ሉከየሚያ

ሕማም ሉከየሚያ ሓደ ካብ ዓይነታት ሕማም መንሽሮ’ዩ። እዚ ዓይነት ሕማም መንሽሮ ንዋህዮታት ደም ብሓፈሻ ነቶም ተሰከምቲ ኦክስጅን ዝኾኑ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ድማ ብፍላይ ዘጥቅዕ ሕማም’ዩ። ብተወሳኺ እውን ንጸዓዱ ዋህዮታት ደምን ደም ኣብ ምርጋእ ዝጠቕሙና ፕላተሌታት ዘጥቅዕ ብምዃኑ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ቀታሊ ሕማም’ዩ። ብመሰረት መጽናዕቲ ማሕበር ሕሙማን ካንሰር ኣሜሪካ ሕማም ሉኪየሚያ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ እቲ ሻድሻይ ጠንቂ ሞት ክኸውን ከሎ ብመንጽር ደቂ ኣንስትዮ ድማ ሻውዓይ ቀታሊ ሕማም ዓይነት ካንሰር ከም ዝኾነ ዝገልጽ’ዩ።

ኣብ ኣሜሪካ ዓመታዊ ኣብ ልዕሊ 31,000 ሰባት በዚ ሕማም ክጥቅዑ ከለዉ ብገምጋም ድማ ኣስታት 22,000 ሰባት ግዳይ ሞት ይኾኑ። ምብዛሕ ልዕሊ ዓቐን ቁጽሪ ዋህዮታት እቲ ሉከየሚያ ቀንዲ ምልክት ሕማም ካንሰር’ዩ። በዚ ድማ ቀንዲ ምልክት ሕማም ሉከየሚያ ምብዛሕ ዋህዮታት ደም ኣብ ኣካላትና’ዩ።ዋህዮታት ደም ኣብ ኣንጉዕ ናይ ደም’ዮም ዝፍጠሩ። ሕማም ሉከይሚያ ድማ መቦቆሉ ኣብ ኣንጉዕ ናይ ደም’ዩ። ሓደ ሰብ በቲ ሕማም ምስ ዝጥቃዕ እቶም ናይ መጀመርያ ዝፍጠሩ ዋህዮታት ዘይማዕበሉ ዋህዮታት ደም’ዮም፡ እዞም ብፕሮጀኒቶር ዝፍለጡ ዋህዮታት ቀስ እናበሉ ብቑጽሪ እናበዝሑ ክኸዱ ይጅምሩ እሞ ኣብ ሓጺር እዋን ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ብዝኾነ ብዝሒ ይበዝሑ። ሕማም ሉኪየሚያ ንመጀመርያ እዋን ከም ሕማም ዝተፈልጠሉ ኣብ ክፍላ ናይ 19 ዘመን ኮይኑ በቲ ኣብቲ እዋን ዝነብሩ ኤውሮጳውያን ናይ ፊዚክስ ሊቃውንቲ’ዩ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x