደምታ ንምውሳድ ግን ተወሳኪ መጽናዕትታት ከምዘድሊ ነቲ መጽናዕቲ ዘካየደት ጉጅለ ተመራመርቲ ፐንሲልቫንያ ኮለጅ ገሊጻ። ሓደ እኹል ሰብ መዓልታዊ ን8 ሰዓታት ክድቅስ ከምዝግባእ ክኢላታት ይመኽሩ። እኹል ድቃስ ዘይምርካብ ንሓያሎ ሕማማት ከምዘቃልዕ’ዮም ክኢላታት ዘረድኡ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x