ሰላጣ ደርሆ (ቺክን ሳላድ)

ዓቐን
– 1 ደርሆ ከምቲ ግቡእ ዝተቘራረጸ
– 1/2 ኺሎ ሰላጣ
– 5 ዝበሰለ እንቋቚሖ
– 1/2 ኺሎ ድንሽ ዝበሰለ
– 2 ካሮት ተቐሪፉ ዝበሰለ
– ማይኖዝ ከም ኣድላይነቱ

ኣገባብ

ነቲ ደርሆ ኣጸቢቕና ሓጺብና ኣብ ጨውን ማይን ኣእቲና ኣጸቢቕና ነብስሎ፣ ምስ በሰለ። ነቲ ስጋ ካብ ኣዕጽምቱ ፈሊና ኣድቂቕና ንመትሮ፣ ነቲ ድንሽ ከኣ ቀሪፍና ንቑመት ማእከላይ ጌርና ንመትሮ፣ ነቲ ካሮቲ ኣቕጢንና ሕጽር ዝበለ ጌርና ንቑመት ንመትሮ፣ ቀጺልና ነቲ ስጋ ደርሆን ድንሽን ካሮትን ብሓንሳብ ሓዊስና ማይኖዝ ጌርና ነሕብሮ፣ ቀጺልና ነቲ ሰላጣ ኣድቂቕና መቲርና ፍርቁ ምስቲ ዝሓዋወስናዮ ሓዊስና ኣብ ጸፊሕ ብያቲ ወይ ኣብ ከቢብ ብያቲ ገልቢጥና ኣተዓራሪና ብማይኖዝ ሸፊንና። በቲ ዝተረፈ ሰላጣ ብወሰነ ወሰኑ ኣኽቢብና ኣብ ማእከሉ ኸኣ በቲ ዝበሰለ እንቋቚሖ ንቑመት መቲርና ኣኽቢብና ሸሊምና ንመግቢ ንቕርቦ፣

 

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x