ሕጉሳት ንኽንከውን ዝሕግዙ ፍቱናት ምዕዶታት

1. ንግሆ ተሲእና ፈጣሪ ዝፈትዎን ነብስና ዝዓግበሉን ስራሕ ምስራሕ፡ ምኽንያቱ ትፈትዎ ስራሕ ምስራሕ ዝያዳ ሓይሊ ሂቡ ሕጉስ ይገብረካ፡
2. ምስ ካልኦት እወታዊ ዝኾነ ስሚዒታት ምልውዋጥ፡ ንኸባቢና ብጽቡቕ እምበር ብኣሉታ ዘይምጥማት፡ ጽቡቕ ክጋጥም እምበር ሕማቕ ከጋጥም እዩ ኢልና ቅድሚ ዝኣገረ ነብስና ዘይምርባሽን ጽቡቕ ናይ ምምናይ መንፈስ ምሕዳርን፡
3. ኣብ ሂወትና ዕላማ ምህላውን ነዚ ዕላማ ንምብጻሕ ክንሰርሕን እዚ ሓጎስ ክዘርኣልና እዩ፡ ምኽንያቱ ንኹሉ በዳህን ፈታንን ኩነታት ከም መብልሒ ስለእንወስዶ፡ ዕላማና ምስ ወቓዕና ድማ ዝያዳ ሕጉሳት ንኸውን፡ ኣብ ሂወቱ ዕላማ ዘይብሉ ሰብ ብሶላ ከም ዘይብሉ ካፕቴን ማለት እዩ፡ ንፋስ ናብ ዝመርሓ ትጉዓዝ መርከብ!
4. ስፖርት፡ ግዜ ፈሊና ኣብ ሰሙን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር ኣብ ሂወትና ጥዕና ለጊሱ ካብ ጭንቀት ኣገላጊሉ ሓጎስ ይፈጥር፡
5. ምንባብ ሓደ ካብ ናይ ሓጎስ ጎደና እዩ፡ ምኽንያቱ ዝያዳ ከተንብብ ዝያዳ ትፈልጥ፡ ኣእምሮና ይበስል፡ ኣተሓሳስባና ይዓቢ፡ ምስ ካልኦት ዝህልወና ዝምድና የመሓይሽ፡ ንሓንጎልና የዕብዩ ከምቲ መግቢ ንነብሲ፡ ንባብ ድማ መግቢ ንሓንጎል እዩ፡
6. ሓድሽ ነገራት ንፈትን፡ ሰባት ተላለ፡ ሓደስቲ ቦታት ብጻሕ፡ በሊዕካዮ ዘይትፈልጥ መግቢ ፈትን፡ ቦታ ቐይር፡ ሓድሽ ነገራት ኣብ ሂወትካ ኣተኣታትው፡ ክዳንካ ስፈይ፡ ኣቑሑት ሕጸብ፡ መግቢ ስራሕ፡ መደቀሲኻ ኣጸራሪ፡ ብፍኒስትራ ተቐልቂልካ ብመልክዕን ጽባቐን ከባቢኻ ኣስተንትን፡ ኣሰራርሓን ጽባቐ ፍጥረት ናይ ፈጣሪ ኣስተብህልን ኣስተንትንን፡
7. ምስ ነብስና ንመሓዞ፡ ነብስና ንፍቶ፡ ብዙሓት ኣለዉ ነብሶም ረሲዖም መሓዛ ክደልዩ ግዚኦም ዘጥፍኡ፡ መጀመርታ ምስ ነብስና ምስ ንመሓዞ ኢና ምስ ካልኦት ጥዕና ዘለዎ ምሕዝነት ከነካይድ ንኽእል፡ ምስ ነብስና ነሕልፎ ግዜ ይሃልወና፡ ከነስተንትንን ክንተሓሳሰብን ጸገማትና ክትፈትሕ ምስ ነብስና ንዛተ፡ ኣብ ዓቕምናን ክእለትናን ኣሚንና ርእሰ-ተኣማንነት ነጥርይ፡ ካብ ነብስና ከይሃደምና መዓልታዊ ምስ ነብስና ሕሳብ ንግበር፡
8. ዓርኪ ይሃልወና፡ መሓዛ/ ዓርኪ ይሃልወና ሓሳባት ዝህበና፡ ዘማኽረና፡ ኣብ ማሕበራዊ ሂወትና እወታዊ ጽልዋ ዘሕድረልና፡ ኣብ ሓጎስና፡ ሓዘንናን ጭንቅናን ኣብ ጎንና ዝኾነልና፡ ካብ መንገዲ ጥፍኣት ኣልዩ ናብ መንገዲ ዓወትን ሓጎስን ዝመርሓና ዓርከይ ሓወይ ናተይ ንብሎ ይሃልወና፡

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x