ብዛዕባ “ስቶንሄንጅ – ተንጠልጠልቲ ኣእማን” እንታይ ትፈልጡ?

ሓደ ካብቶም ናይዛ እንነብረላ ዓለም ዓበይቲ ተኣምረ-ሚስጢራት ኮይኖም ዝግለጹ ነገራት እቲ ኣብ ሰሜን ሳልስበሪ (ደቡባዊ ምዕራብ እንግሊዝ) ዝርከብ ብዓበይቲ ኣእማን ዝተነድቀ ቅርሲ ኢዩ። እዞም ብልዑል ብልሓትን ረቂቕ ጥበብን ዝተነድቁ ኣእማን ነቲ “ስቶንሄጅ” ብዝብል ስያመ ዝጽዋዕ ሓደ ካብ ጥንታውያን ቅርስታት ዓለምና ኣቚሞም ይርከቡ። ስቶንሄጅ ማለት ዝተንጠልጠሉ ወይ ዝተሓናገሩ ኣእዋም ማለት ኢዩ። ነዚ ጥንታዊ ቅርሲ ንምዕዛብ ዓመታዊ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ በጻሕቲ ናብቲ ቦታ ይጓዓዙ።

ነቲ ቦታ ኣብ ዝዕዘቡሉ እዋን ድማ ብኣሰራርሓን ኣነዳድቓን ናይቲ እኽብካብ ኣእማን ድማ ኣዝዮም ይግረሙ። ኣነዳድቓ ናይቶም ኣእማን ኣዝዩ ስሩዕን ልክዕነት ብዝመልኦ ኮታስ ኣዝዩ ቅኑዕን ዝኾነ ጌጋ ዘይብሉን ቅማረ ብዝተዓቀነ ብዝመስል ኣገባብ ዝተነድፈ ብምዃኑ ኣብ በጻሕቲ ኣድናቖት ክፈጥር ይረአ። ይኹን እምበር ነዚ ዝድነቕ ቅርሲ መን ከም ዝሃነጾን ምኽንያት መህንጺኡ እንታይ ስቶንሄንጅ – ተንጠልጠልቲ ኣእማን ምዃኑን ርግጸኛ መልሲ ዘይተረኽቦ ሚስጢራት ናይዚ ህንጻ ኢዩ። ገለ ናይ ታሪኽ ተመራመርቲ እዚ ናይ ኣእማን ቅርጻ በቶም ብድሩይድስ ዝጽውዑ ጥንታውያን ናይ ሮማውያን ኣቕሽሽቲ ከም ቤተ መቕደስ ከገልግል ተባሂሉ ዝተሃንጸ ከይከውን ዝብል ግምት ክህሉ እንከሎ፣ ብኻልኦት ድማ መቓብር ናይቲ ዉሩይ እንግሊዛዊ ንጉስ ኣርተር ኢዩ ዝብል ግምት ኣለዎም። እዚ ይኹን እምበር ስነ ፍልጠተኛታት እዚ ጥንታዊ ህንጻ ኣእማን ዝተሃነጸሉ ግዜ እንተዘይኮኑ ንሃነጽቱን ዕላማ መህነጺኦምን ብርግጸኝነት ንምግላጽ ኣይከኣሉን ዘለዉ። እዚ ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ናይ ግዜ መድረኻት ተኸፊሉ ዝተሃንጸ ቅርሲ ስቶንሄጅ ቅድሚ 5000 ዓመት ኣቢሉ ዝተጀመረ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ግዜያት ናይ ዘመነ እምኒ (stone age) ተጀሚሩ ድማ ኣብ ቀዳሞት ዓመታት ናይ ዘመነ ነሓስ (Bronze age) ክዛዘም በቒዑ።

ኣብ 1ይ መድረኽ ህንጸቱ፣ ሃነጽቱ 110 ሜትሮ ሰንጣቒትን 1.5 ሜትሮ ዕምቆትን ዘለዎ ጎዳጉዲ ብምኹዓት ኣብ ውሽጣዊ ክፋል ናይቲ ጎዳጉዲ ድማ ሓደ ኣብ ውሽጢ ካልእ ዝኣተዉ ክልተ ቀለቤታዊ ቅርጺ ዘለዎም ድንድል መሰልቲ ዓንኬላት ኣዳለዉ። እቲ ደጋዊ ዓንኬል ከም ደንደስ ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ውሽጣዊ ዓንኬል ድማ ብ56 ንኣሽቱ ጋህስታት (ጎዳጉዲ) ዝቖመ ኢዩ። ነዚ ንምድላው እቶም ሃንጽቲ ንምፍሓር ዘገልግሉ መሰረታውያን መሳርሒታት ከም ዝተጠቕሙ ይግመት። ኣብ ካልኣይ መድረኽ፣ ኣብ ማእከል ናይቲ ዝተዃዕተ ጎዳጉዲ ናይ ኣእዋም ዓንድታት ክትከሉ እንከለዉ፣ ህያው ምስሊ እዚ ክሳብ ሎሚ ተነዲቑ ዘሎ ቅርሲ ዝሓዘሉ 3ይ መድረኽ ህንጸቱ ድማ ከባቢ 1000 ዓመታት ዝወሰደ ኢዩ። ኣብዚ መድረኽ እዚ ካብ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣኻውሕ ዝተረኽቡ ኣእማን ኣብቲ ቦታ ተነዲቖም። ፈለማ 30 ዓበይቲ ኣእማን ኣብ ማእከል ናይቲ ደጋዊ ዓንኬል ናይቲ ጎዳጉዲ ተተኺሎም። ነፍስወከፎም ድማ ናይ 4.6 ሜትሮ ብራኸ ዘለዎም ኢዮም። ካልኦት 30 ኣእማን ድማ ኣብ ልዕሊ እዞም ብቑመት ዝተተኽሉ ኣዕኑድ ንጋድም ብምንጻፍ ልክዕ ከም ናይ መዓጾ (ልዳት) ቅርጺ ከምዝሕዙ ብምግባር ተነዲቖም።

