ጠቓሚ ጥዕናዊ ምኽሪ

1. እኹል ማይ ንስተ፡- ቅድሚ መግቢ 2 ኩባያ ማይ ምስ እንሰቲ መጠን ናብ ኣካላትና ዝምጸ ካሎሪ ብ15% ብምንካይ ቆርበትና ጥዕናኡ ዝሓለወ ስጡም ይኸውን።

2. ድቃስ ኣይነሕጽር፡- እኹል ድቃስ ምስ እንድቅስ ጽቡቕ ንኽስማዓና ሓጋዚ’ዩ። ምኽንያቱ ንስርዓተ ምክልኻል ሕማማት ዘገድሱ ቀመማት ኣብ እዋን ድቃስ’ዮም ዝነዝዑ።

3. ምንቅስቓስ ነዘውትር፡- ን30 ደቓይቕ ዝኣክል ብእግርና ምስ እንኸይድ ካብ 200- 250 ዝበጽሕ ካሎሪ ከነቃጽል ንኽእል።

4. ካብ መግብና ሓደ ኩላሶ ነጒድል፡- ኣብ ነፍሲ-ወከፍ እንምገበሉ እዋን ካብ’ቲ ብንቡር እንወስዶ መግቢ 250 ካሎሪ ወይ ድማ ሓደ ኩላሶ ብምንካይ 250 ካሎሪ ከኣ ብምንቅስቓስ ኣካላት ብምቕጻል 3500 ካሎሪታት ወይ’ውን 453.6 ግራም ክብደት ኣብ ሰሙን ክንንኪ ንኽእል።

5. ብቕንዕና ሰላም ንበል ሰላምታ ከኣ ንቀበል፡- ምስ እትፈዎም ሰብካ ተሓቛቚፍካ ሰላምታ ክትለዋወጥ እንከሎኻ ንጸቕጢ ደምካ ብምትሓት ንዝነበረካ ጭንቀት ከፍኩሰልካ ይኽእል’ዩ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x