ባህላዊ- ምስላታት

– ነገር ንመሃዚኡ፣ ተመን ንተሓዚኡ፣ እሾኽ ድማ ንዘራኢኡ።
– ሓቕን ወጋሕታን እንጸንሐ ይገሃድ።
– ትክን ጸልእን ንኹሉ ይልክም።
– ስሱዕ ብሕልሚ ክበልዕ እንተሓዲሩ፣ ብቐትሪ የንባሁቕ።
– ኣህባይ እንተትኣከቡ፣ ጥቃ ነብሪ ነይቀርቡ።
– ፈኸራ ሸሮስ፣ ጣይታ ካብ መጎጎ ክሳብ ዝወጽእ።
– ሞታ ዝቐረበ ኣንጭዋ ኣፍንጫ ድሙ ትልሕስ።
– ዘእተወስ ይፈትሓኪ ወይለኡ ድኣ ዝወለደኪ።
– ካብ ጽባሕ ደርሆ ናይ ሎሚ እንቋቕሖ ምዃን ይምረጽ።
– ካብ ቅንዕና ዘይብሉ ዕርክነት ግሉጽነት ዘለዎ ጽልኢ ይሓይሽ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x