“ሽኮር ኣይትፍተዉ!” ው.ጥ.ዓለም

ውድብ ጥዕና ዓለም ሰባት ኣብ መዓልታዊ ኣመጋግባኦም ዝወስድዎ መጠን ሽኮር ብፍርቂ ክጎድል ጸዊዑ። እቲ ውድብ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ ሰባት መዓልታዊ ካብ ዘድልዮም ካሎሪ ካብ ሽኮር 10 ሚእታዊት ጥራይ ክኸውን ከምዝግባእ’ዩ ዝገልጽ። ኣብ ኣመጋግባኦም ብብዝሒ ሽኮር ዘህልኹ ሰባት ንሓያሎ ሕማማት ይቃልዑ ብምህላዎም፡ ክንክይሉ እንተኽኢሎም፡ ዝያዳ ጥዕናዊ ረብሓ ከምዝህልዎም እቲ ውድብ ይመክር። እንተኾነ ክንክይዎ ዝግባእ ሽኮር ጥራይ ዘይኮነ ካብ መዓርን ዝተፈላለዩ ፍረታትን ዝርከብ ምቁር ነገር’ውን ክጎድል ከምዘለዎ’ዩ ዝጽውዕ ዘሎ።

ሓደ ሰብ ኣብ ሻሂ፡ ቡንን ካልእ መግብታትንን መዓልታዊ ዝወስዶ  ሽኮር ብጠቕላላ ካብ 50 ግራም ንላዕሊ ክኸውን ከምዘይብሉ’ዩ ውድብ ጥዕና ዓለም ዘረድእ። ጠንቂ ናይቲ ኣብ ሓያሎ ምዕቡላት ሃገራት ገኒኑ ዘሎ ሕማም ከሲዕ፡ ብዝሒ ሽኮር ምዃኑ’ዮም ክኢላታት ሕክምና ዘረድኡ። ብተወሳኺ ብዝሒ ሽኮር ምውሳድ ንኣስናንና’ውን ዘዕኑ ምዃኑ እቶም ክኢላታት ይገልጹ። እቲ ዕላማ ሓደ ሰብ መዓልታዊ ዝወስዶ ሽኮር ትሕቲ ካብ 10 ሚእታዊት ንታሕቲ ክኸውን’ኳ ዝግብኦ እንተኾነ፡ ናብ ትሕቲ 5 ሚእታዊት ካሎሪ ምስዘውርዶ ዝበለጸ ጥዕናዊ ጥቕሚ ከምዝህልዎ እቶም ክኢላታት ውድብ ጥዕና ዓለም የነጽሩ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x