እታ ተስፋ ዘይትቖርጽ እንቁርዖብ

ሓደ እዋን 4 መሓዙት እንቁርዖብ እናዕለላ ብሓደ ይኸዳ ነበራ። እቲ ዝኸዳሉ ዝነበራ መንገዲ ብዙሕ ኣግራብን ዕንጨይትን ዝዓብለሎ ዘይጥጡሕ ነበረ። ሃንደበት ክልተ ካብኣተን ኣብ ሓደ ዓሚቚ ጉድጓድ ኣተዋ። እተን ዝተረፋ መሓዙት እንቁርዖብ ሰንበዳ። ኣብቲ ደንደስ ናይቲ ጉድጓድ ኰይነን ንታሕቲ ናብቲ ጉድጓድ ጠመታ። ኣዝዩ ዓሚቕ ጉድጓድ ከኣ ነበረ። ክሕግዛአን እኳ እንተደለያ ዓቕሚ ኣይረኸባን። ነተን ኣብቲ ጉድጓድ ብምእታወን ዓቕለን ኣጽቢበን ዝነበራ መሓዙተን ድማ ከምዚ በላአን። “ኦሮማይ ካብዚ ክትወጽኣ ስለዘይትኽእላ ንዕድልክን ኣማርራ። ሞትክን ጥራይ ተጸበያ።” እተን ኣብ ታሕቲ ዝነበራ እንቁርዖብ ግን ነዚ ክቕበላኦ ኣይደለያን።

ተስፋ ከይቆረጻ ከኣ በብቑሩብ እናነጠራ ክወጽኣ ፈተና። እተን ኣብ ላዕሊ ኰይነን ዝርእያ ዝነበራ እንቁርዖብ ኣዝየን ተገረማ። “ንድኻም ኢኽን ትፍትና ዘለኽን። ኣቐዲምክን ክትጥንቀቓ ነይሩክን፡ ዓይንኽን ርኢኽን እንተትኸዳ ኣይምወደቕክንን። ስለዚ ኣብ ዘለኽናኦ ምሟት ይሕሸክን።” እተን ኣብ ጉድጓድ ዝነበራ እንቁርዖብ ብዘረባ መሓዙተን ተስፋ ኣይቆረጻን። ሓይለን ኣኻኺበን ደኣ ይነጥራ ነበራ። እቲ ጉድጓድ ኣዝዩ ነዊሕ ስለዝነበረ ግን ድኻም ክስምዐን ጀመረ። ድሕሪ ብዙሕ እታ ተስፋ ዘይትቖርጽ እንቁርዖብ ተስፋ ዘይተረኽቦ ጻዕሪ ድማ ተሰኒፈን ኣብ ባይታ ኣሳፍሓ።

እታ ሓንቲ ንዘረባ ናይተን ኣብ ላዕሊ ዝነበራ መሓዙታ ተቐበለቶ። ብዙሕ ከይደኸመት ሞታ ክትጽበ ከኣ ወሰነት። ነታ ካልኣይታ’ውን ኣማኸረታ። መሓዛኣ ምስማዕ ምስ ኣበየታ ከኣ ርእሳ ኣውዲቓ ደቀሰት። እታ ተስፋ ዘይቆረጸት እንቁርዖብ ግን ገና ክትፍትን ትሓስብ ነበረት። ሓንሳዕ ኣዕሪፋ ከኣ ነተን ተሪፈናኣ ዝነበራ ሓይሊ ኣኻኺባ ነቐለት። ትዘልል ትወድቕ፡ እንደገና ትዘልል። ብኸምዚ ካብ ታሕቲ ናይቲ ጉድጓድ ቁሩብ ልዒላ ነበረት። ይኹን’ምበር ብሰንኪ መውደቕቲ ኣካላታ ቃንዛ ይገብረላ ነበረ። ድኻም ተደሚርዎ ከኣ ምዝላል ስኣነት። ኣብ ላዕሊ ኰይነን ዝዕዘባ ዝነበራ መሓዙታ ነብሳ ከይሃሰየት ኣሰር ናይታ ተስፋ ዝቖረጸት መሓዝአን ክትስዕብ ብዓውታ ነገርኣ። ንሳ ግን ሕጂ’ውን ኣይሰምዓተንን። ቁሩብ ኣዕሪፋ ድማ ተበገሰት።

ድሕሪ ነዊሕ ጻዕሪ ኣብ ላዕለዋይ ጫፍ ናይቲ ጉድጓድ ክትበጽሕ ቀረበት። ኣብ መወዳእታ ድማ ዘሊላ ካብቲ ጉድጓድ ወጽአት። እተን መሓዙታ ክኣምና ኣይከኣላን። ብጣቕዒትን ጨብጨባን ከኣ ተቐበልኣ። ኣዝያ ደኺማ ስለ ዝነበረት መግብን ማይን ቀረባላ። ከብዳ ምስ ዓንገለት እተን እንቁርዖብ ከምዚ እናበላ ሓተትኣ። “ኣይትኽእልዮን ኢኺ እናበልናክስ ስለምንታይ ዘይሰማዕክና?” እታ እንቁርዖብ ኣይመለሰትን። በዚ ድማ ምስ ወደቐት እዝና ተሃሪማ ንግዚኡ ኣይትሰምዕን ከም ዝነበረት ኣረጋገጻ። ሃንደበት ናብቲ ጉድጓድ ምስ ኣተወት’ያ ብስንባድ ኣእዛና ተሃሪማ። እተን መሓዙታ ተስፋ ዘቑርጽ ዘረባ ክዛረብኣ ከለዋ ኣይሰምዓተንን። ብኣንጻሩ ሞራል ዝህባኣ ዝነበራ’ዩ ዝመስላ ነይሩ። ብኡ ተተባቢዓ ከኣ ጽዒራ ተዓዊታ። ንሳ ተዓዊታ እታ ዝተረፈት መሓዛኣ ግን ኣብቲ ጉድጓድ ብድቁሳ ሞይታ።

ፍቱዋት ቈልዑ ካብዛ ዛንታ እንታይ ንመሃር? ኣብ ትምህርቲ ኰነ ኣብ ህይወት ፍቱዋት ቈልዑ ነዞም ስእልታት ምስቶም ኣብ ጐኖም ዘለዉ ናይ እንግሊዘኛ ቃላት ኣዛምድዎም። እንተ ዘይፈሊጥኩሞም ከኣ መዝገበ-ቃላት ተወኪስኩም ወይ ንዝፈልጡ ሓቲትኩም መልስዎም። ኣዛምድ ዘይክንዕወት ንኽእል ኢና። ሓንሳብ ወዲቕና ማለት ግን ንሓዋሩ ወዲቕና ማለት ኣይኰነን። ተስፋ ከይቈረጽና እንተጽዒርና ኣብ መወዳእታ ክንዕወት ናይ ግድን’ዩ። ተስፋ ንዘቑሩጹና መሓዙትና ጸማም እዝኒ ኢና ክንህቦም ይግባእ። እታ ዝተዓወተት እንቁርዖብ ተስፋ ከይቈረጸት ክሳብ መወዳእታ ስለዝጸዓረት’ያ ተዓዊታ። እታ ተስፋ ዝቘረጸት ግን ኣብቲ ጉድጓድ’ያ ተሪፋ። ኣብኡ ከኣ ሞይታ።

Credit: ኣማኒ ኣልኣሚን

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x