ብዛዕባ ጻጸ

ጻጸ ብጻዕሩ ዝተፈልጠ ዓሌት ሓሳኹ’ዩ። ካብ ገዛእ ኣካላቱ ዝገዝፍ መግቢ ዝተፈላለዩ ሜላታት ተጠቒሙ ናብ መንበሪኡ ክኽዝን ይኽእል። ዝብላዕ ክሰኣን ከሎ ምእንቲ ከይጠሚ ኣብ ግዜ ቀውዒ(እኽሊ ዝርከበሉ) ንሓጋይ ዝዀኖ መግቢ ብብዝሒ ይእክብ። ፍቱዋት ቈልዑ እዞም ዝስዕቡ ገለ ሓቅታት ብዛዕባ ጻጸ’ዮም። ሓደ ጭፍራ ጻጸ ክሳዕ 5 ሚልዮን ዝበጽሕ ብዝሒ ጻጸ ክጥርንፍ ይኽእል። ንግስቲ፡ ወተሃደራትን ሰራሕተኛታትን ተባሂሎም ሰስራሖም ይማቐሉ። እታ ንግስቲ ዋላ’ኳ ንግስቲ እንተተባህለት ቀንዲ ስርሓ ነቶም ሚልዮናት ጻጸ ምምራሕ ኣይኰነን። ንሳ እንቋቑሖ’ያ ትፈሪ። ኣብ መዓልቲ ኣስታት 100 ሚልዮን እንቋቑሖ ክትወልድ ትኽእል። ጻጸ ኣብ ነንሕድሕዶም መረዳድኢ ቋንቋ ኣለዎም። በዚ ተረዳዲኦም ከኣ ነፍሲ-ወከፍ ጻጸ ስራሑ ፈሊጡ ብትግሃት ይሰርሕ። ጻጸ ሙቐት ዘለዎ ኣከባቢ’ዮም ዝፈትዉ። ገለ ዓሌታት ጻጸ ፈለግ ሰንጢቖም ብዘይጸገም ክሰግሩ ይኽእሉ። ሕብሪ ጻጸ ጸሊም፡ ቀይሕ፡ ሓመዳዊ፡ ወይ ጸሊምን ቀይሕን ክኸውን ይኽእል።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x