ካብ ብሂላት ኣልበርት ኣንስታይን

ዕዉት ንኽትከውን ምሕላም ጥራይ ኣኻሊ ኣይኮነን እንታይ ድኣ ንእትሓልሞ ምትግባር እምበር።
– ንሎሚ ብዛዕባ ትማሊ ብምጥዓስ ኣይተባኽን። ንጽባሕ ተሞክሮ ዝኾነካ ዕዮ ዕየ።
– ሰባት ንመቕጻዕቲ ፈሪሖም ብሉጻትን ሰብ ዝናን ክኾኑ ምርኣይ እቲ ዝኸፍአ ትርኢት’ዩ።
– ፈጠራ ካብ ፍልጠት ይበልጽ።
– እቲ እሙን ዓርኪ ዝበሃል ጽቡቕ ጎድንኻ ዝነግር ዘይኮነስ እቲ ኣሉታዊ ሸነኻትካ ብግልጺ ዝሕበር’ዩ።
– ተመራማሪ ዓውዲ ፊዚክስ እንተዘይከውን። ሙዚቀኛ ምኾንኩ። ምኽንያቱ ዝበዝሐ ሓጎስ ህይወተይ ካብ ሙዚቃ ይረኽቦ ብምንባረይ።
– ኩሉ ነገር ንኽስራሕ ቀሊልን ዝከኣልን’ዩ። ኣብ ምጅማሩ ግን ቀሊል ኣይክኸውንን’ዩ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x