ኣብ ውሽጢ እዚ ልዳት ድማ ካልኦት ብቕርጺ ጫማ ፈረስ ዝተነድፉ ኣእማን ተነዲቖም ይርከቡ። ነፍስወከፍ ቅርጻ ድማ ሰለስተ ኣእማን ዘለዎ ኮይኑ ክልተ ንቑመት ሓደ ድማ ኣብ ልዕሊኦም ተጋዲሙ ዝርከብ ኢዩ። ነዚ ቅርሲ “ዝተንጠልጠሉ ኣእማን” ንምህናጽ ዘገልግሉ ኣእማን ናይ ኣስታት 10 ሜትሮ ቁመትን ልዕሊ 50 ቶን ክብደትን ዘለዎም ካብ ዓበይቲ ኣኻውሕ ዝወጹ ኢዮም። ገለ ካብኣቶም ካብቲ ከባቢ ናይ 32 ኪሜ ርሕቀት ዝርከቡ ኣኻውሕ ዝተረኽበ ክኸውን እንከሎ፣ ካልኦት ድማ ልዕሊ 350 ኪሜ ርሒቑ ካብ ዝርከብ ኣኻውሕ ግዒዞም ዝመጹ ኢዮም። ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሓት ነድፍቲ እዚ ቅርጻ ብዘሕደረሎም ጦብላሕታ ብምብጋስ፣ ነቲ ቅዲ ኣሰራርሕኡ ብምቕዳሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዓለም ንዕኡ ዝመስል ቅዳሕ ሃኒጾም ይርከቡ። ልክዕ ነቲ ቀንድን መበቆላውን ህንጻ ዝመስል ቅርጻ ኣብ ገማግም ቀላይ ኮሎምቢያ (ዋሺንግቶን – ኣመሪካ) ይርከብ።

እዚ ብተመሳሳሊ ዓቐን ዝተነድፈ ቅርጻ ስቶንሄጅ ካብ ዘይከምቲ መበቆላዊ ቅርጻ ማለት ካብ ኣኻውሕ ዘይኮነ ብካቻስትሩስ ዝተነድቀ ኢዩ። ብተወሳኺ እውን ኣብ ቴክሳስ ከምኡ እውን ኣብ ቀጽሪ ዩኒቨርስቲ ሚዙሪ ቅዳሕ ናይዚ ቅርጻ ዝርከበሎም ከባቢታት ኢዮም። ዋላኳ ተመራመርቲ ዕላማ ህንጸት ናይዚ ህንጻ እንታይ ምዃኑ ብልክዕ ንምፍላጥ እንተዘይከኣሉ፣ ዳሕረዎት ሰባት ነዚ ቅርሲ ንምንታይ ይጥቀሙሉ ምንባሮም ግን ግምታቶም ይህቡ ኢዮም። ሓደ ካብቲ ብርግጸኝነት ዝገልጽዎ እዚ ናይ ኣእማን ህንጻ ምስ ኣምር ስነኮኾብ የተኣሳስርዎ ምንባሮም ኢዩ። ከም ግምት እቶም ተመራመርቲ እቶም ጥንታውያን ሰባት ነዚ ህንጻ ኣብ መንጎ ጸሓይ፣ ወርሕን ምድርን ዘሎ ከም ግርደትን ሶልስቲስን ዝኣመሰሉ ዝምድናታት መሐበሪ ይጥቀሙሉ ከምዝነበሩ ይገልጹ። ኮይኑ ግና መንነት ሃነጽቱን ቀንዲ ምኽንያት መህነጺኦምን ብልክዕ ዘይምፍላጡ ወትሩ ንተመራመርቲ ዘሕስቦም ጉዳይ ኢዩ። እዚ ድማ ንስቶንሄጅ ሓደ ካብቶም ናይ ዓለምና ተኣምረ ሚስጢራት ይገብሮ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x