ኩሉ ግዜ ካባኻ ዝበልሕ ሰብ ኣሎ

እቲ ናይ ዘመናት ሊቕ ኣልበርት ኣንስታይን፡ ብዛዕባ’ቲ ዝያዳ ዝና ዝደርዓሉ ክልሰ ሓሳብ ተዛማድነት፡ ፈቐዶ ዩኒቨርሲታት እናኸደ ኣስተምህሮ ኣብ ዝህበሉ ዝነበረ እዋን ዝተፈጸመ ሓደ ዛንታ ኣሎ። ሓደ መዓልቲ ከም ልማዶም ናብ ሓደ ዩኒቨርሲቲ እናተጓዕዙ፡ ኣውቲስታኡ ከምዚ ክብል ሓተቶ፡ “ዶክተር ኣንስታይን፡ ነዚ ሕጂ ከተቕርቦ መዲብካዮ ዘለኻ ኣስተምህሮ ልዕሊ ሰላሳ ግዜ ሰሚዐዮ ኣለኹ። ብምልኡ ድማ ኣብ ልበይ ሒዘዮ ኣለኹ። ስለዚ ንሎሚ ባዕለይ እንተኣቕረብኩዎ ከመይ ይመስለካ?” “ደሓን እሞ፡ እቲ ዕድል ዘይህበካ።

ምእንቲ ርእሱ ኣብዚ ንኸዶ ዘሎና ዩኒቨርሲቲ ዝፈልጠኒ ሰብ ስለዘየሎ፡ ኣነ ከም ኣውቲስታኻ ኮይነ ነዛ ቆብዕካ ክመልሳ’የ። ንስኻ ከኣ ከማይ ኴንካ ርእስኻ ብምልላይ ኣስተምህሮኻ ትቕጽል” በሎ ኣልበርት ኣንስታይን። ኣብቲ ኣዳራሽ ምስ ኣተዉ፡ እቲ ኣውቲስታ ንኣስተምህሮ ኣንስታይን ብዝግባእ ሸምዲድዎ ስለዝነበረ ተኣማሚኑ ኣቕረቦ። ኣስተምህሮኡ ወዲኡ ክብገስ ክብል ግን ሓደ ካብቶም ተሳተፍቲ ፕሮፌሰራት ሕቶ ኣሎኒ ኢሉ ደው ኣበሎ። እቲ ፕሮፌሰር ባዕሉ ክምልሶ ዘይከኣለ ከቢድ ሕቶ ድማ ኣቕረበሉ። ዕላማ ናይቲ ሕቶ ንኣንስታይን ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ምሁራት ኣዋጢርካ ንምሕፋሩ’ዩ ነይሩ’ምበር እቲ ፕሮፌሰር ክምልሰለይ ይኽእል’ዩ ኢሉ’ውን ኣይሓሰቦን። እቲ ኣውቲስታ ግን፡ “ናይዚ ግድል መልሲ ቀሊል’ዩ።

ከምዚ ዓይነት ቀሊል ሕቶ ብምሕታትካ ከይገረመኒ ኣይተረፈን። ብርግጽ ሕቶኻ ክሳብ ክንደይ ቀሊል ምዃኑ ንምርኣይ፡ ንኣውቲስታይ ጸዊዔ ከም ዝምልሰልካ ክገብር’የ” ብምባል ተዓጻጸፈ። ብድሕሪ’ዚ ኣልበርት ኣንስታይን ኣብ ቅድሚ’ቶም ምሁራት ቀሪቡ ንኹላቶም ብዘደነቐ ኣገባብ ንሕቶ’ቲ ፕሮፌሰር መለሰ። ስለዚ፡ ዋላኳ ሕልፊ ሰብካ በሊሕ ምዃንካ እንተተሰማዓካ፡ ዝሓዞ ጽፍሒ ብዘየገድስ ኩሉ ግዜ ካባኻ ዝበልሕ ሰብ ከም ዘሎ ኣይትዘንግዕ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x