ንምንታይ ወርሒ ምሳይ ናብ ዝኸድክዎ ኣንፈት ትንቀሳቐስ ዘላ ኰይኑ ይስመዓኒ?

ኣብ መኪና ወይ ኣብ ኣውቶቡስ ኴንና ንወርሒ እንተጠሚትናያ ከተርክበና ትጐዪ ዘላ’ያ ትመስል። እንተቐልጢፍና ትቕልጥፍ ቀስ እንተኢልና ድማ ቀስ ትብል። እዚ ግን ወርሒ ናይ ብሓቂ ከምኡ ትገብር ኣላ ማለት ኣይኰነን። ንዓና ደኣ’ዩ ከምኡ ዝመስለና’ምበር ወርሒ ደድሕሬና ኣይተርክበናን’ያ። ንኹሉ ዝንቀሳቐስ ደድሕሪኡ ክትከይድ ከኣ ኣይትኽእልን’ያ። ሓደ ካብቲ ምኽንያታት እዚ ዝስዕብ’ዩ። ወርሒ ዋላ’ኳ ካብ መሬት ኣዝያ ትንእስ እንተዀነት ኣዝያ ዓባይ እያ። ስለ ዝዀነ ዋላ’ኳ ካባና ኣዝያ ርሒቓ እንተላ ብዘይመሳርሒ ክንርእያ ንኽእል። ካብ ዓይንና ኣዝዮም ርሒቖም ዘለዉ ነገራት ክንጥምት ከለና ደረት ትርኢትና ይሰፍሕ። እቶም ንርእዮም ከኣ ንነዊሕ እዋን ካብ ደረት ትርኢትና ኣይርሕቁን። ኣብ ቀረባ ዘለዉ ነገራት ግና ንሓጺር እዋን ጥራይ ኢና ርኢናዮም ንሓልፍ። ንኣብነት ብመኪና እናኸድና ገዛውቲ ወይ ኣእዋም ዝኸዱ ዘለዉ ይመስሉና’ዮም። እዚ ግን ንሓጺር ግዜ ጥራይ’ዩ። ሓንሳብ ምስ ሓለፍናዮም ኣይንርእዮምን ኢና። ወርሒ ግን ኣብ ዝሃለና ሃሊና ክንርእያ ንኽእል። ኣዝያ ርሒቓ ስለ ትርከብ ከኣ ኣብ ሓደ ነቚጣ ናይ ትርኢት ዘላ ትመስለና። በዚ ከኣ ምሳና ትንቀሳቐስ ዘላ ኰይኑ ይስመዓና።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x